ኣቱም ሰባት! ውግእ ንደቂሰባት ካብ ታሪኽ ከይሓኸኸ ክውገድ ዘለዎ ባርባራዊ ተግባር ምዃኑ ኣስተውዕሉ! ር.ሊ.ጳ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ እውን ከይተሓለሉ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ ምስ ደገሙ ንውግእ ኡክራይና ኣመልኪቶም ‘ነቲ ኣቦታትን ኣደታትን ደቆም ንክቀብሩን ሰባት ንኣሕዋቶም ብኣልማማ ምንም ከይረኣዩ ዝቀትሉሉ ሓያላት ዝውስኖ ድኻታት ከኣ ዝሞትዎ መልኣከ ሞት ንዝኾነ ውግእ ክንኩንኖ ኣሎና’ እንክብሉ ናይ ምረቶም ጻውዒት ኣቅሪቦም።
ዜና ቫቲካን!
ከም መቀጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ዕለት 25 መጋቢት ንሃገራት ሩስያን ኡክራይናን መላእ ዓለምን ናብ ንጹሕ ልበ ድንግል ማርያም ዘወፈዮ ሥርዓተ ጸሎት ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 27 መጋቢት እውን ብ ኣሽሓት ዝቊጸሩ ም እመናንን ነጋድያንን ንቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኦምሉ ኣብ ዝነበረ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ኣስተምህሮ ምስ ሃቡ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ድሮ ወርሒ ንዘቊጸረ ውግእ ኡክራይና ኣመልኪቶም ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅሪቦም።
ድምጺ ኣጽዋር ውግእ ሱቚ ይበል!
ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ከይተሓለሉ እቶም ድኻታትን ንጹሓትን ንክሞቱ ውግእ ዘዋድዱን ዝእውጁን ሰብ መዚ ነዚ ውግእ ደው ንምባል ዝከኣሎም እንተዘይገሮም ወይልኦም ብዘስምዕ ቃና ነዚ ምህጽንታ እዚ ኣቅሪቦም።
28 Mar 2022, 15:38