ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ጀርመን መራሔ መንግስቲ ሾልዝ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 መጋቢት 2022 ዓ.ም. ብስልኪ ምስ ናይ ጀርመን መራሔ መግንስቲ ሾልዝ ተራኺቦም እቲ ኣብ ዩክረይን ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦን ናይ ህዝቢ ስቓይን ምዝብልናን ስደትን ከብቅዕ ኣብ ዝብል ርእሰ ጒዳይ ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ዕለት 16 መጋቢት ምስ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ብዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ ኣቢሎም እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ከብቅዕ መገዲ ሰላም ክልለይ ከም ዝመኸሩ ክዝከር እንከሎ፥ ዕለት 17 መጋቢት እውን እቲ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ንዩክረይን ኣብ ውጥረት ንኽትህሉ ዝገብራ ዘሎን ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ከቢድ ውግእ ዝተለወጠ ብዙሓት ንስደትን ምዝብልናን ዝዳርግ ዘሎ ግጭት ፍታሕ ክርከቦ መገዲ ሰላም ክድለ ምስ ናይ ጀርመን መራሔ መግንስቲ ኦላፍ ሾልዝ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከም እተማሕጸኑ ዝሓበሩ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቦም፡ ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ዩክረይን ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ምስ ናይ ሃይማኖታትን ናይ መግንስታት መራሕቲ ዘካይድዎ ርክብ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 16 መጋቢት ምስ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስካን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ ዘካየድዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ርክብ፥ ቋንቋ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ደኣ እምበር ፖለቲካ ኣይኮነን ቢሎም ውግእ ህዝቢ ኣምላኽ እዩ ዋጋ ዝገብር፡ ስለዚህ ወትሩ ዘይፍትሓዊ እዩ። ምእንቲ እቶም ቈልዑ ኣንስትን ምእንቲ እቶም ኵሎም ግዳያት ውግእ ልብና ብንብዓት ይምላእ፡ ውግእ ፈጺሙ መገዲ ክኸውን ኣይክእልን፡ እቲ ሓድነት ከም ዝህልወና ዚገብር መንፈስ ከም ጓሶት መጠን ነቶም ብውግእ ዚሳቐዩ ህዝብታት ቀረባ ክንክወንን ክንሕግዞምን ይሓትተና፥ ቤተ ክርስቲያን ቋንቋ ኢየሱስ እምበር ቋንቋ ፖለቲካ ኣይኮነትን እትጥቀም” ከም ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣዘኻኺሮም።