ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃልን መለለይን ወግዓዊ ኰይኑ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃልን መለለይን ወግዓዊ ኰይኑ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደ.ረ. ኮንጎ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃልን መለለይን ወግዓዊ ኰይኑ

ናይዚ መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል ኵሉ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዓሪቝ እዩ ዝብል ኮይኑ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሰብኣውን ማሕበራውን ዕርቂ ዘቃልሕ ምዃኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 5 ሓምለ 2022 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንኸካይድዎ ዝተወሰነ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቓል “ኵሉ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዓረቐ” ዝብልን ናይቲ ጉዕዞ መለለዪ ድማ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ መልክዓ ምድሪ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እናባረኹ እንከለዉ ዘርእሲ ምስሊ ዝተነበሮ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 2 – 5 ሓምለ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ከተማ ኪኒሻሳን ጎማን ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ናይዚ መበል 37 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል ኵሉ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ተዓሪቝ እዩ ዝብል ኮይኑ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሰብኣውን ማሕበራውን ዕርቂ ዘቃልሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ከምቲ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ ወዳቢ ሽማግለ ዝገለጾ፡ እቲ መለለዪ ናይታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ መልክዓ ምድሪ ዝተነብሮን ብሕብሪ ሰንደቕ ዕላማ እታ ሃገር እተመልከተን ኣብ ውሽጢ እቲ መልክዓ ምድራዊ ስእሊ እታ ሃገር፡ እተፈላለየ ናይታ ሃገር ጸጋታት ሓምላይን ሃብቲ እንስሳታትን ዘርኢ ሕብርታት ናይታ ሃገር ሰንደቕ ዕላማ ቀለማት ዝተነብሮ ብጫ ምዕባለን ቀይሕ ሰማዕትነት ሰማያዊ ባህግን ዝውክል ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብጸጋማይ ሸነኽ ተወፋይነት ህዝቢ ኮንጎ ዝገልጽ ምስሊ መስቀል ዝተነብሮ እዚ ኸኣ ናይቲ ህዝቢ ነታ ናይታ ሃገር ጸሎት ተሰኪማ ናብ መድሃኔ ዓለም ወዳ እተብጽሕ ቅድስቲ ድንግል ማርያን ዘለዎ ተወፋይነት ዝሕብር ምስልን እቶም ሰለስተ ሰባት፥ ጓለንስተይትን ዓቢይን ቘልዓን ዘርኢ ምስሊ ምልክት ሕውነት ምዃኑ ዝሓበረ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ ወዳቢ ሽማግለ መግለጺ ኣስዒቡ፥ ካልአ ክርስቶስ ኣብዛ ምድሪ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ - ር.ሊ.ጳ. ናብታ ሃገር ክበጽሑ ዘሕደረሎም ሓጐስን ምስቲ ናይታ ሃገር ህዝቢ ክራኸቡ ዘለዎም ባህጊ ንህዝብን ሃገረ ኮንጐን ክባርኹ እንከለዉ ዘርእን እቲ ምልክት መስቀል ከኣ ዓወትን ዳግማይ ውልደትን ኢመዋቲነትን ማለት ፍቅርን ተስፋን እምነትን ዝውክል ምዃኑ ይሕብር።

16 Mar 2022, 09:01