ድለ

2021.03.19 Statua di San Giuseppe 2021.03.19 Statua di San Giuseppe 

ቅዱስ ዮሴፍ ኣቦ: ኣላዪ ቤት: ስደተኛ: መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ ዘፍቅር!ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓመት መጸ በዛ ዕለት እዚኣ ማለት 19 መጋቢት በዓለ ቅዱስ ዮሴፍ እንክትዝክር ምሳኡ ኣተሓሒዛ ከኣ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብነታዊ ኣቦ ብምዃኑ በዓል ኣቦታት እውን ይውስኹሉ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራምቸስኮስ ብምኽንያት ምዝዛም ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ 12 ዙርያ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝሃቡ ዝዝከር ኰይኑ ንቅድስት ሥድራ ናዝሬት ብዝምልከት እውን ከምዚ ሎሚ ኣብ ኡክራይና ካብ ውግ እ ሕይወቶም ከድሕኑ ዝስደዱ ንግብጺ ተሰዲዳ መሪር ጽዋዕ ስደት ከምዝቀሰመት ገሊጾም ነበሩ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብታ ፓትሪስ ኮርደ ብ ኣባታዊ ልቢ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም መንነት ቅዱስ ዮሴፍ ብሰፊሑ እንክልገጽዎ ‘ሕያዋይ ኣቦ ተኣዛዚ ኣቦ ኰይኑ ምስ ሕጽይቱ ማርያምን ኢየሱስ ሕጻንን ካብ ሄሮዶስ ብዝወረዶ ኣደራዕ ዑቊባ ንክረክብ ንምድሪ ግብጺ ተሰዲዱ’ ኢሎም ነሮም፤ እዚ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ነዛ ሕይወቶም ከድሕኑ ዑቊባ ንክረኽቡ ዝስደዱ ዘለው ብ ዓቢኡ ከኣ ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ካብ ገሃነም ውግ እ ኡክራይና ዝውሕዙ ዘለው ስደተኛታት እግዚኣብሔር ከሕጽረሎም ስደት ዘስተማቀረ ቅዱስ ዮሴፍ የማልደሎም።

እዚ ዕለት እዚ ንቅዱስነቶም ፍሉይ ዕለት እዩ፤ ከመይ ናይ ሎሚ ትሽ ዓተ ዓመት ይገብር በዛ ዕለት እዚኣ 19 መጋቢት 2013 ዓም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ተቀቢሎም ብቅዳሴ ኣገልግሎቶም ጀሚሮም።

ናይ ቊሸት ሰብ/ሃገረሰብ!

ዝሓለፈ ዓመት ብዕለት 17 ሕዳር 2021 ዓም ነቲ ን12 ዙር ዝቀጸልዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብምኽንያት ምዝዛም ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዝጀመሩሉ፤

“እነሆ እምበር እቲ ቀንዲ ምኽንያት ቤተልሔምን ናዝሬትን ካብ ከተማ ዝረሓቃ ሻውላት ብእግዚኣብሔር ተመሪጸን፤ ኢየሱስ ኣብታ ምስ ኩሉ ሥልጣንን ምዕባሌን ኣይውለድን! ኣብ ሓደ ቁሸት ይውለድ ክሳብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ከኣ ኣብታ ቊሸት ከም ዮሴፍ ዕንጸይቲ እናጸረበ ይነብር። ን ኢየሱስ ናብራ ቊሸት ድሮ ብትንቢት ተነጊሩሉ ነበረ። እዚ ኩነት እዚ ሎሚ እውን እንተኾነ ሸለል ክንብሎ ዘይብልና እዩ ከመይ ሥራሕ እግዚኣብሔር ኣብቲ ጂኦግራፊካውን ናብራውን ሻውላት ምግላጹ ይቅጽል ኣሎ። ጐይታ ወትሩ ኣብ ሻውላት ቦታ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሻውላት ነፍስናስ ይኹን ኣብ ሻውላት እንሓፍረሎም ስምዒታትና ከይተረፈ ብሕቡእ ሥራሑ ይቅጽል ኣሎ፤ ጐይታ ወትሩ ኣብቲ እንሓፈረሉ ሻውላት ስምዒታትና እውን ንቅድሚት ንክንግስግስ ንክሕግዘና ይጽበይና ኣሎ፤ ጐይታኸስ ኣብ ጆግራፊካዊ ሻውላትስ ይኹን ኣብ ናይ መንባብሮ ሻውላት ምግላጹ ይቅጽል ኣሎ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኢየሱስ ንሓጢኣተኛታት ክደሊ ይኸይድ! ኣብ ገዛውቶም ይኣቱ! ምሳኣቶም ይዋሳእ! ንለውጥን ንንስሓን ከኣ ይጽውዖም። በዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ተነቂፉ እዩ ኢሎም ነበሩ።”

እዚ ከኣ ሕርየት ቅዱስ ዮሴፍን እቲ ዝነብሮ ዝነበረ ከባብን ኩሉ ሓይሊ እግዚኣብሔር ኣብ ትሑታት ከምዝግለጽ ሎሚ እውን እንተኾነ ሻውላት ዲና እንብሎ ቊሸት ወይውን ሃገረሰብ እግዚኣብሔር ኣባኡ ገና ከምዝሰርሕ ንክነስተው ዕል ዓዲሞም ነበሩ።

ማንም ከየስተውዓለሉ ዝጐዓዝ ሰብ!

ቅዱስነቶም ኣብታ ካል ኣይቲ ትምህርቲ ክርስቶስ ማለት ብ ዕለት 24 ሕዳር 2021 ዘቅረብዋ እውን ኣቦ እቲ መድሓኒ ኢየሱስ ኰይኑ ኣብ ዝጐዓዘሉ ዝነበረ ኣብ ጉዳይ ታሪኽ ድሕነት እውን ገና ማንም ዘየስተውዕለሉ ንሱ እውን ረኣዩለይ ስም ዑለይ ዘይነበሮ ብሱቊታ ስራሑ ይሰርሕ ከምዝነበረ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ፤

“ማቴዎስ ወንጌላዊ ግደ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ቅጡብን ብካልኣይ ደረጃን ዝስራዕ እኳ እንተኾነ ቀንዲ መተኣሳሰሪ ታሪኽ ድሕነት ምዃኑ ንክንርዳእ ይሕግዘና። ቅዱስ ዮሴፍ ንፍጻሜታት ክመልኽ ከይደለየ ግደኡ ብትሕትና የበርክት፤ ከምቲ ልቢ ኣቦ እትብል መልእኽቲ ተመልኪቱ ዘሎ ‘ሕይወታትና ብዝኸማና ዝበሉ ወትሩ ግን እርስዖም ማንም ሰባት ተኣሊመንን ተደጊፈንን ይነብራ፤ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ኣርእስታት ጋዜጣታትን መጽሔታትን ኣይርእዮምን፤ እንትኾነ ክንደይ ኣቦታትን ኣደታትን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ገርሀይና ብዝኾነ መንገዲ ብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ከመይ ገቢርካ ንጸገማት ከም እትብድህን ከምእትሰግሮምን ካብ ተመኲሮኦም ነቂሎም ኣዕይንቶም ንሰማይ ቊሊሕ እናበሉን እናጸለዩን ንሕጻናት መንገዲ ዘርኣዩ ዓበይቲ መማህራን ምሕሳብ ይኣክል፤ ክንደይ ሰባትከ ስለ ሠናይ ነገር ናይ ኩልና ዝጽልዩን ዘማልዱን ዘወፍዩን ዘየለው’ ከምዝተባህለ ቅዱስ ዮሴፍ ሓደ ካብዚኦም እዩ ቢሎም ነበሩ።”

ጻድቅ ሰብ/ቅኑዕ-ፍትሓዊ ሰብ!

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ነቲ ማቴዎስ ወንጌላዊ ‘ጻድቅ ነበረ’ ዝብላ መበገሲ ብምግባር ብሓቂ ቅኑዕን ፍትሓውን ሰብ ከምዝነበረ ከምዚ ክብሉ ገልጽዎ።

“ቅዱስ ወንጌል ዮሴፍ ጻድቅ ነበረ እንክብለና ከም ኩሎም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ብሕጊ እግዚኣብሔር ይምራሕ ነበረ ማለቱ እዩ፤ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ኣብ ማርያም ዝነበሮ ፍቅርን ኣባኣ ዘሕደሮ ምትእምማንን ነቲ ሕጊ ዝ እዝዞ ዝነበረ ሥርዓት ምሕላውን ክብሪ ሕጽይቱ ንምሕላውን ብስቱር ክፈትሓ ይደሊ፤ ኣባና ምልስ ምስ እንብል ኣይሽንኳይ ከምዚ ረኺብና ን እሽቶ ወረ ምስ ትነፍስ ክንደይ ቤላበለውን ሕሜታን ኣሎ፤ ዮሴፍ ግን ናብ ኣስተንትኖ ይ ኣቱ መልኣኽ ከኣ ብሕልሚ ይረኣዮ እሞ “እቲ ዝተጸንሰ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ምስኣ ኵን ኣይትፍራህ” ይብሎ፤ ንሱ ከኣ ነግፈረግ ከይበለ ንቤቱ ይወስዳ። ማርያምን ዮሴፍን ብዛዕባ ህይወቶምን መጻኢኦምን ሕልምን ትጽቢትን ዘማዕበሉ ክልተ ሕጹያት እያቶም። ኣምላኽ ኣብ ታሪኾም ዘይተጸበይዎን ዋላ እውን ኣብ ፈለማ ጻዕሪ ዝሓትት እንተመሰለ ክልቲኦም ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ጋህዲ ልቦም ይኸፍትሉ። ንነፍሲወከፍና ቅን ዕቲ ሕይወት ክንመርሕ ክንደይ ዘይመድለየና ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ሓገዝ እግዚኣብሔር ከምዘድልየና ክስመዓና ኣለዎ ኢሎም ነበሩ።”

ናይ ሱቊታ ሰብ!

ኣብ ክፍላ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ከኣ ሱቊታ ዮሴፍ እዚ ግን ዓባሳት ምዃን ዘይኮነ ብዙሕ ስራሕ ዘድልዮ ሱቊታ ማለት ጽን ቢልካ ምስማዕ ዝመለልዪኡን ንኩሉ ኣብ ውሽጥኻ ሒዝካ ምስራሕን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ።

“ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝግለጽ ቅዱስ ዮሴፍ ንቃል ኣምላኽ ከምኡ እውን መንፈስ ቅዱስ መታን ክዓዪ ቦታ ንምሕዳግ ፈጺሙ ዘይዛረብ እዩ። ንኣሓትናን ኣሕዋትናን መእንቲ ከይንጐድኦም መልሓስና ክሕድሰልናን ከሕውየልናን ንመንፈስ ቅዱስ ቦታ ንሃብ። ስቕ ምባል ምስ ተግባር ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ካብ ቅዱስ ዮሴፍ ንመሃር፣ ነፍሲ ወከፍና ኣብነት ቅዱስ ዮሴፍ ብምስዓብ ነቲ ብህድኣት እተኽፍተ ናይ ምስትንታን ማዕቅን ህይወት ክንምለሶ ምኽኣልናዶ? ስቕ ምባል ናብ ገዛእ ርእስና ክንኣቱን ምስ ናይ ሓቂ ክፋልና ክንራኸብን ስለ ዝሓትተና ቍሩብ ከምዘፍርህ ካብ ተመክሮ ንፈልጦ ሓቂ እዩ። ዘይዛረብ ቤተ መዘክር ንዅን ኣይኮንኵን ዝብል ዘለዅ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ነፍሲ ወከፍና ናብ ውሽጡ ይጠምት ኢሎም ነሮም።”

ስደተኛን ተባዕን ሰብ!

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ዝገልጽዋ እዛ ሎሚ ንብዙሓት ተሳቂ ዘላ ስደት ንቅዱስ ዮሴፍ እውን ከምዝገጠመት እንተኾነ ብትብዓት ከምዝሰገራ ኣመልኪቶም ዝሃብዋ ትምህርቲ ነበረት፤

እታ ናዝራዊት ስድራ ቤት ውርደት ዘጋጠማን ካብ ሃገርካ ምውጻእ ዘስዕቦ ስግኣትን ፍርሕን ስቓይን ምክርትን እውን እያ። ሎሚ እውን ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተመሳሳሊ ዘይፍትሓውንትን መከራን ኪወርዶምን ኪስደዱ ይግደዱ ኣለዉ። ጠንቂ እዚ ነገር እዚ ዳርጋ ኵሉ ሳዕ ትዕቢትን ዓመጻን እቶም ሓያላት እዩ። ንኢየሱስ ዘጋጠሞ ኵነት እዩ።

“ሄሮድስ ምልክት ናይ ትማልን ናይ ሎምን ጨንቈንቲ እዩ። ነቶም ጨቈንቲ ኣብ ስልጣኖም ንዝምክሑ እንተደልዮም ህዝቢ ከጥፍኡ ንዝኽእሉ ኣገዳሲ ተክለ ሰብነት እዩ። ሎሚ እውን ዘጋጥም ዘሎ ኵነት እዩ። ዝተገብረ ክንሓስብ ኣየድልየናን ሎሚ ኣብ እዋንና እንርእዮ ዘሎና ታሪኽ ስለ ዝኾነ፥ ሰብ ንሰብ ተዅላ ዝዀነሉ ኵነት! ከም ሄሮድስ ስልጣን ምስ ሓዝካ ክፍጸም ዝከኣል ታሪኽ ጥራሕ ገይርና ክንሓስቦ የብልናን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ብቓላት ድዩ ብዝተፈላለየ ተግባራትና ካልኦት ንኽንሃስይ ምስ እንፍትን እንነብሮ ታሪኽ እዩ። ንሕና እውን ነኣሽቱ ሄሮድስ ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኣብ ልባቶም ዘሎዎም ኢና! ሄሮድስን ዮሴፍን ክልተ ኣንጻር ገጸ ባርያት እያቶ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝነበረ ክልተ ገጽ ደቂ ሰብ ዜንጸባርቕ እዩ። ትብዓት ከም ጅግንነት ጥራይ ገርካ ምርኣይ ጌጋ እዩ። ከም ሓቂ መዓልታዊ ናብራ ትብዓት ዝሓትት እዩ። ኵላትና መዓልታዊ ጸገማትና ብዘይ ትብዓት ዝስገር ከምዘይኮነ ንፈልጥ ኢና። ኣብ ኵሉ እዋንን ባህልታትን ብዙሕ ዓይነት ጸገማ ዘይፍትሓውነትን ኵነኔን ሞትን ዝተጻወሩን ዝጻወሩን ሰባት ንረክብ።”

ዛዕባ እቶም ግዳያት ውግእ ዝኾኑ ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ክስደዱ ዘይክእሉ ብዝሓት ሰባት ከም ዘለዉ ንዘክር። ብዙሓት ናጻ ናይ ምዃን መገዲ ዝጀመሩን ብዙሓት ከኣ ኣብ ጉዕዞ ስደት ብእግርን ብባሕርን ዝጠፍኡ ንሕሰብ። ኢየሱስ ኣብ ሕቕፎ ማርያምን ዮሴፍን ኰይኑ ክስደድ እንከሎ ነስተውዕል። እዚ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ናይ ብዙሓት ጒዕዞ እዩ። ኣብ ቅድሚ እዚ ኵነት እዚ ርኢና ከም ዘይረኣና ክክንሓልፍ ዘይከኣል እዩ። ርኢኻ ከም ዘይረኣኻ ምዃን እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ማሕበራዊ ግብረ ብልሽውና እዩ! ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ሎሚ ስደተኛ ንስደተኛ ኢየሱስ ንርኤ ኢሎም ነበሩ።

ኣቦ ኢየሱስ!

ቅዱስነቶም ብዕለት 5 ጥሪ 2022 ዓም ኣብ ዘስተምሃርዎ ኣቦነት ዓቢ ሓላፍነት ዘሸክም ዕዮ ገዛ ምዃኑ ብምጥቃስ ምውላድ ጥራይ እኹል ከምዘይኮነ ከምዚ ክብሉ መሃሩ፣

“ንሓደ ቈልዓ ኣብ ዓለም ምውላዱ ጥራይ እኹል ኣይኮነ! ኣቦ ወይ ኣደ ምዃን ከኣ ብግዲ የድሊ፣ ኣቦ ምዃን ብውልደት ዘይኮነ እትዀኖ ጸዋዕታ እዩ። ኮይንካዮ እትውለዶ ኣይኮነን። ሓደ ሰብ ኣቦ ዝኸውን ውሉድ ስለ ዝወለደ ጥራይ ዘይኮነስ ኣቦ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣብ ምስካም እዩ ኣቦ ዝኸውን፡ ንውላድ ኣብ ምኽንኻንን ምንባይን ሓደ ሰብ ንሕይወት ካልእ ሰብ ብሓላፍነት ምስ ዝቕበል ኣቦ ይኸውን። (ሓዋርያዊ መልእክቲ ‘ብ ኣባታዊ ልቢ` ረኣ)ናይ ዮሴፍ ኣቦነት ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ እዩ። ንሓደ ዘይውላድካ ከም ውላድካ ተቐቢልካ ምዕባይ ናይ ሓደ ዓቢይ ፍቕሪ መግለጺ እዩ። ኣብ ዓለም ዝኸናኸኖም ዝጽበዩ ማእለያ ዘይብሎም ቈልዑ ኣለዉ። ብዙሓት ሰብ ሓዳር ኣቦታትን ኣዴታትን ክዀኑ ዝደልዩ እኳ እንተኾነ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይበጽሕዎ እውን እንተዀነ ንዘኽታማት ከም ውላዶም ገይሮም ኣብ ምዕባይ ኣቦነትን ኣደነትን ምዃን ክነብርዎ ይርአይ፡ ካልኦት እውን ውላድ እንከለዎም ዘኽታማት ከም ውላዶም ብምቕባል ኣቦነትን ኣደነትን ዝነብሩ ብዙሓት እያቶም፡ እዚ ፍቕሪ ምክፋል እዩ። ስለዚ ኣቦ ምዃን ኮይንካዮ እትፍጠሮ ዘይኮነ ሓላፍነት ኣቦነት ኣብ ምቕባል ዝሕነጽ ጸዋዕታ እዩ ቢሎም ነበሩ።”

ጸራብ ዕንጸይቲ!

ቅዱስነቶም ዕለት 12 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ንቅዱስ ዮሴፍ እተወፍየ ሻብዓይ መደብ፥ ቅዱስ ዮሴፍ ዝመሓደርሉ ዝነበረ ስርሑን ሞያኡን ዕዮ ጽርበት ምንባሩን ኣብቲ ዘመን እቲ ኣብ ሃገረ ፍልስጥኤም ኣባይቲ ንምሕናጽ ዕንጨይቲ ምድላው እውን ዘጠቓልል ዕዮ ከምዝነበረን እዚ ኸኣ ዕዮ ጽርበት ክሳብ ክንደይ ኣድካምን ብርቱዕን ምዃኑ እዩ።  ብዙሕ ኣታዊ ዘይርከቦን ብህዝቢ ናዝሬት እውን ክብሪ ይወሃቦ ከም ዘይነበረን ኢየሱስ ወዲ እቲ ጸራቢ ዝብል ኣብቲ እዋን ናይ ትሑታት ክፍሊ ሕብረተሰብ መግለጺ ዝነበረን ትሑት ማሕበራዊ ደረጃ መግለጺ እዩ ዝነበረ፣ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪሰብኽን ኪምህርን ምዝ ጀመረን ልክዕ ከም ሓደ ናይ ሕጊ ሊቅ ኮይኑ ክምህር ዝሰምዑ ዝነበሩ እቶም ኣብቲ ምኵራብ ተኣኪቦም ዝነበሩን ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኰሎም ይግረሙን ጥራሕ ዘይኰንስ “እዚ ጥበብን ተኣምራን እዚ ካበይ ረኸቦ” (ማቴ 13.54)እንክብሉ ይሓቱ፥ መሕትቲኦም ከኣ ወዲ ጸራባይ ስለ ዝነበረ እዩ። እንተኾነ ሥራሕ ክብረት እዩ፤ ብዛዕባ ናይ ዮሴፍን ኢየሱስን ክትሓስብ እንኮለኻ ብዛዕባ ኵሎም ሰራሕተይናታት ዓለም ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ መዐደኒታት ኣብ ገሊኡ ፋብሪካታት ኣድካሚ ዕዮ ዝዓዩን ዝምዝመዙን ብጸሊም ዝሰርሑን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታ ናይ ሞትን ማህሰይትን ሓደጋ ዘጋጥሞምን ግዳያት ሸቕሊ ነቶም ብዘይ ዕድመኦም ኣክንዲ ናብ ትምህርቲ ንኽሰርሑ ዚግደዱ ቈልዑን ኣብ ፈቐዶ መእከቢ ጓሓፍ ገለ ነገር ዝልወጥን ዝሽየጥን እንተረኽብና ቢሎም ኣብ ፈቖዶ ኵምሮ ጓሕፍ ክፍትሹ ዝውዕሉን ንኽትሓስብ ይድርኽ ቢሎም ነበሩ።

ለውሃት ዝመለለዪኡ ኣቦ!

ቅዱስነቶም ዕለት 19 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ልክዕ ከምቲ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 15 ዝግለጽ መሓርነቱ፥ ብሓጢኣትና ዘይስምብድ ወትሩ ቀረባናን ዘፍቅረናን ምዃኑ ከም ዘጒልሑን ብዛዕባ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዘለዉ ሰባት ዘኪሮም፥ እቶም ጌጋ ዝፈጸሙ ሰባት ጌጋኦም ኪኸፍሉ ግብእ እኳ እንተዀነ ካብ ጌጋታቶም ኪብጀዉ ምግባር እውን ፍትሓዊ ምዃኑ ምስ ኣብርሁ ለውሃት ቅዱስ ዮሴፍ እውን ምስዚ ከምዝመሳሰል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ።

“ተመክሮ ለውሃት “ኣብ ድኽነትናን ጸበባናን ኵሉ ከም እተፈቐርናን ሓንጐፋይ ዝብል እንግዶት ምቕባል ማለት እዩ። ብፍቕሪ ኣምላክ ምልዋጥ ማለት እዩ። ወንጌላዊ ሉቃስ ዘዘንትዎ ምሳሌ መሓሪ ኣቦ ብዛዕባ ለውሃት ብቐዳምነት ዘመልክቶ “ተመስጦ ወይ ስምዒትታዊ ጒዳይ” ኣይኰነን። ጐይታ ከም ብሓድሽ በቲ ኣዚዩ ተነቃፊ ዝገበረና ነገራት ብልክዕ ክሓልፍ ምርኣይ ዘጠቓልል እዩ። ንኹሉ ድኽመታትናን ሓጢኣትናን ብናይ እስራት ፍርዲ ዘይኮነስ ብኢድና ሑዙ ካብቲ ድኽመታት ንኽንትንስእ እዩ ዝሕግዘና። ብርግጽ ኵላትና ክፍታሕ ዘለዎ ጸብጻብ ሕይወት ዘሎና ኢና፣ ምስ እግዚኣብሔር ምጽብጻብ ክንደይ ሰናይ እዩ። ገና ንኽንዛረብ ኣፍና ምስ እንኸፍት ንሱ ቀዲሙ እዩ ኣብ ሕቕፉኡ ዘንብረና። ለውሃት ካብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዓለም እዚዩ ዓቢይ እዩ። ዘይትጽበዮ መጋበርያ ፍትሒ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኢና ኣምላኽ ብሓጢኣትና ከም ዘይስንብድ ክንርስዕ ዘይብልና - ፈጺምና ክንርስዖ የብልናን። ኣምላኽ ብሓጢኣትና ፍጺሙ ኣይስምብድን። ካብ ሓጢኣትና እዚዩ ዝዓበየን ኣቦ ፍቕሪ ለዋህ እዩ። ብሓጢኣትና ብጌጋታትና ብውድቀትና ኣይስምብድን። ልብና ክንዓጽው እንኰለና እዩ ዝሓዝን። . . . እዚ የሳቕዮ። ኣብ ፍቕሪ ዘይምእማንና ድማ የሰምብዶ። ፍቕሪ ኣምላኽ ዘንጽሕ ዓቢይ ለውሃት እዩ። ነዚ ሓቂ እዚ ቅዱስ ዮሴፍ እዩ ንእየሱስ ዝመሃሮ፡ እዚ ባህ የብል፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኣምላኽ ወትሩ ብሰብኣዊ ተመክሮታት ኣቢሉ እዩ ናባና ዚመጽእ! ኣብ ምስጢረ ንስሓ ምስ መለኰታዊ ርህራሀ ምርኻብ ኣገዳሲ ዝኸውን። ‘ኣብ ምስጢረ ንስሓ ጥራይ ኢና ናይ ኣምላኽ ሓቅን ሓላዪ ፍቕርን እንምከር። እቲ እኩይ ዝኾነ ሰይጣን እውን ብዘገርም ኣገባብ ብዛዕባ ሓቂ ኪዛረበና ይኽእል እዩ። እዚ ዚገብሮ ግና ንኪኸሰና ጥራይ ኢዩ። መለኮታዊ ሓቂ ንዓና ኣይከሰናን ኢዩ። በንጻሩ እኳ ደኣ ብመለኮታዊ ሓቂ ይሓቝፈና የበራትዓና ይምሕረና ይቕበለና’ (ብ ኣባታዊ ልቢ 2)ቢሎም ነበሩ።”

ሓላሚ ኣቦ!

ቅዱስነቶም ብዕለት 26 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ቅዱስ ዮሴፍ ሓላምን ንድምጺ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘለለዮን እቲ ዝተቐበሎ ድምጺ ኣምላኽ ኣብ ተግባር ከም ዘውዓሎን ብምምልካት ኣብነት ናይቲ ንኢየሱስ ዘዕበዮ ኣቦ ንድምጺ ኣምላኽ ንኸነተውዕል ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ።

“ሕልምታት “መንፈሳዊ ህይወት ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ዝግለጸሉ ብዙሕ ግዜ ዝዛረበና ከነማዕብሎን ክንሕልዎን እንጽውዓሉ ውሽጣዊ ስፍራ” ዘመልክት እዩ፡ ይዅን እምበር ካብቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ካልእ ድምጺ፥ ድምጺ ፍርህን ካብቲ ጽምጺ ኬታልልን ኬደናግርን ዝደሊ እኩይ” ንኽንጥንቀቕ ሓደራ፡ ኣብ መንጐ ብዙሓት ሰባት ድምጺ ኣምላክ ከነለሊ ዜኽእለና ምስትውዕ ምምዕባል ይግብኣና፣ ኣብ ወንጌል ዝዝንተው ኣርባዕተ ሕልምታት ቅዱስ ዮሴፍ፥ ብመጀመርያ ዮሴፍ ደቂሱ እንከሎ መልኣኽ ተገልጸሉ፥ እዚ ኸኣ ማርያም ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ ክፍጠር ዝክእል ግጭት ንኽፈትሖ ሓገዞ፥ ዮሴፍ ብኡብኡ ንቓላት እቲ መልኣኽ ሰሚዑ ንማርያም ከም በዓልቲ - ቤቱ ገይሩ ወሰዳ፥ ህይወት መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ዘይንርድኦን ፍታሕ ኣብዘይብሉን ኵነታት እያ እተእትወና። ኣብታ ህሞት ኣቲኣ ምጽላይ ክበሃል እንከሎ ጐይታ ቅኑዕ ነገር ንኽንብገር ንኽፈቕደልና ምፍቃድ ማለት እዩ! ኣብቲ ካልኣይ ሕልሚ ዮሴፍ ህይወት ሕጻን ኢየሱስ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ መጠንቀቕታ ይወሃቦ። ንገዛእ ርእስና ወይ ንእነፍቅሮም ሰባት ዜስግእ ሓሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ ምጽላይ የድሊ፥ እዚ ክበሃል እንከሎ ነቲ ከም ናይ ዮሴፍ ዝኣመሰለ ትብዓት ኪህበና ዚኽእል ድምጺ ምስማዕ ማለት እዩ። ኣብታ ሳልሰይቲ ሕልሚ፥ እቶም ንህይወት ኢየሱስ ከሕልፉ ዝደልዩ ዝነበሩ ከም ዝሞቱን እቲ ራብዓይ ሕልሚ ከኣ ቅዱስ ዮሴፍ ነቲ ንሄሮድስ ዝተከኦ ኤርኮላዎስ ፈሪሁ ኣብ ናዝሬት ኪቕመጥ ሓበሬታ ከምዝህልዎ ገበረ፤ ፍርሂ ክፍሊ ህይወትና እዩ፡ ጸሎት እውን የድልየና እዩ . . . ዮሴፍ ፍርሃት እኳ ይስምዖ እንተነበረ ኣምላኽ ግና ይመርሖ እዩ። ሓይሊ ጸሎት፥ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት እንከሎና ብርሃን የምጽኣልና!ቢሎም ነበሩ።”

ሱታፌ ቅዱሳን!

ቅዱስነቶም ብዕለት 2 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ “ሕብረት ቅዱሳን ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ንሓድሕዱ ኣብ ክርስቶስ ዘተሓባብር እዩ፤ እዚ ሕብረት ቅዱሳን እዚ  ከኣ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ፤ ገሊኡ ዓይነት ተወፋይነት ካብ ክርስቲያናዊ ኣተሓሳስባ ንላዕሊ ካብ ኣረማዊ ኣተሓሳስባ ዝመንጨው እውን ኣሎ፤ እቲ ፍልልይ ግና ክርስቲያን ኣብ ሰብ ወይ ኣብ ምስሊ ዘይኮነስ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዝውከል ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም ነበሩ።

“ኣብ ምስሊ ቅዱሳን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣብ እንምርኰሰላ ድንግል ማርያም ምሉእ ብምሉእ ክንውከል ከሎና እውን ከይተረፈ እቲ ዘሎና ትውክልቲ ምስ ክርስቶስ ዝተሓሓዝ ዋጋ ጥራይ እዩ ዘለዎ! “ቅዱሳን “ተኣምራት” ከም ዘይገብሩ የግዳስ ጸጋ ኣምላኽ ዚዓየሎም መጋበርያ እያቶም። ምእንታና ዝጽልዩ ጐይታ ኸኣ ብኣኣቶም ኣቢሉ ጸጋ ይህበና፤ ብመሰረት ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ መዝገበ ሃይማኖት “ሕብረት ቅዱሳን ቤተ ክርስቲያን እዩ፥” ማለት ቤተ ክርስቲያን “ማሕበረሰብ እቶም ዝደሓኑ ሓጥኣን እያ”፤ ቅድስና ፍረ እቲ ብክርስቶስ እተገልጸ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ድማ ኣብ ሓሳርነትና ብምፍፍቕርን ካብ ሓሳርነትና ብምድሓንን ይቕድሰና!ቢሎም ነበሩ።”

ኣብቲ ዕለት’ቲ ቅዱስነቶም ነቲ ኣስተምህሮ ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ካብ ዝተደርሳ ጸሎታት ሓንቲ ጥንታዊት ጸሎት ንሶም እውን ዘዘውትርዋ ክዛዝምዎ ደስ ከምዝብሎም ገሊጾም እታ ጸሎት ከኣ እዚኣ ትስ ዕብ ነበረት፤

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተርኽቡ ንልዕሊ 40 ዓመት መዓልታዊ ዚድገም ጸሎት ናብ ቅዱስ ዮሴፍ፥

“ኣቦ ስድራ ክቡር ቅዱስ ዮሴፍ ነቲ ዘይከኣል ክኡል ክኸውን ዝገበርካ ኣብ እዋን ጭንቀተይን ጸገማተይን ርድኣኒ ዘሐጉስ ውጽኢት ምእንቲ ክህልዎ ነቲ ዝኸብደንን ዘጨቐንን ኵነታት ኣብ ትሕቲ ዕቑባኻ ኣእትዎ ፍቑር ኣቦይ ትውክልተይ ኣባኻ እዩ ዝለመንኵኽ ከንቱ ኣይዅን ምስኢየሱስን ማርያምንከኣ ኵሉ ክትገብር ስለ እትኽእል ሰናይካ ከም ሓይልኻ ዓቢይ ምዃኑ ኣርእየኒ፡ ኣሜን!”

ጠበቃ ጽቡቅ ሞት!

ቅዱስነቶም ዕለት 9 ለካቲት 2022 ዓም ኣብ ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ሽሕ’ኳ ብዛዕባ ኣማውታ ቅዱስ ዮሴፍ ዝምልከት ጽጹይ ሓበሬታ እንተዘየለ ካብታ ዛንታኡ ደው ትብለላ ናዝሬት ከምዘይሓለፈን ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብድንግል ማርያምን እናተሓገዘ ከምዝ ዓረፈ ከም ርዱእ ተወሲዱስ ጽብቅቲ ሞት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጸሎት ክሳብ ለይቲ ሎ ሚንደግሞ ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ ዝብል ቅዱስ ዮሴፍ ጠበቃ ጽብቅቲ ሞት ኰይኑ ኣብ ጻዕረ ሞት ናይ ዝርከቡ ፍሉይ ጠበቃ ምዃኑ ገሊጾም ነበሩ።

“ንምሥጢር ሞት ብዝበለጸ መንገዲ ንክነብሮ ቅዱስ ዮሴፍ ይደግፈና። ንሓደ ክርስትያን ጽብቅቲ ሞት መግለጺ ምሕረት እግዚአብሔር ኰይና ኣብታ ፍጻሜ ሕይወትና እውን ከምዘሰንየና ተመልክት። ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ክንደግም እንከሎና ኣብ ፍጻሜ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ግዜ ሞትና ክተሰንየና ንምሕጸና። ስለዚ ነዚ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ስለ እቶም ኣብ ምስግጋር ሕይወት ኣብ ድርኩዂት ድቅድቅ ጸልማት ሞት ዝርከቡን ስለ እቶም ኣብ ሓዘን ዘለው ስድራቤታቶምን ብሓባር ንድገማ ቢሎም ነበሩ።”

ጠበቃ ኩላዊት ቤተክርስትያን!

ቅዱስነቶም ከም መዛዘሚ 12 ዙር ኣስተንትኖ ቅዱስ ዮሴፍ ዝመረጽዋ እታ ምኽንያት ኣዋጅ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ዝኾነት ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ጥብቅናን ሓለዋን ኩላዊት ቤተክርስትያን ብምዃና ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ማለት ጠበቃ ቤተክርስትያን ማለት እንታይ ማለት ኮን ይኸውን ኢሎም ሓቲቶምስ ከምዚ ዚስ ዕብ መሊሾማ ነበሩ።

“ኣብዚ ሓሳብ እዚ እውን እንተኾነ ወንጌል እዩ መኽፈቲ ቅኑዕ ትርጓሜ ክህበና ዝኽ እል፡ ከም ሓቁ እንተኾይኑ ከኣ ወንጌል ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዝዛረበሉ ፍጻሜ ‘ንሕጻንን ነዲኡን ሒዙ ተበገሰ’ እንክብል ይድምድሞ (ማቴ 1,24፡ 2,14.21) በዚኸስ ዮሴፍ ከም ቀንዲ ዕዮ ገዛ ን ኢየሱስን ንማርያምን ምክልኻል ከምዝነበረ ንግንዘብ። ንሱ ቀንዲ ሓላዊኦም እዩ፡ ከምቲ ኣብ ኣባታዊ ልቢ እትብል ሓዋርያዊት መል እኽቲ ‘ኢየሱስን ኣዲኡ ማርያምን ናይ እምነትና ዝኸበረ መዝገብ እዮም’ ኢለዮ ዝነበርኩ እዚ ክቡር መዝገብ እዚ ብቅዱስ ዮሴፍ ይሕሎ (ብኣባታዊ ልቢ 5) ኢሎም ነበሩ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
19 Mar 2022, 18:55