ድለ

ማልታ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከተእንግድ ትጽበ

እቲ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ዕለት 2 ሚያዝያ ኣትሒዙ ክሳዕ ሰንበት ዕለት 3 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ማልታ ዘካይድዎ መበል 36 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ብወግዑ ኪጅመር ሒደት ማዕልታት ጥራይ ከም ዝተረፎምን እዚ ኣብ ኣሰር ቅዱስ ጳውሎስ ዝካየድ ምብጻሕ እዚ ኣብ እንግዶትን እምነትን ዘማእከለን ነቲ ኣብ ዓለም ብፍላይ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ህልው ኵነታት እውን ውዕሊ ሓዲሩ ከይተንከፎ ዘይሓልፍ ሓዋርያዊ መገሻ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ኣብ ደቡብ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክትብጻሕ ንሳልሳይ ግዜ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 1919 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብ 2001 ዓ.ም. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2010 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ከም ዘአንገደት ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብ ዝቕጽል ቀዳም ዕለት 2 ሚያዝያ  ክሳዕ ሰንበት ዕለት 3 ሚያዝያ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክትብጻሕ ምዃናን እዚ ናይ ቅዱስነቶም ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ድሮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ወርሒ ግንቦት ንኽካይድዎ ተወሲኑ ዝነበረ ኰይኑ ብስነኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ተደናጒዩ ከም ዝጸንሔን እንግዶትን እምነትን ዝምልከት እውን ብምዃኑ እቲ ኣብ ዩክረይን ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ ዝፈጥሮ ዘሎ ስደትን ምዝብልናን ነቶም ዝመዛበሉን ዝስደዱን ዝወሃብ ዘሎ እንግዶት ውዕሊ ሓዲሩ ምልክት ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

ካብ ዓይነ ማይ ብስራተ ወንጌል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ “ብርሃን ዘለዋ ሃገር” እንክብሉ ዝገለጽዋ ሃገረ ማልታ ሎሚ እውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ “ንብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን መዕቈቢ ንዘድልዮም ኣብ ምእንጋድ ትርከብ። እቲ እንግዶት ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣብቲ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመት ይገብር ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞኡ እታ ዝተሳፈረላ መርከብ ተሰይራን ኣብ ማልታ ንዝተለገሰሉ እንግዶት ምልስ ቢሉ ዘዘኻኽር እውን እዩ። ስለዚ ናብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝብል ኣጋጣምን ከምኡ እውን ንር.ሊ.ጳ. ነቲ ናይ ኣሽሓት ዓመታትን ህያውን ታሪኽ ዘለዎ ማሕበረ ክርስቲያን ብኣካል ክረኽብዎም ኣጋጣሚ ይዀኖም። እታ ብማልታን ጉዞን ብኻልኦት ነኣሽቱ ደሴታት ዝቖመት ሃገረ ማልታ 408 ሺሕ ዝተጠመቑ ከም ዝኾኑን እዚእቶም ከኣ ካብቲ 478 ሺሕ ዝኸውን ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ 85 ሚእታዊ ዝሽፍን ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ዕለት 2 ሚያዝያ መርሓ ፍጻሜታት ቅዱስነቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀዳም ንጐሆ ሰዓት 10 ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ማልታ ክበጽሑን ብመንግስቲ እታ ሃገር ወግዓዊ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም ንኽብሪ ሃገረ ማልታን ህዝብን መንግስትን ናብ ቤተ መግስቲ እታ ሃገር ብምኻድ ምስ ርእሰ ብሔር ጆርጅ ዊሊያም ቬላ ክሌኣዊ ርክብ ከካይዱን ኣስዒቦም እውን ምስ መራሔ መንግስቲ ሮበርት ኣቤላ ክራኸቡ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ጽርሓ ርእሰ ብሔር ረፓብሊካዊት ማልታ ኣብቲ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስትን ናይ ፖለቲካን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ልኡካነ መንግስታት ኣብ ማልታን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዓውደ ርክብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ምስ ተሰምዐ፡ ቅዱስነቶም ናይዚ ጉዕዞ እዚ ቀዳማይ መደረኦም ከስምዑ እዮም። ካብኡ ምስ ተሰናበቱ ናብቲ ኣብዚ ምብጽሓ እዚ ዝእንገድሉ ኣብ ማልታ ናብ ንዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ህንጻ ብምኻድ ሓጺር ዕረፍቲ ገይሮም ኣብ ደሴት ጎዞ ናብ ዝርከብ ታፒኑ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍሩ ክነግዱን ኣብቲ ፊት እቲ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ብሓባር ምስ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ማልታዊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ብናይ ማልታ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቻርለስ ሺክሉና ብናይ ጎዞ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶን ተውማን ተሰንዮም ብሓባር ምስ ምእመናን ማርያማዊ ጽሎት መሪሖም ክደግሙ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ፍራንቸስኮ ንግደት ናብ በዓትታት ቅዱስ ጳውሎስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ፍሎሪያና ከዕርጉን

ሰንበት ዕለት 3 ሚያዝያ ንጐሆ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ማልታ ምስ ዘገልግሉ ልኡካነ ወንጌል ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ግሊ ርክብ ከካይዱን ኣስዒቦም ልክዕ ሰዓት 08.30 ንጐሆ ናብቲ ኣብ ራባት ዝርከብ በዓቲ ቅዱስ ጳውሎስ ክበጽሑ እዮም። እዚ ቦታ እዚ ብመሰረት ትውፊትን ታሪኽን ሓዋርያ ኣህዛብ ድማ ኣብ 60 ዓመት ምሕረት ዘጋጠሞ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ኣብቲ ቦታ ከም እተኣንገደ ዝሕብር እዚ ኸኣ ኣብታ ደሴት ክርስትና ዘበገሰሉ ስፍራ ምዃኑን እዚ ታሪኻዊ ስፍራ እዚ ኣብ 1990 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ደሓር እውን ኣብ 2010 ዓ.ም. ብበነዲክቶስ መበል 16 ከም እተበጽሐ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ቅዱስነቶም ኣብዚ 14 ናይ ሃይማኖታት መራሕትን ብካሪስታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርትያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ማልታ ዝእለዩ ህሙማን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ መቓርዝ ከብርሁን ኣብ ቅርዓት ፍሎሪያና ሰዓት 10.15 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኪደግሙ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

 “ዮሓንስ መበል 23” ቤተ ምርምር ሰላም

ቅዱስነቶም ኣብዚ መበል 36 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦምእ እዚ ኣብቲ ካብ ሶማሊያን ኤርትራን ሱዳንን ብመዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ዝተሰዱ ዝእንገድሉ ኣብ ሃል ፋር ናብ ዝርከብ “ዮሓንስ መበል 23 ናይ ሰላም ቤተ - ምርምር” እተሰምየ ኣብ ዓውዲ ሰባዊ መሰላትን ክብርን ፍትሕን ሓድነትን መደብ ሕጽነት ዝካየደሉን ናጻ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝወሃበሉ ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስቶም ኣብቲ መዕለይ ምስ እተኣንገዱ 200 ስደተይናታት ምስ ተራኸቡ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንኽምለሱ ሰዓት 18.15 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ወግዓዊ ናይ ስንብታ ስነ ስርዓት ተገይሩሎምን ተሰናቢቶም ልክዕ ሰዓት 19.40 ድማ ሮማ ክኣትዉ እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 Mar 2022, 14:44