ድለ

ካርዲናል ችዘርንይ፥ ኣብ ቅድሚ እዚ ውግእ እዚ ኵላትና ድኻታት ኢና ካርዲናል ችዘርንይ፥ ኣብ ቅድሚ እዚ ውግእ እዚ ኵላትና ድኻታት ኢና 

ካርዲናል ችዘርንይ፥ ኣብ ቅድሚ እዚ ውግእ እዚ ኵላትና ድኻታት ኢና

ከምቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዝበልዉ፥ ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ - ቢሎም - ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዝወርድ መጥቓዕቲ ደው ክብል ኣለዎ

ናይ ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣብ ሃንጋሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ ድሕሪ ምስታ ናይታ ሃገር ምኽትል መራሔ መግንስቲ ተራኺቦምን ኣብቲ ምስ ዪክራይን ዘዳብዎ ዞባ ባራባስ ምብጻሕ ኣካይዶም ናብ ኡክራይን ከም ዝኣተዉን ኣብ ትራንስካርፓቲያ ኣብ እትርከብ ከተማ በረሆቨ በጺሖም ምስቶም ኣብቲ ቦታ ምስ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ከም እተራኸቡን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ማሪዮፕል ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻናት ዝተፈጸመ ደብዳብ ምስ ተሓበሮም “ዘርዕድ እዩ” እንክብሉ ከም ዝኾነንዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ከጸናንዑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተላእኩ ናይ ዘይንጽል ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ግዚያዊ ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማይክል ችዘርንይ ዕለት 9 መጋቢት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሃንጋሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዛዚሞም ብመኪና ተጓዒዞም ዪክራይን ከም ዝኣተዉን ኣብ ዩክረይን ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ብዘገልግሉ ክልተ ካህናትን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤጳርቅና ንዪረጋዛ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣበል ዞክስካን ተሰንዮም ኣብታ ካብ ደብዳብ ቦምብታት ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ዝተመዛበሉ ኣብ ዝርከቡላ ከተማ ትራንካርፓቲያ ምብጻሕ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም ኣብታ ሰዓት እቲኣ ኣብ ማሪፖል ዝርከብ ቤት ሕክምና ሕጻናት ከም እተደብደበ ምስ ሰምዑ፥ ከምቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዝበልዉ፥ ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር እዩ - ቢሎም - ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዝወርድ መጥቓዕቲ ደው ክብል ኣለዎ” እንክብሉ ርእይቶ ሂቦም “ዘርዕድ ተግባር” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ችዘርንይ፥ ኣብ ቅድሚ እዚ ውግእ እዚ ኵላትና ድኻታት ኢና
ካርዲናል ችዘርንይ፥ ኣብ ቅድሚ እዚ ውግእ እዚ ኵላትና ድኻታት ኢና

ሕውነት ነቶም ኣብ ስቓይ ዘለዉ መጸናንዒ እዩ

ካቶሊካዊካዊትን ፖሮተስታትን ኦርቶዶክሳውያንን ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ነቶም ዝተመዛበሉ ኣብ ምድጋፍ ዘርእይዎ ዘለዉ ሕውነት ነቶም ኣብ ስቓይ ዘለዉ ኵሎም ዓቢይ ድጋፍ እዩ። ኣብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ብምስዓብ ስቓይ ንዘለዉ ቀረባ ምዃን ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ መጸናንዒ እዩ እንክብሉ ብጹዕነቶም ኣብቲ ምብጻሕ ምስ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ልኡካንን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከም ዝገለጹን፡ ኣስዒቦም ኣብቲ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝርከቡሉ ቦታታት ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብቲ ዕለታዊ ሕይወት ናይቶም ዝተመዛበሉ ከም እተሳተፉን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ካርዲናል ችዘርንይ፥ ኣብ ቅድሚ እዚ ውግእ እዚ ኵላትና ድኻታት ኢና
ካርዲናል ችዘርንይ፥ ኣብ ቅድሚ እዚ ውግእ እዚ ኵላትና ድኻታት ኢና

 

10 Mar 2022, 16:42