ር.ሊ.ጳ. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ተወከልቲ ደቀባት ካናዳ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ካናዳ ንደቀባት ዓሌት መቲስ ንዝውክሉን ኣስዒቦም እውን ኣብ ካናዳ ንዓሌት ኢኑቲ ደቀባት ወኪሎም ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ከም እተራከቡን። ናይቶም ደቀባት ታሪኽ ሰሚዖምን ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ እቶም ደቀባት ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት፥ “ነቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ርክብ፥ ናይ ሓቅን ፍታሕን ዕርቅን መገዲ ንምርካብ ዝድርኽ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቶም ካናዳውያን ደቀባት “ሓቅን ፍትሕን ሕውነትን ዕርቅን” ዝብል ሓሳብ ሰኒቖም ምስ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 28 መጋቢት ከም እተራኸቡን እቲ ርክብ እውን ነቲ ዝሓለፈ ዝወረዶም ስቓይ ንምሕዋይን ሕሉፍ ታሪኾም ብዘይ ምርሳዕ ንመጻኢ ተመሳሳሊ ስቓይ ከየጋጥም ነቲ ዝሓለፈ ኣቝሳል ንምሕዋይ ኣሚቶም ነዚ ሓባራዊ ጉዕዞ እዚ ንኸአንፍቱ ዝኣመተ ከም ዝኾነ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ ቅዱስነቶም ምስቶም ብናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣባላት ዝተሰነዩ ክልተ ዓሌት ደቀባት ካናዳ ኣብ ጽርሓ ሓዋርያዊ ቤተ መዝገብ ኣብ ክልተ ተኸታታሊ መደብ ተቐቢሎም ታሪኽ ናይቶም ደቀባት ሰሚዖም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ኣፍሊጦም፡ እቲ ርክብ እውን ቅዱስነቶም ናይቶም ደቀባት ስቓይ ዝመልኦ ዛንታታቶም ንምስማዕን ቦታ ንምሃብን ብዝነበሮም ባህጊ መሰረት ዝተኻየደ ምዃኑ ይሕብሩ፣
ጐደና ዕርቂ
ቅዱስነቶም ዕለት 6 ሰነ 2020 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብቲ እዋን ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ካናዳ ኣብ ጥቓ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ተመሃሮ መሕደሪ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት እተረኽበ ናይ ልዕሊ 200 ሬሳታት ደቀባት ካናዳውያን ዚገልጽ ዜሕዝን ዜና ኣብ ዝተሰምዓሉ እዋን፡ ነዚ ጠቒሶም ናይቶም ደቀባት ሓዘን ተኻፋሊ ምዃኖም ከም ዘረጋገጹ ክዝከር እንከሎ፥ እዚ ርኽበት ሬሳታት እዚ እቲ ካብ 1800 ክሳዕ ናይ ምወዳእታ ዓሰረታት ዓመታት ኣብ መበል ዕስራ ዘመን ኣብቲ ብመንግስቲ ዝምወል መብዛሕቲኡ በተን ንመንእሰያት ደቀባት ንምምሃርን እምነት ክርስትና ክቕበሉን ምስ ካልኦት ክፍሊ ሕብረተሰብ ካናዳ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ብዝሓንጹ ማሕበራት ክርስቲያን ኣብ ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ዝተረኽበ ብምዃኑ ብሓቂ ዘስካሕክሕ እዩ። እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ዓ.ም. እተረኽበ ሬሳታት ደቀባት ካናዳ ምኽንያት ናይታ ሃገር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ “ብጒድለተይን ብኽፍኣተይን” ቢሉ ምስም እቶም ነቲ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዝፈጸሙ ይቕረታን ምሕረትን ንሓትት ከም ዝበሉን ብኡንብኡ ንደቀባት ካናዳ ብዝተፈላለየ መዳይ ንምድጋፍ ተኸታታሊ መደባት ከም ዘበገሰን እቲ ዝተበገሰ ጐደና ዕርቂ ኣገዳሲ ምዃኑ ደጋጊሞም ምሕረት ብዝሓተቱ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስቶም ደቀባት ንኽራኸቡን ስቓዮም ንኽሰምዑ ፍቓደይና ምዃኖም ኣብ ዝገለጽሉ እዋን ዝበልዎን እቲ ርክብ ቅድም ቢሉ ክካየድ ብመደብ ዝነበረ እውን እንተዀነ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ልብዒ ምኽንያት ክሰጋገር ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 28 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ከም እተረጋገጸን ድግማ ርክብ እውን ዕለት 31 መጋቢት ክካየድ ከም ዝኾነን እዚ እውን ቅዱስነቶም ኣብ ካናዳ ንኸካይድዎ ኣብ ሓሳብ ዘሎ ሓዋርያዊ መገሻ ግምት ዝገበረ ርክብ ክኸውን እንከሎ ዕለት 1 ሚያዝያ ቅዱስነቶም ምስ ናይ ካናዳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኣብ ቀለመጥኖስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ክራኸቡ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቅኑዕ ነገር ንምፍጻም ፈጺሙ ኣይተደንጐየን
ቅዱስነቶም ዕለት 28 መጋቢት ቅድም ነቶም ዓሌት መቲስ ደቀባት ካናዳ ወከልቲ ተቐቢሎም ብቐጥታ ካብቶም ወከልቲ ዛንታታቶም ተዘክሮታቶም ጥራሕ ዘይኰነስ ንዛንታቶም ጽን ብምባል ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ጐደና ንምጒዓዝ ዝብል ድላይ ውሑስ ከም ዝኸውን ኣረጋጊጾም፡ ብዛዕባ “ሓቂ ፍትሒ ሕውነት ዕርቂ” ዝገልጽ ርክብ እውን ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቶም ደቀባት ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካን ማዕከናት መራኸቢ ብዙሓን ተራኺቦም ናይ ዓሌት መቴስ ማሕበረሰብ ኣቦ መንበር መንእሰይ ካሲዲ ካሮን፥ “ብዙሓት ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ዝተፈጸመ ግፍዕን ዝወረዶም ስቓይ ከይሰምዑ ሓዲጐሞም ዝኸዱ ሰባት ከም ዝነበሩን ሰብኣውነቶም ካብቲ ስቓዮም ዘሕውይ ቅርበት ከይረኸቡ ከም ዝተረፉን፡ እቲ ክሕተት ዝነበረ ይቕረታ ዝደንጐየ እኳ እንተዀነ ቅኑዕ ነገር ንምግባር ግዜ ከም ዘሎ ዝምስክር እዩ። ስለዚህ ኣይተድንጐየን” እንክብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ኣፍሊጡ።
ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጓህን ስቓይን
ካብቶም ካናዳውያን ደቀባት ዓሌት መቲስ ነቶም ግዳያት ኰነ ንኣባይቲ ስድራኦም እውን ምስማዕን ምርዳእን “ብርቱዕን ግን ከኣ ኣድላዪ ተግባር እዩ እዚ ኸኣ ተበጊሱ እዩ። ር.ሊ.ጳ. ነቶም ደቀባት ጽን ቢሎም ከምዝሰምዑን ናይቶም ብህይወት ዝተረፉ ስቓይ ዝተመልኦ ዛንታታቶም ክሰምዑ ብዙሕ ከም ዘጒሃዮምን ነቶም ስቓዮም ብዓውታ ዝነገሩ ብሓቂ ተባዓት እንክብሉ እውን ከም ዝገለጸዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ እቲ ጉዕዞ ናብ ሮማን ምስ ር.ሊ.ጳ. ንምርኻብ ዝተገብረ ምድላዋት ናይቶም ደቀባት ማሕበረሰብ ኣቦ መንበር ካሮም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እንክሕብሩ፥ “ንቕዱስነቶም ኵሉ ስቓይ ናይቶም ደቀባት ከም እተሓበረን በዚ መሰረት ድማ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ምስማዕ ናብ ናይ ምሕዋን ሓቅን ፍትሕን ዕርቅን ምሕረትን ጐደና ዝመርሕ ተግባር ከበግስ ንጽበ፡ ምስ ቅዱስነቶም ንኽንራኸቦም ኣብ ዝሓተትናሉ እዋን ፍቓደይና ካብ ምዃን ሓሊፎም “ሓቅን ፍትሕን ሕውነትን ዕርቅን” ንዝብላ ቃላት ተጠቒሞም እዮም ዝዓደሙና እዚ ኸኣ ከም ቃል ኪዳን ገይርና ኢና እንርእዮ . . . ከም ደቀባት መጠን ብባህልና ብታሪኽና ሕቡናት ኢና፡ እቲ ኵሉ ሓቂ ክንገር ድማ ብዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣባይቲ ትምህርቲ መንበሪ ተመሃሮ ጉዳይ ዝገልጽ ሰነዳት ኣብ ቤተ መዝገብ ቫቲካን እንተሎ ፍሉይ መጽናዕቲ ንኽንገብር ክነጽንዖ እውን ሓቲትና ኣሎና። ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 1 ለካቲት ብዛዕባ እዚ ጒዳይ እዚ ምስ ቅዱስነቶም ክንዘራረበሉ ኢና . . . እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ቃል ምስክርነት ኣንጂየ
ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተሳተፋ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽባ ጓል 85 ዓመት ዝዀና ኣባል ደቀባት ካናዳ ኣንጂ ክረራር . . . ኣብ 1947 ዓ.ም. ኣብ ናይ ኣባይቲ ትምህርቲ መንበሪ ተመሃሮ ዘሕለፈኦ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ታሪኸን ንድሕሪ ምልስ ቢለን ብምዝካር “ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ዝኾንናዮ ኵሉ ክጠፍእ ተገይሩ እዩ ነቲ ዝተሓኸኸ ባህልናን ቋንቋናን ኵሉ ንኽንመልስ ልዕሊ 45 ዓመት ወሲዱልና ሎሚ ተዓዊትና እብል፡ ቢለን ይኹን እምበር በቲ ዝሓለፈ ዘሳቕይ ተዘኽሮ ክጽቀጣ ብፍጹም ድላይ ኮነ ፈቓደይና ከይኮና ህልው ኵነታት ዝጥምታ ምዃነን ገሊጸን . . . ሎሚ ካብ ቀደም ድልዱላት ኢና፡ ኣይተሰበርናን ክሳዕ ሎሚ ድማ መጺና ኣሎና ንነዊሕ እዋን እኳ እንተተጸበና ሎሚ ኵላቶም ምሳና ዚዓዩ ዘለዉ እዮም ዚመስሉ፡ እዚ ንዓይ ዓወት ንህዝብና ዓወት፡ ዓወት ናይቶም ዝጠፍኡ ኵሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዩ” ምስ በላ “ብሓቂ ናብ ሃገረ ቫቲካን ክመጽእ እንኸሎዅ ፍርሂ ነይሩኒ ደሓር ግና ኣብ ቅድሚ ቅድነቶም ምስ ተረኸብና ሕያዋይን ሰማዕን ምዃኖም ምስ ኣተውዓልኵ ዝነበረኒ ፍርሂ ኵሉ ካባይ ተቐንጠጠ . . . ነቲ ዘሎና ዕድመ እውን ኣብ ግምት ብምእታው ከም ብጻየይ ኮይኖም እዮም ዝተሰምዑኒ” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።