ድለ

ሱባኤ ዓቢይ ጾም፡ ፍራንቸስኮ፥ ንናይ ቤተ ክርስያንን ሰብኣዊ ፍጥረትን መሰረታዊ ድላይ ንጸሊ! ሱባኤ ዓቢይ ጾም፡ ፍራንቸስኮ፥ ንናይ ቤተ ክርስያንን ሰብኣዊ ፍጥረትን መሰረታዊ ድላይ ንጸሊ! 

ሱባኤ ዓቢይ ጾም፡ ፍራንቸስኮ፥ ንናይ ቤተ ክርስያንን ሰብኣዊ ፍጥረትን መሰረታዊ ድላይ ንጸሊ!

ኣብዚ እነካይዶ ሱባኤ እዚ ንናይ ቤተ ክርስቲያንን መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት መሰረታዊ ድላይ ክንጽሊ ኢና፡ ንስኻትኵም እውን ምእንታና ጸልዩ”

ዕለት 6 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንዝሓበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ፥ ብሓባር ምስ መላእ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ኣባላት ካብ ዕለት 6 መጋቢት ክሳብ ዕለት 11 መጋቢት ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዘካይድዎ መንፈሳዊ ሱባኤ ብጸሎቶም ከሰንዩ ከም ዝሓተቱን ብምኽንያት ኮቪድ - 19 እቲ ናይ ለምዘበን ሱባኤ ዓቢይ ጾም ከምቲ ልሙድ ኣብ ከተማ ኣሪቻ ብሓባር ዘካይድዎ ምዃኑ ተሪፉ ኵሎም ብብሕታዊ መገዲ ዝፍጽምዎ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

“ዕለት 6 መጋቢት ድሕሪ ቐትሪ  ምስ ናይ ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣመሓደርቲ መንፈሳዊ ሱባኤ ክንጅምር ኢና፥ ኣብዚ እነካይዶ ሱባኤ እዚ ንናይ ቤተ ክርስቲያንን መላእ ሰብኣዊ ስድራ ቤት መሰረታዊ ድላይ ክንጽሊ ኢና፡ ንስኻትኵም እውን ምእንታና ጸልዩ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንምእመናን ሓቲቶም፥ ኣብቲ ካብ ዕለት 6 መጋቢት ድሕሪ ቐትሪ ክሳብ ዕለት 11 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ዝቕጽል መንፈሳዊ ሱባኤ ከሰንዩ ሓደራ ከም ዝበሉን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ኣብ ሱባኤ ስለ ዝኾኑ ረቡዕ ዕለት 9 መጋቢት ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዘይፍጽሙ ሓቢሩ።

እቲ ካብ ዝኽሰት ካልኣይ ዓመቱ ዝሕዝ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ምኽንያት እውን እቲ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ከምቲ ልሙዱ ኣብ ከተማ ኣሪቻ ዝካየድ ምዃኑ ተሪፉ ብናይ ሓባር መንፈስ ግን ብብሕታዊ ኣገባብ ዝካየድ ምዃኑ ቅድም ክብል ዕለት 20 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ካብ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዝተወሃበ መግለጺ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረ ይዝከር።

07 Mar 2022, 17:12