ር.ሊ.ጳ ንንግደት ሰላም ኣብ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን፣ ሓውጾተ ኖልዎ ካብ 2-7 ሓምለ
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት ቅዱስነቶም ናብ ሃገረ ማልታ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክገብሩ ምዃኖም ተገሊጹ ከምዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ ሎሚ ከኣ ኣብዚ ዓመት እዚ ካልኣይ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዝኾነ ዝተመልክተ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ሕልና ቅዱስነቶም ዝጸሐ ሃረርታ ምዃኑ እውን ተመልኪቱ። እዚ ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 7 ሓምለ 2022 ዓም ዝግበር ሓውጾተ ኖልዎ መጀመርያ ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 5 ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኮይኑ ኣብ ከተማታት ኪንሻሻን ጎማን ክበጽሑ፣ ቀጺሎም ከኣ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 7 ኣብ ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ክበጽሑ ምዃኖም ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ነዚ ዜና እዚ ዝገልጸ ናይ ቅድስት መንበር ክፍሊ ሕትመትን ዜና ኰይኑ ኣብ ርእሲ እቲ ድላይን ሃረርታን ር.ሊ.ጳ ከኣ ብመራሕቲ ፖሎቲካን ብጳጳሳት ናይተን ዓድታት ዝቀረበ ዕድመ ተወሲኽዎ ከምዝተመደበ እውን ተገሊጹ።
ሓውጾተ ኖልዎ ኣህጉር ኣፍሪቃ!
ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ብ2015 ዓም ቅዱስነቶም ቀዳማይ ሓውጾተ ኖልዎ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራት ኬንያን ኡካንዳን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ከምዝገብሩ ዝዝከር እዩ። ኣብዚት ግዜ እቲ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ቅልውላው ብምንባሩ ብዙሕ ዘዘራረበ ምንባሩን ቅዱስነቶም ግን ብእምነትን ትብዓትን ከምዝፈጸምዎን ኣጋጣሚ ነቲ ዝኣወጅዎ ኢዮቤል ዓመት ምሕረት እውን ኣብ ካተድራል ባንጊ ማዕጾ ምሕረት ብምርሓው ከምኸፈትዎ ዝዝከረ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብ2019 ዓም እንደገና ንኣህጉር ኣፍሪቃ ብምምላስ ሞዛምቢቅን ማዳጋስካርን ማውሪሸስን ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም ናይቲ ዓመት በጺሖም ነበሩ።
ዋዜማ ጸሎተሰላም ኣብ ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ ብ2017 ዓም
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኮንጎስ ይኹን ኣብ ደቡብ ሱዳን ብርቱዕ ቅልውላው ብምንባሩን ቅዱስነቶም ከኣ ወትሩ ናይዘን ዞባታት እዚኤንን ብጠቅላላ ኩነታት መላእ ኣፍሪቃን ስለዘተሓሳሰቦም ንኩሉ ኩሉ ብምጥቅላል ዕለት 23 ሕዳር 2017 ዓም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝፍጸም ዝነበረ ዓመጽን ቅልውላውን ደው ንክብል ዝተፈላለየ ጻውዒት ሰላምን ሓገዝን ኣብ ርእሲ ምቅራብ ናይ ጸሎት ዋዜማ ክግበር ከምዝወሰኑን ምሳኦም ከኣ ኣብ ብዙሕ ኲርናዓት ዓለም ዝርከቡ ደቂ ዓድን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ከምዝሓበሩ እንክዝከር ኣብቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተገብረ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ምናዳ ካብዘን ክልተ ሃገራት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ሮማ ዝርከቡ ዓለማውያንን ውሉደ ክህነትን ተሳቲፎም ነበሩ።
ቅዱስነቶም ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብዚ ክፍሊ ዓለም እዚ ሰላም ክነግስ ዝተኻእሎም ኩሉ ክገብሩ ድሕሪ ምምሕጻን `እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ጐይታ ነዞም ኣሕዋት እዚኦም ንዝፈላልዩ ዘለዎ መናድቅ ጽልኢ የፍርስ` እንክብሉ ስለ እቶም ግዳያት እቲ ውግእ ከምዝጽልዩ ምናዳ ከኣ ስለ እቶም ምንም ብዘይምልከቶም ውግእ ሕጻንነቶም ዝተሰርቀን ህይወተን ዝስእናን ሕጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝምህለሉ ገሊጾም ነበሩ።
ብቅትለት ሰብን ፈተነ ዕንወትን ዝቆሰለት ኮንጎ!
ቅዱስነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓደ መጽሔት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ነታ ብቅትለት ሰብን ፈተነ ዕንወትን ትሳቀ ዘላ ሃገረ ኮንጎ ብኣካል ክበጽሑን ከምቲ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ከተማ ባንጊ ዝገበርዎ ኣብታ ዓሌታዊ ግጭትን ራዕድን ምፍሳስ ደምን ዘየቋርጻ ምብራቃዊ ሸነኽ ከተማ ኪቩ ሰላም ክወርድ ክበጽሓን ክጽልን ምደለኹ እንክብሉ ድላዮም ገሊጾም ነበሩ።
ግጭትን ሞትን ዘይፍለያ ሃገረ ኮንጎ ዝሓለፈ ለካቲት ከይተረ ኣብ ስሜናዊ ምብራቅ 50 ሙታትን 36 ቊሱላትን ንዝገደፈ ግጭት ቅዱስነቶም ሓዘን ብዝመልኦ ቃና ኢፍትሓዊ ክውገዝ ዘለዎ ዓመጽ እንክብሉ ኰኒኖም ቅርበቶምን ጸሎቶምን ገሊጾም ነበሩ። ብዝገደደ ከኣ ዝሓለፈ ዕለት 2 ለካቲት ዕለት ሰብ ውፉይ ሕይወት ብምዝካር ቀዲሶም ኣብ ዝወጹሉ ግዜ ዝተቀትሉ ኣባ ሪቻርድ ማሲቪ ካሰረካ ዜና ምስ በጽሖም ንሕዝቢ ኮንጎ ብሕዙን ልቢ ሽሕ`ኳ ልብኻ ዝሰብር ኣደራዕ እንተወረዶም ከም ክርስትያን ሕያውነትን ሕውነትን ክሰብኩን ክምስክሩን ሓደራ ከምዝበልዎም ዝዝከር እዩ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ነዚ ምጽንናዕ እዚ ብኣካል ከይዶም ንክገብርዎ ኣብታ ናይ ሎሚ ዓመት ይገብር ብዕለት 22 ለካቲት ኣምባሳደር ሃገረ ጣልያን ምስ ብጾቱ ዝተቀትሉሉ ኪቡማ ካብ ዝበሃል ቁሩብ ኪሎሜትር ርሒቁ ኣብ ሰሜን ኪቩ ዝርከብ ከተማ ጎማ ክበጽሑ እዮም።
ኣብ ኣንግሊካዊት ቤተክርስትያን ሮማ!
ሓውጾተ ኖልዎ ደቡብ ሱዳን ዝተበገሰሉ ካብ ናይ ኮንጎ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ቅዱስነቶም ምስ ናይ ሮማ ኣንግሊካዊት ቤተክርስትያን ኩሎም ቅዱሳን ብዕለት 26 ለካቲት 2017 ኣብ ዝተራከቡሉ ስቃይ ደቡብ ሱዳን ምስ ገለጹሎምን ብሓባር ምስ ጸለዩን ምስ ቀዳማይ ሊቀጳጳሳት ኣንግሊካውያን ጃስቲን ወልቢይ ብሓባር ናብዛ ሃገር ንምብጻሕ መሳርሕተይ የጽንዕዎ ኣለው። ከመይ ካብ ደቡብ ሱዳን ኣንግሊካውያንን ካቶሊካውያንን ኣቡናትና ካህናትን ክበጽሑኒ መጺኦምስ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ክትበጽሑና እንተትመጹ ኢሎምኒ፣ እንተኾነ ክትመጹና እንከሎኹም በይንኹም ዘይኮነ ምሳኹም ጃስቲን ወልብይ እውን ክመጽእ ምደለና ኢሎምኒ፣ ካብዛ መንእሰይ ቤተክርስትያን ከምዚ ዓይነት ዕድመ ክቀርብ እንከሎ ዘተሓሳስብ እዩ። ሰላም ይደልዩ ኣለው ስለሰላም ብሃሓባር ንስራሕ እንክብሉ ገሊጾም ነበሩ። እቲ ብዘይ ምንም ወግዓዊ ሓበሬታ ዝተገልጸ ሽዑ ንሽዑ ዝኸውን ይመስል ነበረ፣ እንተኾነ እቲ ዓመጽ እናገደደ ከደ ሕንፍሽፍሽ ኮነ።
ስለ ሰላም ኣብ እግሪ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን!
ድራማ ውግእ ደቡብ ሱዳንን ሳዕቤኑን ንዓለም ምሉእ ኣተሓሳሲቡስ ኩሉ በብወገኑ ዘተን ዋዕላን እንክገብር ቅዱስነቶም ምስ ናይ ካንተርበሪ ኣንግሊካዊት ቤተክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ኰይኖም እስኪ እንተተመሰለልና ሱባኤን ጸሎትን ንስራዓሎም ኢሎም። ንኩሎም ኣብ ከተማ ቫቲካን ብምዕዳም ኣብ ሱባኤን ጸሎትን ተጸምዱ። ፕረሲደንት ሳላቫ ኪር ምኽትሉን በዓልቲ ቤት ነፍሰኄር ቀዳማይ ፕረሲደንት ጆን ጋራንን እቶም ተቋወምቲ ኢና ዝብሉን ተረኽቡ፣ ቅዱስነቶም ንመላእ ዓለም ዘንቀጥቀጠ ተግባር ማለት ኣብ ጫማ እቶም ተቈራስቈስቲ መሪሕነት ወዲቆም ስለ እቶም ልዕሊ ኣርባዕተ ሺሕ ግዳያት ኢሎም ንሓዊ ውግእ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ኣጥፍኡ ክብሉ ለመንዎም። ፍቃድ ኣምላኽ እንተኾይኑ ብኣካል ክበጽሕዋ ዘለዎም ምንዮት እውን ገሊጾም ነበሩ።
ምብጻሕ ብፁዕ ኣቡነ ጋላጋር ታሕሳስ 2021!
እዚ ኩሉ ከምኡ ቢሉ እንኪጒተት ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብመንበረ ሊቀ ጳጳስ ካንተርበርይ ዝኾነ ኣዳራሽ ላምበዝ ዝተመደበ ንሕጹጽ ጉዳይ ጥዕና ናይቲ ዓዲ ዝምልከት ምብጻሕ ደቡብ ሱዳን ገበሩ። ብፁዕነቶም ካብቲ መገሻ ምስ ተመልሱ ምስ መራሕቲ ፖሎቲካን ሃይማኖትን ሰብ መዚ ክልላትን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ር.ሊ.ጳ ንክበጽሕዎም ዘለዎም ትጽቢትን ደገፍን ምስ ገለጹሎም ከም ፍቃድ እግዚአብሔር ኣብ 2022 ክግበር ንትስፎ ኢሎም ነበሩ። እነሆ ከኣ ሎሚ ዕለቱ በጺሑ ወግዓዊ ዜና ኰይኑ ኣሎ።