ድለ

2022.03.17 Partecipanti al Capitolo Generale dell'Ordine degli Agostiniani Recolletti 2022.03.17 Partecipanti al Capitolo Generale dell'Ordine degli Agostiniani Recolletti 

ብዝሒ ጸዋዕታ እናኣንቆልቆለ ብምኻዱ ምእመናን ከገልግሉ ነሰናድዎም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ንኣባላት ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ከም ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ እግዚአብሔር ተኣማመኑ፣ ናይ ኣቦ ልቢ ይሃሉኹም፣ ምህዞ ዝተሓወሶ ትብዓት ይሃሉኹም` እንክብሉ ኣተባቢዖም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ከአምዝሰናበትዎም ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ካብ ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ናብራ ብሕትውና ኣብ ውሽጢ ገዳሞም ከዘውትሩ ብዝህንጠዩ ኣባላት ብ1912 ዓም ዝቆመ ክፍሊ መበል 56 ብካፒቶል ዝፍለጥ ጠቅላሊ ጉባኤ ‘ብሓባር ንጐዓዝ~ ኣነ ሕይወት ምእንቲ ክህልዎም እየ መጺኤ` ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ድሕሪ ምክያድ ኣብ ፍጻሜ ጉባኤኦም ምስ ር.ሊ.ጳ ተራኺቦም። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ክፍሊ ማሕበር ኣጎስጢኖሳውያን ነቲ ቅድሚ ግዜ ዝተጀመረ ፍሉይ ውህበት ብሕትውና ንምሕዳሱን ዳግም ንምብርባሩን ምዃኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ከም ቅዱስ ዮሴፍ ዝሓሊ ልቢ ወንኑ!

ቅዱስነቶም ንኣጋይሾም ኣብ ኣደራሽ ክለመንቲና ናይ ከተማ ቫቲካን ተቀቢሎም ሰላምታ ምስ ኣቅረቡሎም እታ ብሓንሳብ ንጐዓዝ ትብል መሪሕ ሓሳብ ጉባኤኦም ምስዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሲኖዶስ ከምትተኣሳሰር ብምምልካት ብሓቂ ብሓንሳብ ኪጐዓዙ ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ብምግላጽ ኣብነት ክኾኖም ዝኽእል ናይታ ማሕበሮም ጠበቃ ክኸውን ብመሥራቲኦም ዝተመርጸ ቅዱስ ዮሴፍ ብምዃኑ ካብኡ ክመሃርዎ ዘለዎም ብዙሕ እኳ እንተሎ ንዕለቱ ክልተ ጠባያት ክጠቅሰልኩም ኢሎም።

“ብቀዳምነት ከዘኻኽሮ ዝደሊ ንዓኹም ጥራይ ዘይኮነ ዝኾነ ሕይወቱ ንኣምላኽ ዘወፈየ ገዳማውስ ንኣገልግሎት ዝተጸውዔ ዝኾነ ካህን ከም ቅዱስ ዮሴፍ ልቢ ናይ ኣቦ ክህልዎ እምነ! እዚ ማለት ከኣ ንደቁ ከፍቅርን ክሓልን ወትሩ ዕረፍቲ ዘይብሉ ልቢ! ንደቁ ክብል እንከሎኹ ነቶም ከም ደቁ ከፍቅሮምን ክኩስኩሶምን ሓደራ ዝተዋህብዎ ካብ ምፍቃርን ምሕላይን ዕረፍቲ ዘይብሉ ልቢ፣ ምናዳ ከኣ እቶም ናይ ኣቦ ፍቅርን ሓልዮትን ክረኽቡ ዕድል ናይ ዘይረኽቡ ክሳብ ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሖም ክሳብ ምሳኡ ዘራኽቦም ፈጺሙ ዘየዕርፍ ልቢ ማለት እዩ ኢሎም።”

ኣቦታት ንምዃን ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ኣቦታት ንምዃን ግን ንስኹም ንባዕልኹም እውን ደቂ ምዃንኩም ብምርዳእ መንፈስ ውሉድነት ክስመዓኩም ኣለዎ መልት ደቂ ሰማያዊ ኣቦ ምዃንኩም ደቂ እቲ ወትሩ ዘፍቅረናን ከይሓተትናዮ እንታይ ከምዘድልየና ዝፈልጥን ሰማያዊ ኣቦ ምዃንኩም ምፍላጥ የድሊ። ስለዚ ናብቲ ሓሳባት ልብና ዝፈልጥ ሰማያዊ ኣቦና ክንክተሎ ዝግበኣና መንገዲ ከርእየናን ንለምኖ ኢሎም።

ምትእምማን ትብዓት ምህዞ!

ቅዱስነቶም ብምቅጻል ነታ ካልአይቲ ጉዳይ ዝበልዎ ንገዳማውያን ትምልከት ኰይኑ ዝኾነ ገዳማዊ ከም ቅዱስ ዮሴፍ `መሃዚ ዝኾነ ትብዓት` ክወርስ ኣለዎ። ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ ነቅ ዘይብል መንደቅ ፈተነታት ኣብ ቅድሚኡ ምስ ተገተረ ወትሩ ብእግዚአብሔር ክተኣማመን ዝኸኣለን ንኩሉ ናባኡ ዘወፈየን ሰብ ነበረ።

“እግዚአብሔር ከኣ ብግዲኡ ብቅዱስ ዮሴፍ ተኣማሚኑ ነቲ ንሱ ዝህቦ ከቢድ ተልእኮ ኣብ ፍጻሜ ንከብጽሕ ከኣ ዘድሊ ጸጋ ዓደሎ። ሎሚ ኣብዛ ንወፈያ ሕይወትና እነሐድሰላ ግዜኸስ ንኩሉ ዘሎና ናብ መንበረታቦት ጐይታ ነቅርቦ እሞ ጐይታ ንኩሉ ናብ ሕያው መስዋዕቲ ቀይሩ ቅዱስን ንኣኡ ዝበቅዕ መስዋዕትን ንምዃን ከብቅዖ ነፍቅደሉ። ድሕሪ እዚ ወፈያ እዚ ናብ ተልእኮና ብምትእምማንን ብትብዓትን ብምህዞን ንጐዓዝ ኢሎም።”

ንምንቊንቁል ብዝሒ ጸዋዕቲ እንታይ ንግበር!

ቅዱስነቶም ንህልው ኩነታት ዓለምና ምናዳ ኸኣ ጸዋዕታ ክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን እናንኣንቆልቆለ ምኻዱ ኣብ መባእታ መደረኦም ዋና ሓላፊ ማሕበር ኣባ ሚጐል ሚሮ ከም ስክፍታ ዝገለጽዎ ማለት ኣብ ማሕበሮም ዚኣትው ናኣሽቱ ዳርጋ የብልናን ክብሉ ዘስተማሰልዎ ኣብ ግምት ብምእታ እዚ ጸገም እዚ ናይ መላእ ቤተክርስትያን ግዝያዊ ጸገም ከምዝኾነ ብምግላጽ ምኽንያታቱ ብዙሕ እኳ እንተኾነ ሓንቲ ክልና ክንሓታ ክንሓታ ዘሎና ሕቶ ኣላ ኢሎም።

“ሕጂ ንዘሎኩም ዕድመ ኣብ ግምት ኣእቲኹም ንመጻኢ እሞ ጠምቱ ካብተን ዘለዋኹም ኣርባዕተ ዓበይቲ ገዛውቲ ምናልባት ክልተ ዶኾን ይቅጽላ! ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምሕታት ኣይትፍርሁ። ምናልባት ኣብ ልብኹም ባሕታውያን መነኮሳን ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ኣብ ዝሰኣኑሉ ዕለት እኹል ጸዋዕታ ክህነት ኣብ ዝተሳእነሉ ዕለት ዝብል ሳህሮ ኣብቲ ዕለት እቲ ንምእመናን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ቤተክርስትያን ቀጸልቲ ክኾኑ ኣሰንዲናዮምዶ ዝብል ሕቶ እውን ወስኹሉ። ንማሕበርኩም ብዝምልከት ከኣ ንስኻኸ ነዚ መንፈሳውንት እዚ ዝቅጽል ሕይወቱ ንእግዚአብሔር ዘወፊ ኣሰናዲካዶ ቢለ እሓተኩም።”

ቅዱስነቶም እዚ ሳህሮ እዚ ባህርያዊ እኳ እንተኾነ ኣብ ጐይታ ዝተኣማመን ግን እምንቶኡ ኣብ ጐይታ ገቢሩ ክሰናዶ ኣለዎ ኢሎም።

“ንክስዕብ ዝኽእል ኩሉ እንተታት ስንድዋት ንኹን፣ ንዝተዓደለና ጸጋን ጸዋዕታን ነቶም ንቅድሚት ከሰጒምዎ ዝኽእሉ ነወፍዮ። እንተደኣ ነቲ ውህበት ኣባና ዓጺና ደው ኣቢልናዮ ግን ኣይንተዓሻሾ ዝስዕብ የለን። ልዕሊ ኩሉ እግዚአብሔር ጸዋዕታ ከብዝሕ ንጸሊ እንተኾነ ነቲ ትዕድልትና እውን ምሳና ኪተሓባበር ንዝኽእል ነካፍሎ።”

ጐይታ ወትሩ ምሳና እዩ ዚጐዓዝ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ነቲ ጐይታ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም ኣሎኹ ከሰንየኩም እየ ኣጆኹም እንክብል ዝሃበና ተስፋ ብምዝኽኻር ብቃል ጐይታ ብምትእምማን ተልእኮኦም ኣብ ቤተክርስትያንን ዓለምናን ንክፍጽሙ ንክቅድሚት ክግስግሱ ኣተባቢዖም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 Mar 2022, 17:45