ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር መንፈስን ስነ ጥበብን፥ ዘርኢ ተስፋ ኢኹም ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር መንፈስን ስነ ጥበብን፥ ዘርኢ ተስፋ ኢኹም 

ር.ሊ.ጳ. ንማሕበር መንፈስን ስነ ጥበብን፥ ዘርኢ ተስፋ ኢኹም

“ምሕረት ኣምላኽ ዓብይ እዩ! ንሓድሕድና ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና እንተ ተቐቢልናዮ ከኣ ይቕረ ይብለናን ንቕድሚት ክንስጒም የብቅዓና”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንማሕበር ቤተ መንፈስን ስነ ጥበብን ኣባላት ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥ ቅዱስነቶም ነቶም ናይቲ ዘይምኸሰባዊ ማሕበር ኣባላት፥ ዘርኢ ተስፋ ኢኹም ቢሎም፥ እቲ ማሕበር “ክርስቲያናዊ እምነት ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣድላይነት ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን ከምኡ እውን ኣብ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘተኰረ ተራ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣቢሉ ዕብየት ናይቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ድኻታት ምትብባዕን ምስናይን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘቃልሕን ዝነብርን ምዃኑ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕላማ እቲ ማሕበር ኣሕዋትን ኣሓትን ተውህቦኦም ብባህላውን ስነ ጥበባውን መገድታት ኣቢሎም ክገልጹን ብምድጋፍ ክብረቶም ንምምላስ ዝብል ክኸውን እንከሎ ቅዱስነቶም ንዅሎም ነቶም ኣብዚ መደብ እዚ ዝሓብሩን እቲ ማሕበር ኣብ ዝሕንጽጾ ንጥፈታት ዝሳተፉን ከምኡ እውን ክኢልታት ስደተይናታት ብዘለዎም ተውህቦ ኣቢሎም ብምስታፍ ንዝህብዎ ኣበርክቶ ኣመስግን ቢሎም ንዅሎም ነቶም ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ኢጣሊያ ንእሱራት ብባህላዊ መደባት ኣቢሎም ቅርበቶም ተስፋታቶም ንዘካፍሉ ዘኪሮም ስለ እቲ ሰናይ ግብሪ አመስግን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘርኢ ተስፋ

ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት “ዘርኢ ተስፋ” ብምዃን “ነቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ጓሓፋይ ባህሊ ዝጻረር እተቕርብዎ ኣገልግሎት ኣገዳሲ እዩ እሞ ስለ ኣገልግሎትኵም ኣመስግን፥ ዝተናዕቀን ዝተደርበየን ‘ ኣእማን’ ኣኻኺብኵም ማሕበራዊ ምሕዝነት ዝምስረተሉ ቤት ኣብ ምሕናጽ ኢዅም እትዓዩ ዘለዅም ቢሎም፥

ኵሉ ነገር ቀሊል ኣይኰነ ኵሉ ዕምቡብን ጽገሬዳ ከም ዘይኰነ ንፈልጥ ኢና፡ ነፍሲ ወከፍና ድሩታት ኢና፥ ዓቕምናን ጌጋታትን ሓጥእ ኢና!

እንተዀነ ግን “ምሕረት ኣምላኽ ዓብይ እዩ! ንሓድሕድና ኣሕዋትን ኣሓትን ኴንና እንተ ተቐቢልናዮ ከኣ ይቕረ ይብለናን ንቕድሚት ክንስጒም የብቅዓና” ብምባል ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን ምስ ዛዘሙ እቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ብሜድትራኒያ ባሕሪ ኣቢሎም ኢጣሊያ ዝኣተዉ ስደተይናታት ካብ ዝተጓዕዙለን ኣረገውትን ንኣሽቱን ጀላቡ ካብ እተወስደ ዕንጨይቲ ብዝተሰርሓ መሳርዕ ሙዚቃ “ናይ ባሕሪ መሳርዕ ሙዚቃ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተደርሰን ዝተቐርጸን ፊልም ድሕረ ባይታ ዝጥቀመሉ ብኢጣሊያ ኒኮላ ፒዮቫኒ እተደርሰ ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ንኽብሪ ቅዱስነቶም ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 Feb 2022, 17:07