ኣብ ሥርዓተ ትምህርትን ኲስኰሳን ሥነሓሳባዊ እማረ ንስገሮ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ሥርዓተ ትምህርቲ ዘመንና ብዝተፈላለዩ ርእዮተ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ተጸልዩ ኣብ ብዙሕ መዳይ መነባብሮ ደቂሰባት ዝንቡዕ ኣመለኻኽታ ብምፍጣር በዚ ተዀስኲሱ ዚዓቢ ኣካል ማሕበረሰብ ከኣ ናብ ዝገደደ ውድቀት ስለዝዝንብል ነዚ ድሕሪ ሰውራ ፈረንሳ ብኢሉሚኒዝም ዝበሃል ንኣእምሮ ምብራህ ዝብል ሥነሓሳብን ራእይን ብ1887 ዓም ብመማህራን ኣሕዋት ማሪስት ዝፍለጥ ማሕበር ንመንእሰያት ናይ ሮማ እምነትን ካልእ ዝፈላሊ ነገራትን ኣወጊዱ ጽጹይ ሰብኣዊ መዕበያ ኣብ ምሃብ ይርከብ። ናይዚ ማሕበር እዚ ኣባላት እዮም እምበኣር ናይ ዓመቱ ሓፈሻዊ ጉባኤ ድሕሪ ምክያድ ምኽሪ ኪሓቱን ሓዋርያዊ ቡራኬ ቅዱስነቶም ክሳተፉን ምስ ር.ሊ.ጳ ዝተራኸቡ።
ኣብቲ ርክብ ሰላምታን ሓጺር ጸብጻብ ሃለዋቶምን ምስጋናን ምስ ቀረበ ቅዱስነቶም ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ክንዮ ኲስኰሳ ክንዮ ምምሃር እስኪ ስግር በሉ! ጠመተኹም ክንዮኡ ይስገር፣ ከመይ እቲ ናይ ቀደም ንቅሓት ብዝብል ኣምር ንቅሓተ ሕልና ኢሎም ብኢሉሚኒዝም ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ዝጀመሮ ዝተፈላለይ ሥነሓሳባት እናቀድሐን እናተቀባበለን ኣብ ህውተታ ሓሳባት ጥራይ ከምዝጥሕሉ ዝገብር ኣምር ምስጋሩ የድሊ። ከመይ እዚ ንትምህርትን ኲስኰሳን ናብ ርእዮተ ሓሳብ ወይውን ዓለም ቀዪሩ ነቲ ቀንዲ ዕዮ ገዛ ኲስኰሳ ሰብ ዘንጊዑ ነቲ ሓሳባት ዝድግፉን ብኣኡ ዝምረዙን መንእሰያት ንምብርካት ኰይኑ። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ ማሕበርኩም ብዙሕነት ባህልን ዓሌታትን ተኣንጊቡ ኣብ ሕንጸተ ሰብ ኣተኲሩ ክንዮ ናይቲ ናይ ግዜኡ ጸገም ብምጥማት ዝተመስረትን ክሳብ ሕጂ ይሰርሕ ዘሎን ኢሎም።
እቲ ቀንዲ ጸገም ግን ጂኦግራፊካዊ ዶባት ዘይኮነ ናይ ኣተሓሳስባን ንኣኡ ናይ ምግዋሕን ዶባት ስለዝኾነ ነዚ ዶባት እዚ ንምስጋር ነናይ ዘመኑ ምልክታት ብምንባብን ምትርጓምን እዚ ማሕበር እዚ ካብ ዝምሥረት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ይሰርሕ ኣሎ። ቅዱስነቶም ኣብ ርእሲ እታ ለይትን መዓልትን ዝጽዕርዋ ሕንጸተ ሰብ ኣባላት እዛ ማሕበር ክውስኽዋ ዝተላበውዋ ከኣ ንመንእሰይ ኣብ ርእሲ ሕንጸተ ሰብ ናይ ተፈጥሮ ተኸናኸንትን ሃለውትን ኰይኖም ንክዓብዩ እውን ምምሃሮምን ምኹስዃሶምን ከምዝደሊ ገሊጾምሎም።
መንእሰያት ኣብ ክንዲ ብሥነሓሳባዊ ርእይቶታት ተመሪዞም ዝወሃቦም መፈክር ምድግጋም ርግእ ኢሎም ገዓር ናይዛ ሓባራዊ ገዛና ዝኾነት መሬትን ገዓር ናይ ድኻታትን ጽን ቢሎም ብምስማዕ ንጐይታ ሒዞም ጠመተኦም ናብ ጐይታ ብምግባር ክንዮ ትምህርትን ናይ ግዜኡ ዋዕዋዕታን ሰጊሮም ናብቲ ዝኲስኰስ ዘሎ ሰብ ዘተኰረ እቲ ግለሰብ ከም ሰብ ኣተሓሳስባኡ ስራሑ ስምዒታቱ ናብቲ ዝለዓለ መኣዝን ተፈጥሮን ፈጣርን ከምዘተኲር ምግባር የድሊ። ከምቲ ሓንቲ ጃልባ ሒዙ ኣብ ባሕሪ ዝጐዓዝ ሰብ ነቲ መዘወሪ ቀጥ ኣቢሉ ሒዙ ንቅድሚ ጥራይ ዝጥምትን ዝጐዓዝን ኣብ ኲስኰሳ ዘለው መንእሰያት እውን ወትሩ ንቅድሚት እምበር ንድሕሪት ክጥምቱ የብሎምን። ነዚ ከኣ ኣብ ሱርመሰረቶም ጸኒዖም ንመጻኢ ብክፉት ልብን ኣእምሮን ሃንጐፋይ ቢልካ ብምቅባል ኣገልገልቲ ናይ ኩሉን ናይ ጐይታን ክኾኑ እንተኽኢሎም ኣገልግሎትኩም እውን ብጸጋ እግዚአብሔር ንኩሉ ፈርያም ይኸውን። ካብ ኣተሓሳባ ዓለም ተሓለው እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣፋነውዎም።