ድለ

SLOVAKIA-UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-REFUGEES SLOVAKIA-UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-REFUGEES 

ምትእምማን ካብ ኣጽዋር ኣይኮነን ዝርከብ ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በቲ ትዊተር ዝበሃል መራኸቢ ብዙሓን ሎሚ ኣብ ዝጸሓፍዎ ሓጺር መልእኽቲ ኣብታ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ዝበልዎ ብምዝካር ውግእ ክፍኣቱን ሳዕቤናቱን ብጣዕሚ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ብቋንቋ ኡክራይንን ሩስያን ከምዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ገሊጹ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ሎሚ ንዝጸሓፍዎ ሓጺር መልእኽቲ ትዊተር ምስሊ ሓንቲ በሪሃ ዘላ ሽምዓ እንከሰንዮ ካብ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ቁ.260 ከምዚ ክብሉ ጽሒፎም።

“ብዝኾነ ጸብጻብ ምኽንያታት ሰላም ወትሩ ካብ ፍሉይ ጥቅምታትን ኣብ ኣጽዋር ዝንበር ዝኾነ ምትእምማንን ዝሓየሉ እዮም ኢሎም።”

ምስቲ መልእኽቲ ከኣ ብሃሽ ታግ ዝፍለጥ ካልእ ብሓንቲ ቃል ዝመሓላለፍ ዝሓጸረ መልእኽቲ ከኣ ስለ ሃገረ ኡክራይን ብሓባር ንጸሊ ዝብል መልእኽቶም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት እውን ተተርጒሙ ናብ ሚዮናት ተኸተልቶም ተዘርጊሑ።

ዲፕሎማስን ዘተን ሰላም!

ዓቢይ ሊቀጳጳሳት ኣዲክየቭሃልዪክ ናይ ግረኮ ካቶሊክ ኡክራይና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብፁዕ ሸቩክ እውን ብወገኖም ሎሚ ንግሆ ‘ብጸሎት ንሕበር’ እንክብሉ ምስ ተማሕጸኑ እቲ ዘሎ ኩነታት ውግእ ‘ኢሰብኣዊ ገጽታ ናይቶም ቀተልቲ ዝገልጽ ኰይኑ ደማውን ኢሰብኣውን ጨካንን እዩ’ ኢሎም።

ብፁዕነቶም ንምጅማር ዘመነ ጾመአርባዓ ኣመልኪቶም እውን ኣብ ትጽቢት ትንሣኤ ዘእቱ ፍሉይ ግዜ ጸጋ ክኸውን ብምምናይ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በቲ ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ቅርበቶም ከማኡ እውን ንኩሎም ንሕዝቢ ኡክራይና ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝሕግዙ ኣመስጊኖም።

ብፁዕነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ጻዊዒት ‘ውግእ ደው ይበል፣ግጭታት ብውግእ ጥራይ ኣይኮነን ዝፍትሑ ካልእ ኣማራጺ ኣሎ እዚኦም ከኣ ናብ ሰላም ከብጽሑ ዝኽእሉ ዲፕሎማስን ዘተን እዩ። ብሓንሳብ ኰፍ ቢልካ እሂን ምሂን ምባልን ምዝታይን የድሊ’ ኢሎም።

ጸሎት ፓትርያክ በርጠለሜዎስ!

ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ካልኦት ዓበይቲ መራሕቲ ሃገራትን እምነታትን ስዒቦም ንፕረሲደንት ሃገር ኡክራይን ዘለንስኪ ብስልኪ ካብ ዘዘራርቡን ዘጸናንዑን ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ ሓደ እንክኾኑ ፕረሲደንት ዘለንስኪ ድሕሪ ወተሃደራዊ ወራር ሩስያ ሃገሩ እተሕልፎ ዘሎ ስቃይ ምስ ገለጹሎም ብፅዕነቶም ስለዘርኣይዎ ደገፍ ብምሉእ ልቦም ከምዘመስገኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

01 Mar 2022, 11:48