እግዚአብሔር ነታ እንትርፎ ንሱ ደቂሰባት ክበጽሕዋን ኪሃንጽዋን ዘይክእሉ ሰላም ይዓድለና! ር.ሊ.ጳ
ኣብዚ ዘመነጾመኣርባዓ ዝጅምረሉ ዕለት እዚ ጐይታ ‘ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርአዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን` (ማቴ 6,1) ይብለና። እዚ ከስደምመና ይኽእል እንተኾነ እዛ ዓስቢ ትብል ቃል ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ኣብ ኁልቊታት 1,2,5,16 ጸጸኒሓ ትደጋገም። ብልማድ ጾመኣርባዓ ኣብ እንጅምረሉ ሮቡዕ ሓሙዂሽቲ ሃምናን ቀልብናን ኣብቲ ክንገብሮ ዘሎና ጒዕዞ ጾመኣርባዓ እምበር ኣብቲ ዝጽበየና ሽልማት ዓስቢ ኣይነተኩርን። እንተኾነ ትምህርቲ ኢየሱስ ነዛ ቃል እዚኣ ይደጋግማ። ዓስቢ ትብል ቃልከስ መንቀሳቀሲት ተግባራትና ትመስል። ከም ሓቁ ኸኣ ኣብ ልብና ናብቲ ዝኾነ ነገር ንክገብር ዘንቀሳቅሰናን ዝስሕበናን ሓደ ጒዳይ ወይ ነገር ናይ ምብጻሕ ወይ ምቅባል ሃረርታ ጽምኢ ኣሎ።
እንተኾነ ጐይታ ሕይወት ወዲሰብ ክዝምብለልን ዝኽእል ክልተ ዓይነት ዓስቢ ከምዘሎ ይገልጸልና፣ በቲ ሓደ ወገን ካብ ሰማያዊ ኣቦ እንቅበሎ ዓስቢ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ካብ ሰባት እንቅበሎ ዓስቢ፣ እታ ቀዳመይቲ ሓቀኛን ወሳኒትን ዓስቢ ኰይና ዘለዓለማዊት እያ፣ ስለዝኾነ ከኣ ቀንዲ ዕላማ ምንባርና እያ። እንተ እታ ካልአይቲ ግን ግዝያዊት ኮይና ኣድናቆት ሰባት እንክውሕዘናን ዓለማዊ ዓወት እንከስክረናና ቀንዲ ጉዳይ ኮይኑ ዝረኣየና ናባኡ ዝስሕበና ብልጭታን ግዝያዊ ዕግበት ዝህበናን እዩ። እንተኾነ ከም ኣብ ምድረበዳ ከም ዝረኤ ወርወርታ ምስ ረኸብካዮ ጥራሕ ኢድካ እትተርፈሉ ህውተታ ሕልሚ ቀትሪ እዩ። ነዚ መጀመርያ ኣውናዊኑ ደሓር ዝኽሕድ ዓለማዊ ዓስቢ እዚ ዝኽተሉ ኩሎም ብኡ ንብኡ ዘይቅሳነትን ሓዘንን ብኡ ንብኡ ይወሮም። ዓስበ ዓለም ዝደሊ ብምንም ተኣምር ሰላም ኣይረክብን ንሰላም ከደንፍዕ እውን ፈጺሙ ኣይክእልን። ንእግዚአብሔርን ነሕዋትን ኣሓትን ምርኣይ ይሰኣኖ። እዚ ንኩልና ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ እዩ፣ ስለዚ ኸኣ እዩ ኢየሱስ `ተጠንቀቁ` ዝብለና። እዛ ተጠንቀቁ እትብል ቃል `መጠን ኣልቦ ዓስቢ ክትረኽቡ ትኽእሉ ምስ ምንም ክተወዳድሮ ዘይከኣል ዓስቢ ክትረኽቡ ትኽእሉ እንተኾነ ብደገደገ ኣብ ናይ ምብልጭላጭ ሓደጋ ከየውድቀኩም እሞ ኣብ ኢድካ ዘይጸንሕ ሰናቲም ከም ዓስቢ ከይትደልዩ` ትብል ትመስል።
እቲ ኣብ ርእስና ሓሙዂሽቲ ብምንስናስ እንፍጽሞ ናይ ሎሚ ሥርዓት ንምብልጭላጭ ናይቲ ካብ ደቂ ሰባት እንቅብሎ ግዝያዊ ዓስቢ ብመንጽር እቲ ካብ እግዚአብሔር ኣቦ እንቅብሎ ዘለዓለማዊ ዓስቢ የብርሃልና። እዚ ብዛዕባ ውድቀት ሰባኣዊ ኩነትና ዝገልጽ ጽኑዕ ምልክት እዚ ከም ሓደ መሪር መድሃኒት እዩ፣ እንተኾነ ንሕማም ኣፍኣዊ ምብልጭላጭ ዝፍውስ መድሓኒት እዩ። ይፍውሰልና። እዚ ሕማም እዚ መንፈሳዊ ሕማም ኰይኑ ንደቂሰባት ብካልኦት ናይ ምድናቅ ወልፊ ከምዝሓድሮም ብምግባር ኣብ ባርነት ዘውድቅ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ‘ባርነት ኣዕይንትን ባርነት ኣእምሮን’ (ኤፈ 6.6 ቆላ 3,22) ዘስዕብ ሓቀኛ ባርነት ኰይኑ ናብ ውዳሴ ከንቱ ኣምሪሑ ዘገድስ ንጽሕና ልቢ ዘይኮነ ብካልኦት ዋላ ልቅሉቅ መቃብር ኰንካ ኣድናቆት ምትራፍ ጠመተ እግዚአብሔር እግዚአብሔር ዘይኮነ ጠመተ ካልኦት ዝዓጦ ባርነት እዩ። እንተኾነ በዚ ሓላፊ ዓስቢ እዚ ንኩሉ ግዜ ተሓጒስካ ክትነብር ዘይከኣል እዩ።
እቲ ስግኣት እዚ ሕማም ኣምሰሉነት ነቶም ዝለዓሉ መዝታት ቤተክርስትያን እውን ስለዝለክፍ እዩ። ሎሚ ኢየሱስ ዘጠንቅቀና ከኣ እዚ እዩ። ከምኡ እውን ጸሎትን ምግባረ ሠናይን ጾምን ንረኣዩለይ ስምዑለይ ክግበሩ ይከኣል። ኣብ ኩሉ ተግባራት ዋላ ኣብቲ ዝበለጸ ሠናይ ተግባር እዚ ሕማም እዚ ክስወር ክሕባእ ይከኣል። ስለዚኸስ ልብና ሓራ ኣይኮነን ከመይ ፍቅሪ ኣቦን ፍቅሪ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣይኮነን ሃሰስ ዝብል እንታይ ደኣ ሰብኣዊ ናእዳ ጣቅዒት ሕዝብን ውዳሴ ከንቱን ይደሊ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔርስ ይኹን ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትን ኣሓትን ንገዛእ ርእስኻ ከይተረፈ እውን ኩሉ ናብራ ሓሶት ክኸውን ይኽእል። ስለዚ ኸኣ እዩ ሎሚ ቃል ኣምላኽ ንዘሎና ኣምሰሉነት ንምርኣይ ናብ ውሽጢ ገዛእ ርእስና ተመሊስና ንመልክት እንክብል ዝዕድመና። ነቲ ሃርር እንብሎን ንሸፋፍኖን ኣምሰሉነታትና ክንፍውሶም ንፈትን። ኣይሓስመናን እዩ።
ሓሙዂሽትኸስ ናይቲ ንውዳሴ ከንቱ ሃረር እንብሎ ዓስቢ ዓለም ሓቢእዎ ዘሎ ከንቱነት ኣብ ቃልዕ ብርሃን የውጽኦ። ዓለማውነት ከም ሓሙዂሽቲ ምዃኑን ብንፋስ ከምዝብተንን ንዝክር ኢና። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብ ዓለም ዘሎናዮ ንንፋስ ዘይኮነ ነቲ ጽምኢ ዘለዓለማውነት ዘለዎ ልብና ንክንስዕብ እዩ። ዘመነ ጾመኣርባዓ ናብ ሕይወት ንክንምለስ ብጐይታ ዝተዋህበና ግዜ ኰይኑ ብውሽጥና ተፈዊስና ናብቲ ዘይሓልፍ ዓስቢ እግዚአብሔር ኣቦ ዝኾነ ናብ ፋሲካ ገጽና እንጐዓዘሉ ግዜ እዩ። ጒዕዞ ፍወሳ ጒዕዞ ምድሓን እዩ። ንኩሉ ብቅጽበት ንምልዋጥ ዘይኮነ ዕለት ዕለት ብሓዲስ መንፈስ ንምባር ዝተፈላለየ ኣገባብ ምጥቃም እዩ። ነዙይ ንምግባር ጸሎት ምጽዋት ጾም የገልግሉና። ብሓሙዂሽቲ ጾመኣርባዓ ነዚሕና ካብ ግብዝና ኣምሰሉነት ነጺሕና ምሉእ ሓይልና ዳግም ንረክብ፣ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ኣሕዋትናን ምስ ገዛእ ርእስናን ሕያው ርክብ ዳግም ከምዝብገስ ንገብር።
ትሕቲ ጸሎት እታ ብምስጢር ትግበር (ማቴ 6.6) ኣብ ውሽጢ ገዛኻ ተሓቢእካ ትግበር ኮይና ደገኣዊ ሕይወትካ ከም ዝዕምብብ እትገብር ምሥጢር እያ። ምውቅ ናይ ፍቅርን ምትእምማን ምውሳእ ኰይኑ ንልቢ ዝኸፍትን ዘጸናንዕን እዩ። ልዕሊ ኩሉ ኣብዚ ዘመነጾመኣርባዓ ንመስቀለ ክርስቶስ እናጠመትና እቲ ልቢ ዘንቀሳቅስ ርሕራሔ እግዚአብሔር ክወረና ብምፍቃድ ኩሉ ቊስልታትናን ቊስልታት ዓለምን ኣብ ኣቊሳሉ ነቅርቦ። ከይተሃወኽና ኣብ ቅድሚኡ ብሱቊታ ንቀመጥ። ነታ ምስ ጐይታ ጥቡቊ ርክብ ብምግባር ናይ ዝዕለል ፍረ ዝመልኦ ቊምነገር ዳግም ሃሰስ ንበሎ። እግዚአብሔር ናይ ኣምሰሉነት ምብልጭላጭ ኣይቅበሎን እዩ፣ ንኣምላኽ ደስ ዝብለስ ብምሥጢር ኣብ ገዛኻ ተዓጺኻ ምጽላይ እዩ። እዚ ምሥጢር ፍቅሪ እዚ ካብ ዝኾነ ትምክህትን ናይ ጃህራ ቃላትን ብጣዕሚ ርሑቅ እዩ።
ጸሎት ሓቀኛ እንተዀይና እንትርፎ ናብ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ማለት ምጽዋት ናብ ካልእ ክትልወጥ ኣይከኣልን። ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ከኣ ካብቲ ዝሓሰመ ጸገማት ገዛእ ርእስና ሓራ ተውጽኣና። እታ ብሓሙዂሽቲ ዝነጽሐት ምጽዋት ጾመኣርባዓኸስ ናብቲ መሠረታዊ ዝኾነ ጉዳይ ማለት እንክትምጽውት ብዓቢ ሓጐስ ከምእትገብሮ ትገብረና። ካብ ረኣዩለይ ስምዑለይ ርሒቅካ እተቅርቦ ምጽዋት ንልብና ሰላምን ተስፋን የስንቅ። ጽባቄ ምሃብ ምቅባል ምዃኑ ገሊጹ ከኣ ሓደ ዓቢ ምሥጢር ከምእንድህስስ ይገብረና፣ እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ግሐ ተመልኪቱ ዘሎ ‘ምሃብሲ ካብ ምቅባል ብዝበለጽው ንልብና የሐጒሶ’ (ግሐ 20,35)።
ኣብ መወዳእታ ጾም ንመልከት። ጾም ማለት ሥርዓተ መግቢ ምልዋጥ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ካብቲ ኣካላዊ ብቅዓት ክነርኤ እንቃለሶ ሥጋዊ ጣዕሚ ሓራ ኣውጺኡ ንኣካላትና ዘይኮነ ንመንፈስና ቅርጺ ከምዝሕዝ ይገብሮ። የውጽኣና። ጾም ንነገራት ቅኑዕ ዋጋኦም ከም እንህብ ይገብረና። ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ ጾም ሕይወትና ብሓላፊ ዓለም ከምዘይትግዛእ የዘካኽረና። ጾም ኣብ መግቢ ጥራይ ኣይውሰንን። ኣብ ዘመነጾመኣርባዓ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ወልፊ ካብ ዘትሕዘና ነገራት ክንጸውም ኣሎና። ነፍስወከፍና ነዚ ነስተንትን እሞ ኣብ ጭቡጥ ብዝኾነ መነባብሮ ሕይወትና ዝጭበጥ ጾም ነዘውትር።
እንተኾነ ሽሕ’ኳ ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን ብስውር ክበስሉ እንተለዎም ሳዕቤኖም ወይውን ፍረኦም ግን ስውር ኣይኮነን። ጸሎትን ጾምን ምጽዋትና ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ንኩልና ፈውሲ እዮም። ከመይ ታሪኽ ክልውጡ ይኽእሉ። ቅድሚ ዝኣገረ ነዚ ንፍረኦም ዘስተማቅር ከይተረድኦ ናብ ካልኦት እውን የመሓላልፎ። ልዕሊ ኩሉ ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትናን ሕይወት ዓለምናን ንክዋስእ ዘፍቅዳ ቀንዲ መንገድታት እየን። ናይ መንፈስ ኣጽዋር ኮይነን ኣብዛ ስለኡክራይና ጸሎትን ጾምን እነቅርበላ ዕለት እዚኣ ነታ እግዚአብሔር እንተዘይኮኑ ደቂሰባት በይኖም ክበጽሕዋን ክሓንጽዋን ዘይክእሉ ሰላም ክህበና ንማህለል።
ኦ ጐይታ ንስኻ ብምሥጢት እትርእን ክንዮ ትጽቢትና ዓስቢ እትህብን ኢኻ እሞ ጸሎት እቶም ብኣኻ ዝእመኑ ስማዕ፣ ልዕሊ ኩሉ ናይቶም ትሑታትን ኣብ ብርቱዕ ፈተና ዝርከቡን ናይቶም ዝሳቀዩን ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ደብዳብ ኣጽዋር ዚሃድሙን ጸሎት ስማዕ። ኣብ ልብታት ሰላም ኣንብር ንመዋዕልና ሰላም ሃበና ከማኡ ይኹን።