ቅዱስ ዮሴፍ ኣቦ: ኣላዪ ቤት: ስደተኛ: መወዳእታ ብዘይብሉ ፍቅሪ ዘፍቅር!ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ኣብታ ፓትሪስ ኮርደ ብ ኣባታዊ ልቢ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም መንነት ቅዱስ ዮሴፍ ብሰፊሑ እንክልገጽዎ ‘ሕያዋይ ኣቦ ተኣዛዚ ኣቦ ኰይኑ ምስ ሕጽይቱ ማርያምን ኢየሱስ ሕጻንን ካብ ሄሮዶስ ብዝወረዶ ኣደራዕ ዑቊባ ንክረክብ ንምድሪ ግብጺ ተሰዲዱ’ ኢሎም ነሮም፤ እዚ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ነዛ ሕይወቶም ከድሕኑ ዑቊባ ንክረኽቡ ዝስደዱ ዘለው ብ ዓቢኡ ከኣ ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ካብ ገሃነም ውግ እ ኡክራይና ዝውሕዙ ዘለው ስደተኛታት እግዚኣብሔር ከሕጽረሎም ስደት ዘስተማቀረ ቅዱስ ዮሴፍ የማልደሎም።
እዚ ዕለት እዚ ንቅዱስነቶም ፍሉይ ዕለት እዩ፤ ከመይ ናይ ሎሚ ትሽ ዓተ ዓመት ይገብር በዛ ዕለት እዚኣ 19 መጋቢት 2013 ዓም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ተቀቢሎም ብቅዳሴ ኣገልግሎቶም ጀሚሮም።
ናይ ቊሸት ሰብ/ሃገረሰብ!
ዝሓለፈ ዓመት ብዕለት 17 ሕዳር 2021 ዓም ነቲ ን12 ዙር ዝቀጸልዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብምኽንያት ምዝዛም ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዝጀመሩሉ፤
እዚ ከኣ ሕርየት ቅዱስ ዮሴፍን እቲ ዝነብሮ ዝነበረ ከባብን ኩሉ ሓይሊ እግዚኣብሔር ኣብ ትሑታት ከምዝግለጽ ሎሚ እውን እንተኾነ ሻውላት ዲና እንብሎ ቊሸት ወይውን ሃገረሰብ እግዚኣብሔር ኣባኡ ገና ከምዝሰርሕ ንክነስተው ዕል ዓዲሞም ነበሩ።
ማንም ከየስተውዓለሉ ዝጐዓዝ ሰብ!
ቅዱስነቶም ኣብታ ካል ኣይቲ ትምህርቲ ክርስቶስ ማለት ብ ዕለት 24 ሕዳር 2021 ዘቅረብዋ እውን ኣቦ እቲ መድሓኒ ኢየሱስ ኰይኑ ኣብ ዝጐዓዘሉ ዝነበረ ኣብ ጉዳይ ታሪኽ ድሕነት እውን ገና ማንም ዘየስተውዕለሉ ንሱ እውን ረኣዩለይ ስም ዑለይ ዘይነበሮ ብሱቊታ ስራሑ ይሰርሕ ከምዝነበረ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ፤
ጻድቅ ሰብ/ቅኑዕ-ፍትሓዊ ሰብ!
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ነቲ ማቴዎስ ወንጌላዊ ‘ጻድቅ ነበረ’ ዝብላ መበገሲ ብምግባር ብሓቂ ቅኑዕን ፍትሓውን ሰብ ከምዝነበረ ከምዚ ክብሉ ገልጽዎ።
ናይ ሱቊታ ሰብ!
ኣብ ክፍላ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ከኣ ሱቊታ ዮሴፍ እዚ ግን ዓባሳት ምዃን ዘይኮነ ብዙሕ ስራሕ ዘድልዮ ሱቊታ ማለት ጽን ቢልካ ምስማዕ ዝመለልዪኡን ንኩሉ ኣብ ውሽጥኻ ሒዝካ ምስራሕን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ።
ስደተኛን ተባዕን ሰብ!
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ዝገልጽዋ እዛ ሎሚ ንብዙሓት ተሳቂ ዘላ ስደት ንቅዱስ ዮሴፍ እውን ከምዝገጠመት እንተኾነ ብትብዓት ከምዝሰገራ ኣመልኪቶም ዝሃብዋ ትምህርቲ ነበረት፤
እታ ናዝራዊት ስድራ ቤት ውርደት ዘጋጠማን ካብ ሃገርካ ምውጻእ ዘስዕቦ ስግኣትን ፍርሕን ስቓይን ምክርትን እውን እያ። ሎሚ እውን ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተመሳሳሊ ዘይፍትሓውንትን መከራን ኪወርዶምን ኪስደዱ ይግደዱ ኣለዉ። ጠንቂ እዚ ነገር እዚ ዳርጋ ኵሉ ሳዕ ትዕቢትን ዓመጻን እቶም ሓያላት እዩ። ንኢየሱስ ዘጋጠሞ ኵነት እዩ።
ዛዕባ እቶም ግዳያት ውግእ ዝኾኑ ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ክስደዱ ዘይክእሉ ብዝሓት ሰባት ከም ዘለዉ ንዘክር። ብዙሓት ናጻ ናይ ምዃን መገዲ ዝጀመሩን ብዙሓት ከኣ ኣብ ጉዕዞ ስደት ብእግርን ብባሕርን ዝጠፍኡ ንሕሰብ። ኢየሱስ ኣብ ሕቕፎ ማርያምን ዮሴፍን ኰይኑ ክስደድ እንከሎ ነስተውዕል። እዚ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ናይ ብዙሓት ጒዕዞ እዩ። ኣብ ቅድሚ እዚ ኵነት እዚ ርኢና ከም ዘይረኣና ክክንሓልፍ ዘይከኣል እዩ። ርኢኻ ከም ዘይረኣኻ ምዃን እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአይ ዘሎ ማሕበራዊ ግብረ ብልሽውና እዩ! ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ሎሚ ስደተኛ ንስደተኛ ኢየሱስ ንርኤ ኢሎም ነበሩ።
ኣቦ ኢየሱስ!
ቅዱስነቶም ብዕለት 5 ጥሪ 2022 ዓም ኣብ ዘስተምሃርዎ ኣቦነት ዓቢ ሓላፍነት ዘሸክም ዕዮ ገዛ ምዃኑ ብምጥቃስ ምውላድ ጥራይ እኹል ከምዘይኮነ ከምዚ ክብሉ መሃሩ፣
ጸራብ ዕንጸይቲ!
ቅዱስነቶም ዕለት 12 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ንቅዱስ ዮሴፍ እተወፍየ ሻብዓይ መደብ፥ ቅዱስ ዮሴፍ ዝመሓደርሉ ዝነበረ ስርሑን ሞያኡን ዕዮ ጽርበት ምንባሩን ኣብቲ ዘመን እቲ ኣብ ሃገረ ፍልስጥኤም ኣባይቲ ንምሕናጽ ዕንጨይቲ ምድላው እውን ዘጠቓልል ዕዮ ከምዝነበረን እዚ ኸኣ ዕዮ ጽርበት ክሳብ ክንደይ ኣድካምን ብርቱዕን ምዃኑ እዩ። ብዙሕ ኣታዊ ዘይርከቦን ብህዝቢ ናዝሬት እውን ክብሪ ይወሃቦ ከም ዘይነበረን ኢየሱስ ወዲ እቲ ጸራቢ ዝብል ኣብቲ እዋን ናይ ትሑታት ክፍሊ ሕብረተሰብ መግለጺ ዝነበረን ትሑት ማሕበራዊ ደረጃ መግለጺ እዩ ዝነበረ፣ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪሰብኽን ኪምህርን ምዝ ጀመረን ልክዕ ከም ሓደ ናይ ሕጊ ሊቅ ኮይኑ ክምህር ዝሰምዑ ዝነበሩ እቶም ኣብቲ ምኵራብ ተኣኪቦም ዝነበሩን ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኰሎም ይግረሙን ጥራሕ ዘይኰንስ “እዚ ጥበብን ተኣምራን እዚ ካበይ ረኸቦ” (ማቴ 13.54)እንክብሉ ይሓቱ፥ መሕትቲኦም ከኣ ወዲ ጸራባይ ስለ ዝነበረ እዩ። እንተኾነ ሥራሕ ክብረት እዩ፤ ብዛዕባ ናይ ዮሴፍን ኢየሱስን ክትሓስብ እንኮለኻ ብዛዕባ ኵሎም ሰራሕተይናታት ዓለም ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቶም ኣብ መዐደኒታት ኣብ ገሊኡ ፋብሪካታት ኣድካሚ ዕዮ ዝዓዩን ዝምዝመዙን ብጸሊም ዝሰርሑን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታ ናይ ሞትን ማህሰይትን ሓደጋ ዘጋጥሞምን ግዳያት ሸቕሊ ነቶም ብዘይ ዕድመኦም ኣክንዲ ናብ ትምህርቲ ንኽሰርሑ ዚግደዱ ቈልዑን ኣብ ፈቐዶ መእከቢ ጓሓፍ ገለ ነገር ዝልወጥን ዝሽየጥን እንተረኽብና ቢሎም ኣብ ፈቖዶ ኵምሮ ጓሕፍ ክፍትሹ ዝውዕሉን ንኽትሓስብ ይድርኽ ቢሎም ነበሩ።
ለውሃት ዝመለለዪኡ ኣቦ!
ቅዱስነቶም ዕለት 19 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ልክዕ ከምቲ ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 15 ዝግለጽ መሓርነቱ፥ ብሓጢኣትና ዘይስምብድ ወትሩ ቀረባናን ዘፍቅረናን ምዃኑ ከም ዘጒልሑን ብዛዕባ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዘለዉ ሰባት ዘኪሮም፥ እቶም ጌጋ ዝፈጸሙ ሰባት ጌጋኦም ኪኸፍሉ ግብእ እኳ እንተዀነ ካብ ጌጋታቶም ኪብጀዉ ምግባር እውን ፍትሓዊ ምዃኑ ምስ ኣብርሁ ለውሃት ቅዱስ ዮሴፍ እውን ምስዚ ከምዝመሳሰል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ።
ሓላሚ ኣቦ!
ቅዱስነቶም ብዕለት 26 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ቅዱስ ዮሴፍ ሓላምን ንድምጺ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘለለዮን እቲ ዝተቐበሎ ድምጺ ኣምላኽ ኣብ ተግባር ከም ዘውዓሎን ብምምልካት ኣብነት ናይቲ ንኢየሱስ ዘዕበዮ ኣቦ ንድምጺ ኣምላኽ ንኸነተውዕል ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነበሩ።
ሱታፌ ቅዱሳን!
ቅዱስነቶም ብዕለት 2 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ “ሕብረት ቅዱሳን ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቤተ ክርስቲያን ንሓድሕዱ ኣብ ክርስቶስ ዘተሓባብር እዩ፤ እዚ ሕብረት ቅዱሳን እዚ ከኣ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ፤ ገሊኡ ዓይነት ተወፋይነት ካብ ክርስቲያናዊ ኣተሓሳስባ ንላዕሊ ካብ ኣረማዊ ኣተሓሳስባ ዝመንጨው እውን ኣሎ፤ እቲ ፍልልይ ግና ክርስቲያን ኣብ ሰብ ወይ ኣብ ምስሊ ዘይኮነስ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ስለ ዝውከል ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ኣብሪሆም ነበሩ።
ኣብቲ ዕለት’ቲ ቅዱስነቶም ነቲ ኣስተምህሮ ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ካብ ዝተደርሳ ጸሎታት ሓንቲ ጥንታዊት ጸሎት ንሶም እውን ዘዘውትርዋ ክዛዝምዎ ደስ ከምዝብሎም ገሊጾም እታ ጸሎት ከኣ እዚኣ ትስ ዕብ ነበረት፤
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተርኽቡ ንልዕሊ 40 ዓመት መዓልታዊ ዚድገም ጸሎት ናብ ቅዱስ ዮሴፍ፥
ጠበቃ ጽቡቅ ሞት!
ቅዱስነቶም ዕለት 9 ለካቲት 2022 ዓም ኣብ ዘቅረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ሽሕ’ኳ ብዛዕባ ኣማውታ ቅዱስ ዮሴፍ ዝምልከት ጽጹይ ሓበሬታ እንተዘየለ ካብታ ዛንታኡ ደው ትብለላ ናዝሬት ከምዘይሓለፈን ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብድንግል ማርያምን እናተሓገዘ ከምዝ ዓረፈ ከም ርዱእ ተወሲዱስ ጽብቅቲ ሞት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጸሎት ክሳብ ለይቲ ሎ ሚንደግሞ ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ ዝብል ቅዱስ ዮሴፍ ጠበቃ ጽብቅቲ ሞት ኰይኑ ኣብ ጻዕረ ሞት ናይ ዝርከቡ ፍሉይ ጠበቃ ምዃኑ ገሊጾም ነበሩ።
ጠበቃ ኩላዊት ቤተክርስትያን!
ቅዱስነቶም ከም መዛዘሚ 12 ዙር ኣስተንትኖ ቅዱስ ዮሴፍ ዝመረጽዋ እታ ምኽንያት ኣዋጅ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ዝኾነት ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ጥብቅናን ሓለዋን ኩላዊት ቤተክርስትያን ብምዃና ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ማለት ጠበቃ ቤተክርስትያን ማለት እንታይ ማለት ኮን ይኸውን ኢሎም ሓቲቶምስ ከምዚ ዚስ ዕብ መሊሾማ ነበሩ።