ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ፓትሪያርክ ኪሪል
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ከም ዝሓበርዎ፡ ዕለት 16 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ንኽዘራረቡ ናብ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ብምስማዐ ርእየት ከም እተራኸቡን፥ ከም ጓሶት መጠን “ሰላም ንምሕጋዝን ነቶም ዝሳቐዩ ቀረባ ንምዃን ንምድጋፍን ሓድነት ክህልወና ኣለዎ” ከም ዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ፥ ቋንቋ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ደኣ እምበር ፖለቲካ ኣይኮነ ከም ዝበሉ ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ብምስማዐ ርእየት እተሰነየ ርክብ ቅዱስነቶም ብናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርክ ኮኽ ከም እተሰነዩን ናይ ሞስካን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ብናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሩሲያ ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳያት ሓላፊ ናይ ቮሊኮላምስክ ሜጥሮጶሊታ ሂላሪዮን ከም እተሰነዩ ኣፍሊጦም።
ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ
እቲ ክሌኣዊ ዘተ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከምኡ እውን ማሕበረ ክርስቲያንን ጓሶትን ሰላም ክሰፍን ዝገብርዎ ዘለዉ መንፈሳውን ሰብኣውን ሓገዝ ኣብ ዘለዎ ግደ” ዘተኰረ ከም ዝነበረ ብሩኒ ኣፍሊጦም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሩሲያ ፓትሪያርክ ኪሪል ከም ጓሳ ህዝቦም እቲ ውግእ ንኽቋረጽ ክጽልዩ ምእንቲ ሰላም ክዓዩ ስለ ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣመስጊኖም፥ ደጊሞም “ቤተ ክርስቲያን ቋንቋ ፖለቲካ ዘይኮነስ ቋንቋ ኢየሱስ ክርስቶስ እያ ክትጥቀም ዘለዋ” ከም ዝበሉ ሓቢሮም።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም “ንሕና፥ ናይቲ ኣብ ኣምላኽ ኣብ ቅድስቲ ስላሴ ኣብታ ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ እንኣምን ቅዱስ ህዝቢ ጓሶት ኢና። ስለዚ ኸኣ ኢና ንሰላም ንምሕጋዝ ነቶም ዝሳቐዩ ንምድጋፍ መገድታት ሰላም ንምድላይ ከምኡ እውን እቲ ዝተባርዐ ሓዊ ምጥፋእ ሓድነት ክህልወና ዘለዎ” ከም ዝበሉን ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪልን እውን ብወገኖም ኣገዳስነት ናይ ሰላም ውዕላትን መስርሕ ሰላምን ኣጒሊሖም፥ ኣብቲ ውግእ ዋጋ ዝኸፍል ህዝብን እቶም ብደብዳብ ንሞትን ማህሰይትን ዝዳረጉ ወተሃደራት ሩሲያን እያቶም “ ከም ዝበሉ ብሩኒ ሓቢሮም።
ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ግዴታ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ከም ጓሶት መጠን ንዅሎም እቶም በቲ ውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ቀረባኦም ክንከውን ክንሕግዞምን ግደታ ኣሎና””
ኣብ ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ሰባት ብዛዕባ ቅዱስ ውግእ ወይ ብዛዕባ ቅኑዕ ውግእ ዝዛረብሉ እዋን ነይሩ እዩ። ሎሚ ከምኡ ቢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ክርስቲያን ኣገዳስነት ሰላም ዘለዎ ግንዛበ ብዝያዳ ኣማዕቢሉ እዩ።
ከም ዝበሉን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምኡ እውን ፓትሪያርክ ኪሪል፥ “ኣቢያተ ክርስትያን ሰላምን ፍትሕን ንምድልዳል ኣበርክቶ ኽገብራ ጻዋዒት ነቕርብ” ከም ዝበሉ ዝሓበሩ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ ቅዱስ ኣቦና፥ ውግእ ዘምጽኦ ሳዕቤ ብጓሂ እናሓሰቡ፥
ውግእ ህዝቢ ኣምላኽ እዩ ዋጋ ዝገብር፡ ስለዚህ ወትሩ ዘይፍትሓዊ እዩ። ምእንቲ እቶም ቈልዑ ኣንስትን ምእንቲ እቶም ኵሎም ግዳያት ውግእ ልብና ብንብዓት ይምላእ፡ ውግእ ፈጺሙ መገዲ ክኸውን ኣይክእልን፡ እቲ ሓድነት ከም ዝህልወና ዚገብር መንፈስ ከም ጓሶት መጠን ነቶም ብውግእ ዚሳቐዩ ህዝብታት ቀረባ ክንክወንን ክንሕግዞምን ይሓትተና”
እንክብሉ ምስ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ኪሪል ዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ ከም ዝዛዘሙ ብሩኒ ኣፍሊጦም።
ኣብ 2016 ዓ.ም. ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ፓትሪያርክ ኪሪልን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ፓትሪያርክ ክሪልን ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኵዩባ ብኣካል ተራኺቦም ኣብ ዝኸተምዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኣብቲ እዋን እቲ “ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዘሎ ግጭት የጒህየና” ከም ዝበሉ ዘዘርኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ፥ “እቲ ድሮ ንብዙሓት ግዳያት ዝገብር ኣብ ሰላማውያን ተቐማጦ ማእለያ ዘይብሉ በሰላ ዘስዕብ ከምኡ እውን ንሕብረተሰብ ኣብ ዓሚቝ ቍጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ዘእትዎ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ጽልኢ የጒህየና እዩ። ንዅሉ እቲ ኣብ ውግእ ዝካፈል ናብ ኣስተውዕሎ ማሕበራዊ ሓድነትን ከምኡ እውን ሰላም ኣብ ምህናጽ ዘተኰረ ስጒምቲ ንኽወስዱ ንዕድሞም። ነተን ኣብ ዩክረይን ዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያን ማሕበራዊ ስኒት ንኽህሉ ክጽዕራን ኣብቲ ግጭት ንኸይካፈላ ከምኡ እውን ተወሳኺ ምዕባለ እቲ ግጭት ንኸይድግፋ ንዕድም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ናይ ሓባር መግለጺ፥ “ማሕበረ ክርስቲያን ውግእ ኬብቅዕ ክጽልዩ ጻውዒት ነቕርብ፥ ንዅሎም ክርስቲያን ንዅሎም ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ ንፍጥረት ካብ ጥፍኣት ኪዕቍብን ካልእ ሓድሽ ውግእ ዓለም ከይለዓል ናብ ፈጣሪ እዛ ዓለም እዚኣ ልባዊ ጽሎት ኬቕርቡ ንምሕጸን። ጽኑዕን ነባርን ሰላም ምእንቲ ኪህልወና ነቲ ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል እተመስረተ ሓድነት ከም ዝህልወና ዝገብር ሓባራዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዳግማይ ንምርካብ ህርኵት ጻዕሪ ክንገብር ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።