ድለ

2018.03.17-Visita-Casa-Sollievo-della-Sofferenza 2018.03.17-Visita-Casa-Sollievo-della-Sofferenza 

ብሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ንዝሳቀዩ ኣሰንዩ ንስድራቤቶም ከኣ ደግፉ! ር.ሊ.ጳ

ንሕማም መንሽሮ ንምቅላስ ዝቆመ ማሕበር ሃገረ ጣልያን ከም ማሕበር ቈይሙ ንሕሙማት መንሽሮን ንስድራቤታቶምን ብጥሙር መንገዲ ምድጋፍ ካብ ዝጅምር መበል 100 ዓመቱ ኣብ ዝዝክረሉ እዋን ወከልቱ ምስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዝተራኸቡ እንክምልከት፣ ቅዱስነቶም ንወከልቲ እቲ ማሕበር ብዘበርከትዎ ብምምስጋን ነዚ ሠናይ ተግባር እዚ ነቶም ሕሙማት ብቀረባ ብምስናይስ ይኹን ንስድራቤታቶም ብምድጋፍ ክቅጽልዎ ኣተባቢዖም።

ዜና ቫቲካን!

ንዓለምና ካብ ዘሸግሩ ብዙሕ ጒዳያት ምንም ፈውሲ ዘይርክበሎም ሕማማት ብካንሰር ወይውን መንሽሮ ዝፍለጡ ንዝተፈላለየ ኣካላት ደቂሰባት ብምጥቃዕ ካብ ደም ጀሚርካ ክሳብ ዝለዓለ ኣካላትና ብምልማስ መንሽሮ ደም መንሽሮ ዓጽሚ ወዘተ እናተባህሉ በዚ ንዝተታሕዘ ሰብ ክሳብ ዕረፍቱ ብኩሉ ኩሉ ምስናዩ ጥራይ ብምዃኑ ነቶም ዝሓመሙ ንምብጻሕን ንምጽንናዕንስ ይኹን ነቶም ዚኣልይዎም ስድራቤታቶም ምድጋፍ ናይ ግዲ ምዃኑ ዝተዓዘቡ ሓደ ሓደ ሰብ ጽቡቅ ድላይ ሃገረ ጣልያን ማሕበር ኣቊሞም ነዙይ ፍሉይ ተልእኮ ብሃገር ደረጃ እናኣካየዱ ሚእቲ ዓመት ምቊጻሮም ብሓቂ ዝነኣድ እዝግን ሰብ ዝፈትዎ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዚ ግን ምስ ግዜ ኣብ ዝግበር ጒዕዞን ኣብ ምልውዋጥ ዘመናትን ቀሊል ከምዘይነበረ እውን ኣመልኪቶም።  እዚ ሎሚ ብዝለዓለ ቅርጽታትን ኣገልግሎታትን ደሚቁ ዝረኤ ናይ ብዙሓት ዝሰልጠና ሃገራት ክንክን ሕሙማን ካብዚ ማሕበርዚ ብዙሕ ከምዝተማህረን ዝገለጹ ቅዱስነቶም፣ ምናዳ ብሕማም መንሽሮ ንዝተጠቅዑ ሕይወት ኣድሕን መድሓኒታትን ምሳኡ ዝተታሓዘ ካልእ ኣፋውስን ንኩሉ ብዝበጽሕ መንገዲ ከበርክቱ ግን ዘይከኣል ብምንባሩ እዚ ማሕበር እዚ ነዚ ንምፍዋስስ ይኹን ነቶም እዚ ኣደራዕ እዚ ዘጋጠሞም እሞ ኣብ ምክንኻንን ሓገዝን ናይ ሕሙማት መንሽሮ ኣባላት ስድራቤቶም ዝተጸምዱ ስድራቤታት እውን ፍሉይ ሓገዝን ደገፍን ከምዝደልዮም ዝተገንዘቡ ኣባላት ማሕበር ነዚኦም ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ብዙሕ ኣበርክቶ የብሎምን ተባሂሎም ብባህሊ ዘመንና ዝተገለሉ ሽማግለታት ጥራይ ዘይኮነ ሽማግለታትን ዝሓመሙን እውን ዝረድእ ማሕበር ብምዃኑ ብምምስጋን ገና ብሕጂ እውን ዝጽበዮም ግድል ከምዘሎዎም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻከርዎም።

“ነዚ ዘክሩ! ነፍስወከፍ ንሓለዋ ጥዕናን ፍወሳን መሰል ኣለዎ ዝብል ወትሩ ቀዳምነት ሃብዎ። በዚ ከኣ እቲ ዝደኸመ ክፍሊ ሕብረተሰብና ምናዳ ሽማግለታትን ዝተደነሱን እዚ ኣገልግሎት እዚ ፈጺሙ ክንጸጎም የብሉን። ብሕይወት ምንባር እምበር ሞት ኣይኮነን መሰል። ስለዚ ሕይወት ሃጐፋይ ቢልና ተቀቢልና ክንነብሮ እምበር ክነመሓድሮ ኣይኮነን ዝተዋህበና። እዚ ሞራላዊ ዕላማ እዚ ከኣ ንክርስትያንን ኣመንትን ጥራይ ዘይኮነ ንኩሎም ዘመደ ኣዳም ዝምልከት እዩ ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ናይ ምትብባዕ ቃላቶም ብምቅጻል ኣብ ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ተቊዋማትን ብምትኳር ነቲ መንግስቲ ከም መንግስቲ ንሕዝቡ ከወፍዮ ዘለዎ ኣገልግሎት ከይዝንግዑ ምናዳ ጨንፈር ሓለዋ ጥዕና ካብ ሃገር ክሳብ ዞባ ከበርክቶ ኣብ ዘለዎ ሕዝባዊ ኣገልግሎት ከም ውህበት ማሕበረሰብ ምዃኑ ከደንፍዕዎን ክድግፍዎን ከነቃሕዎም ሓደራ ኢሎም። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዓለምና ብዙሃት ሃገራት ሕዝበን ንኣገልግሎት ጥዕና ዝኽፈል ገንዘብ ዘይብሎም ድኻታት ኣለው፣ ኣብ ገሊኤን ሃገራት ከኣ ኣገልግሎት ጥዕና ዝበሃል ብሱሩ የለን ምስ በሉ እንተ እቲ ኰይኑ እንቲ እዚ ግን ዝሳቅዩ ክፍሊ ሕብረትሰብና ክብሪ ከምዘለዎ ዘይምዝንጋዕ ኢሎም።

ክብሪ ኣብ ስቃይ ዝርከቡ ሰባት!

ግርማ ክብሪ ወዲሰብ ብምንም ተኣምር ዘይገሃስ ንኩሉ ዝወሃብ መሰል ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ‘እቶም ብስቃይ ዝማስኑ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ብዘይምንም ሌላን ጉሌላን ምሉእ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዘለዎም እዮም` እንክብሉ ነቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብታ ሳልፊቺ ዶሎሪስ በቲ መድሓኒ ዝኾነ ሕማማቱ እትብል ብ11 ለካቲት 1984 ነዚ ኣመልኪቶም ዝጸሓፍዋ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ዝበልዎ ከምዚ ክብሉ ዘኪሮም።

“ሓደ ሰብ ካባና ኣብ ስቃይ ክርስቶስ ተሳታፊ ዝኾነሉ ምኽንያት ክርስቶስ ሕማማቱ ንሰባት ከፊቱ ክንብል ንኽእል ምኽንያቱ ክርስቶስ ባዕሉ ተሳታፊ ሰብኣዊ ስቃይ ኰይኑ እዩ። ወዲሰብ ከኣ ብመንገዲ እምነት ሕማማት ክርስቶስ ንድሕነቱ ምዃኑ ክርዳእ ክኢሉ፣ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ንስቃያት ክርስቶስ ኣብ ስቃያቱ ብእምነት ክግንዘቦምን ብሓዲስ ትሕዝቶን ትርጉምን ከሀብትሞም ይኽእል ኢሎም።”

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ንኣባላት እቲ ማሕበር ዳግም ብምትብባዕ ብሕማም መንሽሮ ናይ ዝሳቀዩ ጠበቃ ዝኾነ ቅዱስ ለዮፖልድ ማንዲች ንመንግሥተ ሰማይ ከሰንዮም ብምጽላይ ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ክጸንዑ ሓደራ ብማለት ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 Mar 2022, 13:38