እዚ ኣብ ሃገረ ኡክራይና ዘንጐድጒድ ዘሎ ውግእ ደው ይበል! ዘተ ሰላም ይገበር! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ኩነታት ውግእ ኡክራይና መጠን ዓለም ምሉእ ዘወገዞን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ኣመንትን ስለ ሰላም መጠን ዝጸለዩሉን እናገደደ ብምኻዱ ዝሓዘኑን ድቃስ ለይቲ ዝሰኣኑን ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ተስፋ ከይቈረጹ ስለሰላም ዘቅርብዎ ጻውዒት ብምሕዳስ ስለቲ ብዙህ ዝቈሰለ ሕዝቢ ኡክራይና ነዚ ቃል እዚ ሂቦም።
ብማለት ንዘሎ ኩነታት ምስ ገለጹ ነዚ ጸገም እዚ መልሲ ምሃብ ማለት ነቶም ዝስደዱ መጽለልን ዕንጋሎን ብዝለዓለ ግን ሰላም ንክነግሥ ዘተ ምድንፋዕ ከምዘድሊ ነዚ ከኣ ዓለምሓቆፍ ማሕበረሰብ ክገብሮ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።
ዘተ ይደንፍዕ!
ቅዱስነቶም ነቶም ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ነዞም ኩሉ ዝዓረቦም ስደተኛታት ብምቅባል ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘወፍዩ ብምምስጋን ነዚ ግድል እዚ ንምፍታሕ ዘድሊ ግን ብቀንዱ ዘተ ስለዝኾነ ንዘተ ሰላም ቀዳምነት ተዋሂቡ ማሕበረሰብ ዓለምና ነዚ ንከደንፍዕ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅሪቦም።
ምስጋና ጋዜጠኛታት!
ኣብ ክንዲ ኩልና ኰይኖም ዓይንን እዝንን ተኸታተልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኰይኖም ንኩሉ ኩነታት ብምክትታል ሚዛናዊ ፍርዲ ንምሃብ ዝሕግዙ ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትውን ጋዜጠኛታት ብምምስጋን እውን ከምዚ ኢሎም።
[ ንጋዜጠኛታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እውን ከምስግን እደሊ፤ ከመይ ቅኑዕ ሓበሬታ ንክህልወና ሕይወቶም ኣብ ሓደጋ ስለዘውድቁ፤ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ እቲ እተበርክትዎ ኣገልግሎት የቀንየልና። እዚ ኣገልግሎትኩም ንስቃይ እቲ ሕዝቢ ብቀረባ ከም እንከታተሎን ንጭካኔ ውግ እ ንምምዝዛንን የኽ እለና፤ ብሓባር ስለ እታ ኣብዚ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ባንዴራ እታ ሃገር ሒዞም ምስ ዘለው ንግሥቲ ሃገረ ኡክራይና ንዝኾነት ድንግል ማርያም ንጸሊ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ንበል ኢሎም። ]
ቅድስት መንበር ንኣገልግሎት ሰላም ወትሩ ስንድውቲ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ጻውዒቶም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ስለ ሰላም ጻውዒት ምቅራብን ምጽላይን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይን ኣብ ኩሉ ቦታት ከም እትርከብ ኣብዚ ፍሉይ ፍጻሜ ኡክራይና እውን ክልተ ካርዲናላት ንኣኦም ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ቤተክርስትያን ወኪሎም ይሰርሑ ከምዝለው ንብድሕሪ ሕጂ እውን እንተኾነ ቅድስት መንበር ዝከኣላ ክተበርክት ስንድውቲ ምዃና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።