ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ዩክረይን ብሓባር ንጸሊ! ምብጻሕ ኣብ ልኡከ መንግስቲ ሩሲያ
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንተፊክስ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ምእንቲ ህዝቢ እታ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገረ ዩክረይን ክጽለ ከም ዝሓተቱን ዕለት 25 ለካቲት ንጐሆ ኣብ ጐደና ኮንቺሊያዚዮነ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ልኡከ መንግስቲ ህንጻ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ልኡከ መንግስቲ ሩሲያ ንፍርቂ ሰዓት ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን ነቲ ዕለት 24 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፍጸም ዘሎ መጥቓዕትን ተተሓሒዙ ዝኽሰት ዘሎ ኵነታት ብጥንቃቔ ይስዕብዎ ከም ዘለዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ለካቲት ናብቲ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ ፈደራላዊት ሩሲያ ልኡከ መንግስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ናይ ሃገረ ሩሲያ ልኡከ መግንስቲ ኣለክሳንደር ኣቭዲቭ ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ምስ ልኡከ መንግቲ ኣቭዲቭ ሰለሳ ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ርክብ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ። ቅዱስነቶ ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን ድሕሪ ቐትሪ ናብ ኡክራይን ርእሰ ከተማ ኪየቭ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ብስልኪ ከም ኣተራኸቡ ኣብ ኡክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ከም ዝሕብሮ፥ ቅዱስነቶም ንህዝቢ ዩክራይን ቅርበትን ደገፍን ጸሎትን ኣረጋጊጾም ቡራኬኦም እውን ከም ዘመሓላለፉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ጸሎት ምእንቲ ዩክረይን
ር.ሊ.ጳ. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዝርከብ ኣድራሻኦም ኣቢሎም በቲ ብዓሰርተ ቋንቋታት ብዝትርጐም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቢሎም፥ ኵሉ ምእንቲ ዩክረይን ክጽሊ ተመሕጺኖም ነታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ጠቒሶም፥ “ውግእ ንዓለም ካብቲ ክረኽባ እንከሎ ካብ ዝነበረቶ ዝያዳ ዝኸፈአት ገይሩ እዩ ዝሓድጋ። ውግእ ኣብ ፖለቲካን ደቅሰብን ዝፈሸለ ዘሕፍር ኢድካ ምሃብ ከምኡ እውን ኣብ ቅድሚ ሓይልታት እከይ ስዕረት እዩ” ከም ዝበሉን እዚ መልእኽቲ እዚ ብቋንቋ ዩክረይንን ሩሲያን እውን ከምእ ተተርጐመ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዕለት 23 ለካቲት ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ለካቲት ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ህልው ኵነታት ዩክራይን እቲ ኣብቲ ከባቢ ናብ ውግእ ዝቕየር ዝመስል ውጥረት ኣናሓሰቡ ውግእ ኣብ ልቦም ዓቢይ ሓዘን ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም፡ ኣብ ዩክረይን ሰላም ክረጋገጽ ተማሕጺኖም ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሰሙናት ናይ ክሌኣዊ ስነ መላ ርክባት ጻዕርታት ይቕጽል እኳ እንተሃለወ ቅዱስነቶም “ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘሰምብድ ፍጻመታት ዝኸፍት ኵነታት እዩ ዝርአ ዘሎ” ቢሎም እዚ ኸኣ “ዅሉ ህዝቢ ዓለም ጓህን ስቓይን ክስምዖ ዝገብር እዩ” ከም ዝበሉን፥ እንደገና ናይ ኵሉ ሰላም በቲ ናይ ወጋኒ ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሰላም ደኣ እምበር ናይ ውግእ ዘይኮነ እግዚኣብሔር ሕልናኦም ኪምርምሩ ንዅሎም ነቶም ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዘለዎም እምሕጸን ከም ዝበሉ ክዝከር እንከሎ። ዕለት 2 መጋቢት ናይ 2022 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም ዝኣትወላ መዓልቲ፥ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ክፍጸም ከም ዝሓተቱን ኵሎም ምእመናን በታ መዓልቲ እቲኣ ንጾምን ንጸሎትን ኪውፈዩ ብፍሉይ አተባቦዖም ንግስቲ ሰላም ንዓለም ካብ ጽላለ ወግእ ተዕቍባ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ናይ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን መግለጺ
ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን እውን ዕለት 24 ለካቲት ቀዳማይቲ መዓልቲ ምብራዕ ውግእ ኣብ ዩክራይን፥ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዞባ ዩክረይን ወተሃደራዊ ንጥፈታት ሩሲያ ድሕሪ ምጅማሩ ብህጹጽ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምዝካር “እቲ ኵሉ ሰብ ዝፈርሆ ዘሕዝን ፍጻመታት ጋህዲ እናኰነ ይኸይድ ኣሎ” ቢሎም እንተዀነ ግን ጽቡቕ ስምዒት ዝህልወሉ ንምይይጥ ዝኸውን ግዜ ናይ ወገናት ረብሓታት ምክልኻል ዝብል ኣካይዳ ዘወግድን ይኣክል ዝብልን ነቲ ሕጋዊ ትምኒታት ኵሉ ሰብ ዘዕቍብ ከምኡ እውን ንዓለም ካብ ጽላለን ዘስካሕክሕ ውግእን ዘናግፍ ጥበብ ናይ ምጥቃም ግዜ ሕጂ እውን ህልው እዩ። ንሕና ኣመንቲ ስለ ዝዀንና ኣብ ሕልና ናይቶም መጻኢ ዓለም ኣብ ኢዶም ዘለዎም ሰባት ተስፋ ንገብር። ኣብ ዩክረይንን ኣብ መላእ ዓለምን ሰላም ምእንቲ ኪህልወና ድማ ብቐጻሊ ንጽሊ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዘተሓሳሰብዎ ዕለት 2 መጋቢት 2022 ዓ.ም. መዓልቲ ጾምን ጸሎት ምእንቲ ሰላም ዩክረይን ክካየድ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ሰላም ንምርግጋጽ ዝከኣል ኵሉ ምግባር
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ናብ ናይ ኪየቭ ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ሸቭቹክ ብስልኪ ዘካየድዎ ርክብ ትሕዝቶ ኣማእኪሉ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ ቅዱሰንቶም ንሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሸቭቹክ ብዛዕባ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኵነታት ዩክረይን ሓበሬታ ክህብዎም ከም ዝሓተቱን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ዝከኣሎም ክግበሩ ምዃኖም እውን ከም ዘረጋገጹሎም ኣብ ዩክረይን ናይ ግሪኽ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኰይና ትሕቲ ምድሪ ካቴድራል ኪየቭ ንህዝቢ መዕቈቢ ክኸውን ምግባራ እውን ኣመስጊኖም ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ዩክረይን ከእ እባርኽ ከም ዘብሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።