ዓለምና ሳዕቤን ዘስካሕክሑ ውግኣት ዝሓለፈ ዘመን ዝተሰቆሮ ኣይመስልን! ር.ሊ.ጳ ውግእ ኡክራይና ብዝም
ዜና ቫቲካን!
እዚ ብኣኒማ ፐር ኢል ሶሻለ ነይ ቫሎሪ ዲ ኢምፕረዛ ብዝብል ስም ዝቆመ ማሕበር ብዙሓት ኣውፈርቲ ማልን ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላትን ኢንዱስትሪታትን ሮማን ላስዮን ዝሓቈፈ ኰይኑ ኣብ ማህበረሰብና ሞራላውን ሕብረተሰባውን ክብርታት ንክድንፍዕ ዝነጥፍ ብ2001 ዝቆመ ማሕበር እዩ። ኣባላት ናይዚ ማሕበር ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዝተራኸቡሉ ግዜ ድሕሪ ሰላምታን ምስጋናን ብቀጥታ ዝተዛረቡሉ ህልው ኩነታት ኡክራይና ኰይኑ ቅዱስነቶም ንኩሉ ውግኣትን ውግእ ኡክራይናን ኣመልኪቶም ወዲሰብ ካብ ታሪኽ እንተዝመሃርሲ ክንደይ ሠናይ ምኾነ ገሊኡ ጌጋታት እውን ኣይምደገምዎን ብዘስምዕ ቃና ከምዚ በልዎም።
ንኣገልግሎት ሕይወትን ፍጥረትን!
ቅዱስነቶም ናብ ቀንዲ ዕዮ ገዛ ናይቲ ማሕበር ምልስ ኢሎም ንሶም ንባዕሎም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝተቀበሉላ ዕለት ጀሚሮም ብዛዕባ ፖሎቲካን ቊጠባን ንጹር መሪሕ ከምዘለዎም እዚ ከኣ ቀንዲ እጃም ሥራሕ ፖሎቲካን ቊጠባን ንሕይወት ከገልግሉ ሕይወት ብሕይወቱ ከኣ ሕይወት ደቂሰብን ሕይወት ኩሉ ፍጡርን እዚ ከኣ ነታ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነ ተፈጥሮ ብምልኣት ንምግልጋል እምበር ከምቲ ሓንሳእ ሓንሳእ ዘጋጥምን ዝረኤን ንኣገልግሎት ዕንወት ሕይወትን ሞትን ኣይኮነን ዝተዋደዱ፣ እቲ ዘሕዝን ግን ዘሎናዮ ኩነት ፖሎቲካን ቊጠባን ኣብ ክንዲ ንሓባራዊ ሠናይ ነገር ዝዋሳእን ዝዝትን ካብዚ ውህደትን ዘተን እዚ ኣዝዩ ዝረሓቀ ይመስል። ብዝገደደ መልክዑ ብዝገደደ መልክዑ ከኣ ነቲ ናብዚ ዘተን ምርድዳእን ክደፍኦ ዝነበሮ ኣብዘን ዝሓለፋ ቀረባ ዓመታት ማለት ብ2007-2008 ዝወረዶ ዓቢ ቊጠባዊ ቅልውላው እኳ ዝዘንገዖ ይመስል። እኳ ደኣ እዚ ቅልውላው እዚ ኣብቲ ግዜቲ ካብቲ ቅልውላው ንክውጻእ ዝተገብረ ፋሕተርተር ኣዎንታዊ እኳ እንተነበረ ብኡ ንብኡ ተረሲዑ ዓለምን ንጹር ብዘይኮነ መምርሒታት ዝምራሕ ይመስል። እንተ ብዛዕባ ጂኦፖሎቲካዊ ወተሃደራዊ ኩነታት ግን ዘይምዝራብ ምሓሸ እንክብሉ ኣብ ዘዞባኡ ዝካየድ ውግኣት ብሕልፊ ከኣ ንውግእ ኡክራይና ኣመልኪቶም ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ኢሎም። ብኩሉ ኩሉ ጥዑይ ምሕደራን ቊጠባዊ ምዕባለን ክርከብ እንተኾይኑ ካብ ሥልጣን ንዋይ ማለት ገንዘብ ሓራ ክኸውን ኣለዎ እውን ኢሎም።
ቊጠባ ወትሩ ሓዲስ ምህዞ እንከድልዮ ካብ ሥልጣን ንዋይ ሓራ ይኹን!
ቅዱስነቶም ምኽሮም ብምቅጻል ኩነት ናይቶም ኣባላት ዝውክልዎም ናኣሽቱን ማእከሎትን ኣውፈርቲ ማልን ተዀናተርትን ከም ምዃኖም መጠን ዘሎ ጸገማትን ግድል ናብራን ብቀሊሉ ስለዝርድኡ ሞራላዊ መምርሒታት ዘኽብርን ማሕበራዊ ሓላፍነት ዘሰክምን ስራሓት ክምህዙን ከማዕብሉን ከምዘለዎም ኣዘካኺሮምዎም። እዚ ግን ሓንሳእ ሓንሳእ ተስፋ ዘቊርጽ ንኩሉ ጠንጥኖ ዘብል ፈተና ከጋጥም ብዓንደ ርእሱ እቲ ሞራላው መምርሕን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ዝበሃል መምርሒ ንኩሉ ጨቊኑ ዝሕዝ ዘይበልዕ ዘየብልዕ ወይውን ዘየገላብጥ እዩ ክብሎ ይኽእል። እንተኾነ ከም ሓቁ ነዘን ነገራት እዚኤን እንክተኽብር እዩ ክብረት ዝርከቦ። ንመጻኢ ዓለምና ሕይወት ዘለዎ ክነብሮ ዝኽእልን ንክብሪ ሰብ ብቊዕን ክንገብሮ እንተደለና ቊጠባና ካብ ሥልጣን ንዋይ ሓራ ክኸውን ከማኡ እውን ንፍጥረት ኩለንትናዊ ውህደትን ምዕብልናን ንከውሕዝ መሃዚ ቊጠባ የድሊ።
ካብ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ምብጋስ!
ቅዱስነቶም እዚኦም ኣባላት ዝውክልዎም ማሕበር እንታይ ኮን ክገብሩ ይኽእሉ ንዝብል ሕቶ ባዕሎም ‘እንተኾነ ንሕና ናኣሽቱ ኣብ መንጽር ብጎልያድ ዝምሰሉ ሥልጣናት ንዋይን ምሕደራኦምን እንታይ ክንገብር ንኽእል! ኢልኩም ክትሓቱ ትኽእሉ! ኣብዚ ግን ትጋገዩ ኣሎኹ! ኣብ ከምዚ ዝበለ ርእሰ ምትሓት ክትወርዱ የብልኩምን፣ ንክብሪ ሰብን ከባብን ዝሕሉ ሃዲስ ቊጠባ ንምህናጽ ካብ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ምብጋስ ኣገዳሲ ኰይኑ ይረኣየኒ። ነዚ ብዙሓት ከምዚ ናትኩም ሞራላዊ መምርሒታት ተኣንጊቦም ንኩሉ ዝኸውን ቊጠባ ከማዕብሉ ዝተበገሱ ኣለው። ነዚ ዝኸውን ሓሳብ ምስ ኣውስተን ኢቨራይ ብምውሳእ ዝተደርሰ `ለት ኣስ ድሪም ሃየኸስ ብሓባር ኣብ ምሕላም ንመልስ` ብዝብል ኣርእስቲ ነዛ ሓዳስን እትጭበጥን ቊጠባ ብሰፊሑ ገሊጸዮ ኣሎኹ። ኣብ ዓለም ጨውን ብርሃንን ክትኮኑ እሞ መንቀሳቀሲት ነፍሲ ናይዞም ትውክልዎም ኣውፈርቲ ማልን ናኣሽቱ ኢንዱስትርን ኣገልግሎታትን ክትኮኑ እንተደሊኹም ቅድም ቀዳድም ነታ ካብ እግዚአብሔር ትዕደልዋ ነፍስኹም ተከናኸኑ ብድሕሪኡ ነዚ ተልእኮ ክትፍጽሙ ትኽእሉ። ነፍስኹም ትከናኸኑሉ ከኣ ካብ ፈተና ወትሩ ትሑዝ ኰንኳ ካብ ምንቅስቃስ ውጽእ ኢልኩም ንኣስተንትኖን ንምሕሳብን ዝኸውን ግዜ ፍልይ ኣብሉ እሞ ርግእ ኢልኩም ንኩሉ ምዘኑ በቲ ዝተዋህበኩም ብርሃን ከኣ ተንቀሳቀሱ። ከመይ ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ብእትምራሕ ሕልና እናተመርሑ ከምዚ ናትኩም ዘገልገሉ ዕብየት መኽሰብ ጥራይ ዘይኮነ ዕብየት መንባብሮ ትርጉም ሕይወትን ዕብየት ዓይነት ስራሕን ብነጻን መሃዝን ዝኾነ መንፈስ ፈጢሮም። እዚ ከኣ ቅድሚ ንካልእ ምሃብ ናቶም ስለዝነበሮም ነቲ ናቶም ብምህብታም እዩ እንክብሉ መኺሮም ኣሰናበትዎም።