ድለ

እዚ ኣብ ሃገረ ኡክራይና ዘንጐድጒድ ዘሎ ውግእ ደው ይበል! ዘተ ሰላም ይገበር! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 6 ለካቲት 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ሃገረ ኡክራይና ዝፍጸም ዘሎ ውግእ ንዘስዕቦ ዘሎ ኣደራዕ ብምምልካት ኣብቲ ዞባ ውግእ ረዳእቲ ብቀሊሉ ኪኣትውሉን ኪወጹሉን ዝኽእሉ መንገዲ ክኽፈት ከማኡ እውን ካብቲ ዓዲ ክወጹ ዝደልዩ ብሰላም ዝወጹሉ ሰባኣዊ መተሓላለፊ ክፍቀድ ኣዘኻኺሮም፣ ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ነቶም ንስደኛታት ብምቅባል ል ዑል ፍቅሪ ሥራሕ ዘር እዩን ነቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ናይቲ ግጭት ጭካኔ ዘዘንትውልና ጋዜጠኛታትን ኣመስጊኖም። ኣብ ፍጻሜ ትምህርቶም ከኣ ቅድስት መንበር ንዘተ ሰላም እጃማ ክተበርክት ስንድውቲ ምዃና ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ኩነታት ውግእ ኡክራይና መጠን ዓለም ምሉእ ዘወገዞን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ኣመንትን ስለ ሰላም መጠን ዝጸለዩሉን እናገደደ ብምኻዱ ዝሓዘኑን ድቃስ ለይቲ ዝሰኣኑን ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ተስፋ ከይቈረጹ ስለሰላም ዘቅርብዎ ጻውዒት ብምሕዳስ ስለቲ ብዙህ ዝቈሰለ ሕዝቢ ኡክራይና ነዚ ቃል እዚ ሂቦም።

“ኣብ ኡክራይና ውሒዝ ደምን ንብዓትን ይውሕዝ ኣሎ። ወታሃደራዊ ስርሒት ዘይኮነስ ኣቡኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ውግእ እዩ ዝካየድ ዘሎ፤ ውግእ ከኣ ሞትን ዕንወትን ጥፍኣትን እዩ ዝዘርእ፤ ግዳይ ናይዚ ውግእ እልቢ የብሎምን ከማኡ እውን ካብዚ ውግ እ ዚሃድሙ እልቢ የብሎምን ምናዳ ኣደታትን ሕጻናትን፤ ኣብዛ ብውግ እ ትደሚ ዘላ ሃገር ሰብ ኣዊ ረድ ኤት ዘድልዮም ካብ ሰዓት ናብ ሰዓት እናበዝሔ ይመጽእ ኣሎ።”

ብማለት ንዘሎ ኩነታት ምስ ገለጹ ነዚ ጸገም እዚ መልሲ ምሃብ ማለት ነቶም ዝስደዱ መጽለልን ዕንጋሎን ብዝለዓለ ግን ሰላም ንክነግሥ ዘተ ምድንፋዕ ከምዘድሊ ነዚ ከኣ ዓለምሓቆፍ ማሕበረሰብ ክገብሮ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

“ምስ ሕይወቱ ዝቃለስ ሕይወቱ ከድሕን ሰብኣዊ መተሓላለፊ ብምፍጣር ውሕስነት ክርከብ ነቶም ብኩሉ ኩሉ ተኸርዲኖም ብቦምባታትን ብፍህን ተጸቂጥም ንዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ ዘድሊ ሓገዝ ከምዝበጽሖም ንክገብሩ ምሕጽንታይ አቅርብ ኢሎም።”

ዘተ ይደንፍዕ!

ቅዱስነቶም ነቶም ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ነዞም ኩሉ ዝዓረቦም ስደተኛታት ብምቅባል ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘወፍዩ ብምምስጋን ነዚ ግድል እዚ ንምፍታሕ ዘድሊ ግን ብቀንዱ ዘተ ስለዝኾነ ንዘተ ሰላም ቀዳምነት ተዋሂቡ ማሕበረሰብ ዓለምና ነዚ ንከደንፍዕ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅሪቦም።

“ንስደተኛታት ንዝቅበሉ ኩሎም አመስግን፤ እንተኾነ መጥቃዕቲ ውግ እ ኩሉ ደው ክብልን ሠናይ ድሌት ኣደንፊ ዕካ ዘተ ሰላም ክግበርን እምሕጸን፤ በዚ ከኣ ዓለምሓቆፍ ሕጊ ናብ ምኽባር ክንምለስ እጽውዕ ምስ በሉ ነቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ህልው ኩነታት ዘመሓላልፉ ጋዜጠኛታት አመስግን ኢሎም።”

ምስጋና ጋዜጠኛታት!

ኣብ ክንዲ ኩልና ኰይኖም ዓይንን እዝንን ተኸታተልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኰይኖም ንኩሉ ኩነታት ብምክትታል ሚዛናዊ ፍርዲ ንምሃብ ዝሕግዙ ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትውን ጋዜጠኛታት ብምምስጋን እውን ከምዚ ኢሎም።

[ ንጋዜጠኛታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እውን ከምስግን እደሊ፤ ከመይ ቅኑዕ ሓበሬታ ንክህልወና ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ስለዘውድቁ፤ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ እቲ እተበርክትዎ ኣገልግሎት የቀንየልና። እዚ ኣገልግሎትኩም ንስቃይ እቲ ሕዝቢ ብቀረባ ከም እንከታተሎን ንጭካኔ ውግ እ ንምምዝዛንን የኽ እለና፤ ብሓባር ስለ እታ ኣብዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ባንዴራ እታ ሃገር ሒዞም ምስ ዘለው ንግሥቲ ሃገረ ኡክራይና ንዝኾነት ድንግል ማርያም ንጸሊ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ንበል ኢሎም። ]

ቅድስት መንበር ንኣገልግሎት ሰላም ወትሩ ስንድውቲ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ጻውዒቶም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ስለ ሰላም ጻውዒት ምቅራብን ምጽላይን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይን ኣብ ኩሉ ቦታት ከም እትርከብ ኣብዚ ፍሉይ ፍጻሜ ኡክራይና እውን ክልተ ካርዲናላት ንኣኦም ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ቤተክርስትያን ወኪሎም ይሰርሑ ከምዝለው ንብድሕሪ ሕጂ እውን እንተኾነ ቅድስት መንበር ዝከኣላ ክተበርክት ስንድውቲ ምዃና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ስለ ሰላም ኡክራይና ዝተኻእላ ክተበርክት ቅድስት መንበር ስንድውቲ እያ፤ ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ንሕዝቢ ኡክራይና ንከገልግሉን ንክሕግዙን ክልተ ካርዲናላት ኣባኡ ኣለው፤ ገበዝ ር.ሊ.ጳ ካርዲናል ክራጀውስክን ግዝያዊ ሓላፊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ ቅድስት መንበር ካርዲና ችዘርኒይን ኣባኡ ይርከቡ፤ እዚኦም ክልተ ካርዲናላት ንር.ሊ.ጳ ጥራይ ወኪሎም ኣይኮኑን ኣባኡ ዝርከቡ፤ እንታይ ደኣ ንኩሎም ሕዝበ ክርስትያን ወኪሎም ‘ውግ እ ጽላለ እዩ፤ በጃኻትኩም ውግ እ ደው ኣብሉ፤ ነዚ ጭካኔ ተመልከቱ’ ንክብሉ እዮም ኣባኡ ዝርከቡ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
06 Mar 2022, 23:10