ድለ

ኣቱም ሰባት! ውግእ ንደቂሰባት ካብ ታሪኽ ከይሓኸኸ ክውገድ ዘለዎ ባርባራዊ ተግባር ምዃኑ ኣስተውዕሉ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ እውን ከይተሓለሉ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ ምስ ደገሙ ንውግእ ኡክራይና ኣመልኪቶም ‘ነቲ ኣቦታትን ኣደታትን ደቆም ንክቀብሩን ሰባት ንኣሕዋቶም ብኣልማማ ምንም ከይረኣዩ ዝቀትሉሉ ሓያላት ዝውስኖ ድኻታት ከኣ ዝሞትዎ መልኣከ ሞት ንዝኾነ ውግእ ክንኩንኖ ኣሎና’ እንክብሉ ናይ ምረቶም ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ከም መቀጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ዕለት 25 መጋቢት ንሃገራት ሩስያን ኡክራይናን መላእ ዓለምን ናብ ንጹሕ ልበ ድንግል ማርያም ዘወፈዮ ሥርዓተ ጸሎት ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 27 መጋቢት እውን ብ ኣሽሓት ዝቊጸሩ ም እመናንን ነጋድያንን ንቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኦምሉ ኣብ ዝነበረ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ኣስተምህሮ ምስ ሃቡ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ምስ ደገሙ ድሮ ወርሒ ንዘቊጸረ ውግእ ኡክራይና ኣመልኪቶም ነዚ ጻውዒት እዚ ኣቅሪቦም።

“እዚ ጨካንን ትርጉም ኣልቦን ውግእ ወራር ኡክራይና ካብ ዝጅምር እነሆ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ሓሊፉ፤ ከም ማንም ውግእ እዚ ውግእ እዚ ናይ ኩሉ ሽንፈት የመልክት! ናትና ናይ ኩልና ሽንፈት የመልክት።ነዚ ኣቦታትን ኣደታትን ደቆም ንክቀብሩን ሰባት ንኣሕዋቶም ብኣልማማ ምንም ከይረኣዩ ዝቀትሉሉ ሓያላት ዝውስኖ ድኻታት ከኣ ዝሞትዎ መልኣከ ሞት ዝኾነ ውግእ እዚ ክንኩንኖ ኣሎና። ውግእ ንዘሎና ናይ ሎሚ ህላዌና ጥራይ ዘዕኑ ከይመስለና መጻኢ ናይ ሓንቲ ማሕበረሰብ ብምሉኡ እዩ ዘዕኑ፤ እዚ ወራር ኡክራይና ካብ ዝጅምር ካብ ነፍስወከፍ ክልተ ሕጻናት ሓደ ከምዝተሰደደ ዘመልክት ጸብጻብ ኣንቢበ፤ እዚ ከኣ እንትርፎ መጻኢ ምዕናው ሰፍ ዘይብል ድራማዊ ስግኣት ኣብቶም ኣብ ሕቊፍና ዘለው ሕጻናትን ንጹሓት ምፍጣር ካልእ ኣይኮነን።እነሆ እምበኣር ዘስካሕክሕ ገጽታ ውግእ ባርባራውን ንኩሉ ዘራኽስን ውግእ! ውግእ ክተወግዶ ዘይከኣል ልዕሊ ዓቅሚ ደቂሰባት ከመስለና የብሉን! ንውግእ ኣይልመዶ! ናይ ሎሚ ቊጥዓና መጻኢ ይና ምህናጽ ሓላፍነት ከሰክመና ኣለዎ። ካብዚ ተመኲሮ እዚ ከም ቀደምና ብዘይምንም ለውጢ እንተደኣ ሰጊርና ኩልና እንተ በዚ እንተ በቲ ቅሳነት ሕልና የብልናን፤ ኣብ ቅድሚ ሓደጋ ዕንወት ገዛእ ርእስና ደቂሰባት ንውግእ ነወግደሉ ሰዓት ከምዝበጽሔ ክርድኡ ኣለዎም፤ ቅድሚ ውግእ ንደቂሰባት ካብ ታሪኽ ምሕካኹ ደቂሰባት ንውግእ ክወግዱ ኣለዎም።”

ድምጺ ኣጽዋር ውግእ ሱቚ ይበል!

ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ከይተሓለሉ እቶም ድኻታትን ንጹሓትን ንክሞቱ ውግእ ዘዋድዱን ዝእውጁን ሰብ መዚ ነዚ ውግእ ደው ንምባል ዝከኣሎም እንተዘይገሮም ወይልኦም ብዘስምዕ ቃና ነዚ ምህጽንታ እዚ ኣቅሪቦም።

“ኣብዚ ጒዳይ እዚ መዝነት ንዘለዎ ዝኾነ ፖሎቲከኛ ነዚ ጉዳይ እዚ ከስተንትንን ዝተኻእሎ ክገብር ክዕጠቅን እልምን፤ ብውግእ ትዓኑ ዘላ ኡክራይና እንክንምልከት ነፍስወከፍ ዕለት ውግእ ኩነታት ኩልና ናብ ዝኸፍ አ ደልሃመት ይኸይድ ከምዘ ሎ ክርዳእ ይኽእል፤ ስለዝኾነ ከኣ ሎሚ እውን እንደገና ምህጽንታይ አሐድስ ኣሎኹ ‘በቃ ኩሉ ደው ይበል ኣጽዋር ውግ እ ሱቚ ይበል፤ ሰላም ንክርከብ ብቊምነገር ዘተ ይካየድ፤ ሓደራ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ዕለታት መላእ ዓለም ብሓፈሻ ኣብ ዝተሳተፎ ስለኡ ዘመስግነኩምን ሥርዓተ ጸሎት ወፈያ ሃገረ ሩስያን ኡክራይናን መላእ ውሉድሰብን ናባኣ ዘማዕቈብና ንግሥተ ሰላም ከይተሓለልና ዳግም ንለምና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
28 Mar 2022, 15:38