ብሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ንዝሳቀዩ ኣሰንዩ ንስድራቤቶም ከኣ ደግፉ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ንዓለምና ካብ ዘሸግሩ ብዙሕ ጒዳያት ምንም ፈውሲ ዘይርክበሎም ሕማማት ብካንሰር ወይውን መንሽሮ ዝፍለጡ ንዝተፈላለየ ኣካላት ደቂሰባት ብምጥቃዕ ካብ ደም ጀሚርካ ክሳብ ዝለዓለ ኣካላትና ብምልማስ መንሽሮ ደም መንሽሮ ዓጽሚ ወዘተ እናተባህሉ በዚ ንዝተታሕዘ ሰብ ክሳብ ዕረፍቱ ብኩሉ ኩሉ ምስናዩ ጥራይ ብምዃኑ ነቶም ዝሓመሙ ንምብጻሕን ንምጽንናዕንስ ይኹን ነቶም ዚኣልይዎም ስድራቤታቶም ምድጋፍ ናይ ግዲ ምዃኑ ዝተዓዘቡ ሓደ ሓደ ሰብ ጽቡቅ ድላይ ሃገረ ጣልያን ማሕበር ኣቊሞም ነዙይ ፍሉይ ተልእኮ ብሃገር ደረጃ እናኣካየዱ ሚእቲ ዓመት ምቊጻሮም ብሓቂ ዝነኣድ እዝግን ሰብ ዝፈትዎ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዚ ግን ምስ ግዜ ኣብ ዝግበር ጒዕዞን ኣብ ምልውዋጥ ዘመናትን ቀሊል ከምዘይነበረ እውን ኣመልኪቶም። እዚ ሎሚ ብዝለዓለ ቅርጽታትን ኣገልግሎታትን ደሚቁ ዝረኤ ናይ ብዙሓት ዝሰልጠና ሃገራት ክንክን ሕሙማን ካብዚ ማሕበርዚ ብዙሕ ከምዝተማህረን ዝገለጹ ቅዱስነቶም፣ ምናዳ ብሕማም መንሽሮ ንዝተጠቅዑ ሕይወት ኣድሕን መድሓኒታትን ምሳኡ ዝተታሓዘ ካልእ ኣፋውስን ንኩሉ ብዝበጽሕ መንገዲ ከበርክቱ ግን ዘይከኣል ብምንባሩ እዚ ማሕበር እዚ ነዚ ንምፍዋስስ ይኹን ነቶም እዚ ኣደራዕ እዚ ዘጋጠሞም እሞ ኣብ ምክንኻንን ሓገዝን ናይ ሕሙማት መንሽሮ ኣባላት ስድራቤቶም ዝተጸምዱ ስድራቤታት እውን ፍሉይ ሓገዝን ደገፍን ከምዝደልዮም ዝተገንዘቡ ኣባላት ማሕበር ነዚኦም ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ብዙሕ ኣበርክቶ የብሎምን ተባሂሎም ብባህሊ ዘመንና ዝተገለሉ ሽማግለታት ጥራይ ዘይኮነ ሽማግለታትን ዝሓመሙን እውን ዝረድእ ማሕበር ብምዃኑ ብምምስጋን ገና ብሕጂ እውን ዝጽበዮም ግድል ከምዘሎዎም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻከርዎም።
ቅዱስነቶም ናይ ምትብባዕ ቃላቶም ብምቅጻል ኣብ ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ተቊዋማትን ብምትኳር ነቲ መንግስቲ ከም መንግስቲ ንሕዝቡ ከወፍዮ ዘለዎ ኣገልግሎት ከይዝንግዑ ምናዳ ጨንፈር ሓለዋ ጥዕና ካብ ሃገር ክሳብ ዞባ ከበርክቶ ኣብ ዘለዎ ሕዝባዊ ኣገልግሎት ከም ውህበት ማሕበረሰብ ምዃኑ ከደንፍዕዎን ክድግፍዎን ከነቃሕዎም ሓደራ ኢሎም። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዓለምና ብዙሃት ሃገራት ሕዝበን ንኣገልግሎት ጥዕና ዝኽፈል ገንዘብ ዘይብሎም ድኻታት ኣለው፣ ኣብ ገሊኤን ሃገራት ከኣ ኣገልግሎት ጥዕና ዝበሃል ብሱሩ የለን ምስ በሉ እንተ እቲ ኰይኑ እንቲ እዚ ግን ዝሳቅዩ ክፍሊ ሕብረትሰብና ክብሪ ከምዘለዎ ዘይምዝንጋዕ ኢሎም።
ክብሪ ኣብ ስቃይ ዝርከቡ ሰባት!
ግርማ ክብሪ ወዲሰብ ብምንም ተኣምር ዘይገሃስ ንኩሉ ዝወሃብ መሰል ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም ‘እቶም ብስቃይ ዝማስኑ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ብዘይምንም ሌላን ጉሌላን ምሉእ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ዘለዎም እዮም` እንክብሉ ነቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብታ ሳልፊቺ ዶሎሪስ በቲ መድሓኒ ዝኾነ ሕማማቱ እትብል ብ11 ለካቲት 1984 ነዚ ኣመልኪቶም ዝጸሓፍዋ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ዝበልዎ ከምዚ ክብሉ ዘኪሮም።
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ንኣባላት እቲ ማሕበር ዳግም ብምትብባዕ ብሕማም መንሽሮ ናይ ዝሳቀዩ ጠበቃ ዝኾነ ቅዱስ ለዮፖልድ ማንዲች ንመንግሥተ ሰማይ ከሰንዮም ብምጽላይ ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ክጸንዑ ሓደራ ብማለት ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።