ድለ

1962.10.04 Papa Giovanni XXIII visita pastorale a Loreto 1962.10.04 Papa Giovanni XXIII visita pastorale a Loreto 

ንውግእ ዕጥቅን ስንቅን እናኣከብካ ሰላም ፈጺሙ ኣይርከብን! ትንቢት ር.ሊ.ጳ ዮሓንስ 23

ዘዝሓለፈ ደኣ ንርስዕ ኰና እምበር ከምዚ ሎሚ ወጥሪ ሩስያን ኡክራይናን ንመልእ ዓለም ኣብ ክልተ ክልተ ገሩ ዝሕምስ ዘሎ ኣብ ስሳታት እውን ብስም ዝሑል ኲናትን ደፋፋኢ ኮሙኒስታዊ ውልቀምልክን ብዙሕ ኣደራዕ ምስ ወረደ ብ1963 ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ፓቸም ኢን ተሪስ ሰላም በምድር እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ‘ደቂ ሰባት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሕዝባዊ ሓላፍነት ተሸኪሞም ዘለው፣ ድራማዊ ሓደጋ ኑክለሳዊ ውግእ ክውግድ ንኩሉ ምኽንያታትን ሰብኣውነትን ተጠቂሞም ዘይተንፈንቀለ እምኒ ከይተርፎም ሓደራ’ ማለት ዝተኻእሎም ኩሉ ክገብሩ ተማሕጺኖም ነበሩ።

ዜና ቫቲካን!

እቲ ብዝሑል ኩናት ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ምዕራብን ሩስያን ወይውን ኣመሪካን ሩስያን ኣብ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ ናይ ሎሚ 60 ዓመታት ይገብር ናይቲ ሽዑ ጐብለል ሩስያ ኣብ ክዩባ ሚሳይላት ክትተክል ደልያ ምንቅስቃስ ምስ ጀመረት ምስ ኣመሪካ ሃየስከ ሃየስከ ተበሃሂለንሲ እቲ ንዓለም ምሉእ ዘፍርህ ዝነበረ ኑክለሳዊ ሳልሳይ ውግእ ንክባራዕ ቁሩብ ተረፎ። ዓለም ምሉእ ኣብ ጸሎትን ልመናን ኰነ! ሰብመዚ ዝተኻእሎም ክገብሩ ተቃለጹ። ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ናብ ኩሎም ጳጳሳትን ካህናትን ምእመናንን መላእ ዓለም ከምኡ እውን ንኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ‘ፓቸም ኢን ተሪስ’ ሰላም በምድር ብምጽሓፍ ‘እቲ ንናይ ኩሉ ዘመን ደቂሰባት ዓሚቚ እስትንፋስ ሕይወት ዝኾነት ሰላም ነቲ እግዚአብሔር ዝሰርዖ ሥርዓት ብምልኣት ምስ እንስዕብን ኣባኡ ምስ እንጸንዕን ጥራይ እዩ’ እንክብሉ ሰላም ምስ ኣወጁ ከምታ ኣብ ልደት መላእኽቲ ስብሓት ለእግዚአብሔር ወሰላም በምድር ክብሉ ዝዘምርዋ ዓይነት መዝሙር ኰይና ዓቢ ምርጋግእ ፈጠረት።

ሓይሊ ምጥቃም ንዘተ ሰላም ይዓብጦ!

ንጸባጸብ እስኪ ዝብሉ ክመስሉ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ስለምንታይ ሰላም ከምዝምረጽ ነቲ ምኽንያታት በብሓደ ምስ ኣቅረቡ ‘ብዝኾነ መለክዒ እንተጸብጸብና ልዕሊ ዝኾነ ፍሉይ ጥቅምታትን ኣብ ኣጽዋር እነንብሮ ምትእምማንን ምኽንያታት ሰላም ዝሓየሉ እዮም’ እንክብሉ ኩሉ ንሰላም ክመርጽ ጸዊዖም። ኣብ ትሕዝቶን እዋናውነትን ናይታ መልእኽቶ እንተተመልከትና ከምዛ ኣብ ዘመንና ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ኢና እንክብሉ በብኩናዑ ገለን መሲልዎ ገለን ተታሊሉ ነንሕድሕዱ ዝባላዕ ዘሎ ዘመደ ኣዳም ዘቅረብዎ ጻውዒት ይመሳሰላ እየን።ጽሉል ቅድድም!

ሎሚ እውን እንተኾነ ውግእን ቅልውላውን ሩስያን ኡክራይናን ናብ ካልኦት ሃገራት ልሒሙ ናብ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝገደደ ከኣ ናብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ከይስገር የስግእ። እተን ኣብ ስሳታት ዝተጻሕፋ ቃላት ‘ሰላም በምድር ፓቸም ኢን ተሪስ’ ሎሚ እውን ኣብ ኣእዛንና ይድውላ ኣለዋ። ኣብቲ ሽዑ ቅዱስነቶም እቲ ኣብ መንጎ ፖሎቲካውያን ሓይልታት ዝግበር ዝነበረ ቅድድም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ምኩማርን ምምዕባልን ምዃኑ ይጠቅሱ እሞ እዚ ናይ ጽላሌ ቅድድም ይብልዎ። ከመይ ንጥፍኣትካን ህልቀትካን ዝኸውን ኣጽዋር ክተፍርን ክትሽምትን ምቅድዳም እንትርፊ ጽላለ ካልእ ክትብሎ ኣይከኣልን።

ናይ ሎሚ 60 ዓመታት ይገብር ነቲ ናይ ሽዑ ሰባት ከም ደቂሰባ ክስተንትኑን ፍትሕን ጥበብን ሰብኣውነትን ተኣንጊቦም ነቲ ዘንጸላልዎም ዝንበረ ጥፍኣት ኪገትኡ እንተዘይክኢሎም ሓንቲ ንእሽቶ ቊልዒ ንኩሉ ዘጥፍእ ባርዕ ክተለዕል ከም ትኽእል ገሊጾም ነበሩ። እዘን ቃላት እዚኤን ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ፖሎቲካውን ካልእ ሓላፍነትን ዘለው መራሕቲ ንዘተ ብምቅዳም ንዝኾነ ናይ ግጭትን ጥፍኣትን ስግኣት ከወግዱ ክጽዕሩ፣ በዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኣጽዋር ምኹማር ዘሎ ቅድድምን ቅልጽምካ ብዕንወት ንምግላጽ ዝግበር ኩሉ ውግእን ወረ ውግእን ደው ከምዝብል ክገብሩ ይጽውዑ። ከም ምኽንያታውያን ሰባት ከኣ ብሓባር ኣጽዋር ኣውሪድካ ኣጽዋር ዘተ ምጥቃም ከድሊ እዩ። ነቲ ሓደ ከም ምርኮኛ ኣጽዋሩ ከውርድ ምግዳድ ነቲ ሓደ ግን ሱቊ ምባል እውን ፍትሒ ኣይኮነን ጥበብ ከመይ እቲ ስግኣት ወትሩ ስለዘሎ ከምቲ ኣብ ሰላም በምድር ፓቸም ኢን ተሪስ ሓደራ ዝበለ ኩለንትናዊ ምውራድ ኣጽዋር ክኸውን ኣለዎ።

ሰላም ዘይደልስ መን ኣሎ!

ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ከም መዛዘሚ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ንልቢ ነፍስወከፍ እትትንክፍ ሓያል ሕቶ የቅርቡ ‘እስኪ ካብ ኩልና መን ኣሎ እዚ ሓደጋ ውግእ ክእለን ሰላም ክነግሥን ክጸንዕን ዘይደሊ መን ኣሎ!’ ኢሎም ይሓቱ እሞ `ካብ ሰላም ኩሎም ይኸስቡ ጥቅሚ ይረኽቡ ግለሰባት ስድራቤታት ኣሕዛብ ኮታስ ኩላ ስድራቤት ዘመደኣዳም ብምልእታ ትጥቀም’ ኢሎም ነበሩ። እዘን ቃላት እዚኤን ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ብተመሳሳሊ ቀሪበን ነበራ። ቅዱስነቶም እውን ‘ብሰላም ዝጠፍእ ምንም ነገር ነገር የለን። ብውግእ ግን ኩሉ ክጠፍእ ይኽእል’ ኢሎም ነበሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 Mar 2022, 16:32