ብዝሒ ጸዋዕታ እናኣንቆልቆለ ብምኻዱ ምእመናን ከገልግሉ ነሰናድዎም! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ካብ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ናብራ ብሕትውና ኣብ ውሽጢ ገዳሞም ከዘውትሩ ብዝህንጠዩ ኣባላት ብ1912 ዓም ዝቆመ ክፍሊ መበል 56 ብካፒቶል ዝፍለጥ ጠቅላሊ ጉባኤ ‘ብሓባር ንጐዓዝ~ ኣነ ሕይወት ምእንቲ ክህልዎም እየ መጺኤ` ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ፍጻሜ ጉባኤኦም ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ክፍሊ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ነቲ ቅድሚ ግዜ ዝተጀመረ ፍሉይ ውህበት ብሕትውና ንምሕዳሱን ዳግም ንምብርባሩን ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ከም ቅዱስ ዮሴፍ ዝሓሊ ልቢ ወንኑ!
ቅዱስነቶም ንኣጋይሾም ኣብ ኣደራሽ ክለመንቲና ናይ ከተማ ቫቲካን ተቀቢሎም ሰላምታ ምስ ኣቅረቡሎም እታ ብሓንሳብ ንጐዓዝ ትብል መሪሕ ሓሳብ ጉባኤኦም ምስዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሲኖዶስ ከምትተኣሳሰር ብምምልካት ብሓቂ ብሓንሳብ ኪጐዓዙ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ብምግላጽ ኣብነት ክኾኖም ዝኽእል ናይታ ማሕበሮም ጠበቃ ክኸውን ብመሥራቲኦም ዝተመርጸ ቅዱስ ዮሴፍ ብምዃኑ ካብኡ ክመሃርዎ ዘለዎም ብዙሕ እኳ እንተሎ ንዕለቱ ክልተ ጠባያት ክጠቅሰልኩም ኢሎም።
ኣቦታት ንምዃን ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ኣቦታት ንምዃን ግን ንስኹም ንባዕልኹም እውን ደቂ ምዃንኩም ብምርዳእ መንፈስ ውሉድነት ክስመዓኩም ኣለዎ መልት ደቂ ሰማያዊ ኣቦ ምዃንኩም ደቂ እቲ ወትሩ ዘፍቅረናን ከይሓተትናዮ እንታይ ከምዘድልየና ዝፈልጥን ሰማያዊ ኣቦ ምዃንኩም ምፍላጥ የድሊ። ስለዚ ናብቲ ሓሳባት ልብና ዝፈልጥ ሰማያዊ ኣቦና ክንክተሎ ዝግበኣና መንገዲ ከርእየናን ንለምኖ ኢሎም።
ምትእምማን ትብዓት ምህዞ!
ቅዱስነቶም ብምቅጻል ነታ ካልአይቲ ጉዳይ ዝበልዎ ንገዳማውያን ትምልከት ኰይኑ ዝኾነ ገዳማዊ ከም ቅዱስ ዮሴፍ `መሃዚ ዝኾነ ትብዓት` ክወርስ ኣለዎ። ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ነቅ ዘይብል መንደቅ ፈተነታት ኣብ ቅድሚኡ ምስ ተገተረ ወትሩ ብእግዚአብሔር ክተኣማመን ዝኸኣለን ንኩሉ ናባኡ ዘወፈየን ሰብ ነበረ።
ንምንቊንቁል ብዝሒ ጸዋዕቲ እንታይ ንግበር!
ቅዱስነቶም ንህልው ኩነታት ዓለምና ምናዳ ኸኣ ጸዋዕታ ክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን እናንኣንቆልቆለ ምኻዱ ኣብ መባእታ መደረኦም ዋና ሓላፊ ማሕበር ኣባ ሚጐል ሚሮ ከም ስክፍታ ዝገለጽዎ ማለት ኣብ ማሕበሮም ዚኣትው ናኣሽቱ ዳርጋ የብልናን ክብሉ ዘስተማሰልዎ ኣብ ግምት ብምእታ እዚ ጸገም እዚ ናይ መላእ ቤተክርስትያን ግዝያዊ ጸገም ከምዝኾነ ብምግላጽ ምኽንያታቱ ብዙሕ እኳ እንተኾነ ሓንቲ ክልና ክንሓታ ክንሓታ ዘሎና ሕቶ ኣላ ኢሎም።
ቅዱስነቶም እዚ ሳህሮ እዚ ባህርያዊ እኳ እንተኾነ ኣብ ጐይታ ዝተኣማመን ግን እምንቶኡ ኣብ ጐይታ ገቢሩ ክሰናዶ ኣለዎ ኢሎም።
ጐይታ ወትሩ ምሳና እዩ ዚጐዓዝ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ነቲ ጐይታ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም ኣሎኹ ከሰንየኩም እየ ኣጆኹም እንክብል ዝሃበና ተስፋ ብምዝኽኻር ብቃል ጐይታ ብምትእምማን ተልእኮኦም ኣብ ቤተክርስትያንን ዓለምናን ንክፍጽሙ ንክቅድሚት ክግስግሱ ኣተባቢዖም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።