ድለ

2019.09.17 Papa Francesco incontra Sua Santità Bartolomeo I, Patriarca Ecumenico di Costantinopoli 2019.09.17 Papa Francesco incontra Sua Santità Bartolomeo I, Patriarca Ecumenico di Costantinopoli 

ንዘመደ ኣዳም ንምድጋፍ ብሓባር ምጒዓዝ የድሊ! ር.ሊ.ጳ ንፓትርያርክ በርጠለሜዎስ

ብፁዕን ቅዱስን ኢኩመነካዊ ፓትርያርክ ቊስጥንጥንያ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ በተረ ሥልጣን ፕትርክና ካብ ዝሕዙ መበል ሠላሳ ዓመቶም ይዝክሩሉ ኣብ ዘለው እዋን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ዘመንና ህጹጽ ግድላትን ንምግጣሞም ዘድሊ ምኽሪ መንገዲ ሓፈሻዊ ዕርክነትን ሕውነትን ከምዝኾነ ዓለምና እዘን ሃብታት እዚ ካብ ማንም ግዜ ሕጂ ከምዘድልይዋ ብምግላጽ ናይ እንቋዕ ኣብቅዓኩም መልእኽቲ ርእየት ከምዝለኣኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ንብፁዕነቶም በቲ ልሙድ ኣጸዋውዓ ማለት ‘ሓውይን ዓርከይን’ ክብሉ ድሕሪ ምጥቃስ ምሉእ ጥዕናን ቅሳነትን መንፈሳዊ ታሕጓስን ክህልዎም ዘለዎም ሠናይ ሕውነታው ብምግላጽ መልእኽቶም ብምጅማር ንፓትርያርክነት ካብ ዝምረጹ ሠላሳ ዓመት ንዝሃብዎ ኣገልግሎት ብምስጋና ዘኪሮም። ቅድሚ ዝኣገረ ነቲ ሕይወትን ጥዕናን ሂቡ ነዚ ዘብቅዖም እግዚአብሔር ብምምስጋን ምስ ብዙሓት ሠናይ ዝምነዩሎም ኣዕሩኽቶም ኰይኖም ነዚ ምስጋና እዚ ብምቅራቦም ምሳኦም ኰይኖም ንኩሎም ከምዘመስግኑ ገሊጾም።

ነቲ ፍጻሜ ናይ ምስጋና ኣብ ኣርናቩትኮይ ዝበሃል ኣዳራሽ ማሕበረሰብ ከተማ እስጣንቡል ከምዘብዕልዎ እንክምልከት ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ እምነታትን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ናይ እንቋዕ ኣብቅዓኩም መልእኽታት ከምዝወሓዙን ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና የመልክት።

ሕውነት ዝዓሰሎ ዕርክነት!

ቅዱስነቶም ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ምስ ብፁዕነቶም ብሓባር ንዝገበርዎ ጒዕዞን ምትሕግጋዝን ብምዝካር ብቀዳምነት ነቲ ንላውዳቶ ሲ ስቡሕ ኣንተ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ስዒቡ ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለምና ንምክንኻንን ንተፈጥሮ ንምዕቃብን ኣብ ዝተገብረ ጒዕዞ ከም ሓውን ዓርክን ኣብ ጐድኖም ኰይኖም ንዘርኣይዎ ምትሕግጋዝን ደገፍን ብምምስጋን እዚ ዕርክነትን ምሕዝነትን እዚ ኣብቲ ጽንኩር ግዜ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዙሕ ከምዝሓገዘ ኣመልኪቶም። እዚ ሕውነት ዝዓሰሎ ዕርክነት እዚ ዘፍረዮ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ እምነታት ብክፉት ልቢ ዘተ ንምፍጣርን ንዕርቀ ሰላምን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ እውን ዘኪሮም።

እዚ ምሕዝነት እዚ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ምስ ጨበጡ ብኡ ንብኡ ከምዝጀመረን ኣብ ሮማ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለምና ብሓባር ንክበጽሑን ንክጽልዩን ንከስተምህሩን ከምዝሓገዞም ኣብ ከተማታት ቊስጥንጥንያስ ይኹን ኢየሩሳሌም ከምኡ እውን ኣብ ከተማታት ኣሲዚ ካይሮ ለስቮዝ ባሪ ብሓባር ዝሃብዎ ምስክርነት ዘይርሳዕ ምዃኑ እውን ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ካብ ዝጠቅስዎም ናይ ሓባር ጒዕዞታት ነበሩ።

ክንክን ተፈጥሮን ለውጢ ልቢ ዘመደ ኣዳምን!

ነዞም ክልተ ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖታት ከተሓባብሮም ካብ ዝከኣሉ ብዙሕ ነጥብታት ብቀዳምነት ዝጥቀስ እቲ ንከባብን ተፈጥሮን ናብ ዕንወት ዝመርሕ ዘሎ ጠባይ ደቂሰባትን መነባብሮን ብእዋኑ ክግታእን ቅልጡፍ ለውጢ ክግበርን ዝብል ሳህሮ ምዃኑ እንክምልከት ነዚ ሎሚ ከም ሎሚ ንደቂ ሰባት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዘጨንቅ ዘሎ ብደሆታት ንምግጣም ሓባራዊ ጒስነታዊ ሓላፍነቶም ብምሽካም ዝተኻእሎም ከበርክቱ ንምቅላስ ግዜ ኣይወሰደሎምን።

ቅዱስነቶም ነዚ ስንድውነትን ተወፋይነት ፓትርያርክ ብምስጋና ብምስጋር ስለ እቲ ብዛዕባ ተፈጥሮን ንምዕቃቡ ዘድሊ ጒዳያትን ኣመልኪቶም ንዘቅረብዎ ኣስተንትኖ ብኣድናቆት ከምዚ ክብሉ ጠቂሶም።

ለበዳ ኮቪድ 19 ምስ ወረረና ነቲ ዘስዕቦ ድራማቲካዊ ሳዕቤን ጥዕናን ማሕበረሰብን ቊጠባን ንምምልካት ፓትርያርክ በርጠለሜዎ ዝሃብዎ ምስክርነት ምናዳ ኸኣ ወዲሰብ ነዚ ግድል እዚ ንምፍታሕን ንምስጋሩን መንፈሳዊ ለውጢ ከምዘድልዮ ዓቲቦም ዘስተምሃርዎ ወደር ኣልቦ ኣበርክቶ ኰይኑ ብዙሕ ፍረ እውን ኣፍርዩ ኢሎም።

ሓቂ ተኣንጊብካ ብፍቅሪ ምዝታይ!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ዝዘዘርዘርወን ናይ ሓባር ዓወታቶም ምጽንናዕ ዕርቂ ምድግጋፍ ዝብላ ኰይነን እዘን ዓወታት እዚኤን ንዓለምናን ንቤተክርስትያናን ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ ካብ ዘበርከተወን ወደር ኣልቦ ሃብታት ኰይነን እታ ዝለዓለት ግን ሓቂ ተኣንጊብካ ዝግበር ፍቅራዊ ዘተ ዝኸፈቶ ፍኖተ ዕርቂ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ዝዓበየ ኣበርክቶ በርጠለሜዎስ ፍኖተ ዕርቂ ኰይኑ እዚ ብፍቅርን ብሓቅን ዝግበር ዘተ ኣብ መንጎ ኩሎም ብክርስቶስ ዚኣምኑ ኣሕዋት ዕርቂ ክፈጥርን ምሉእ ሓድነቶምን ከውሕስን ዝኽእል ጐዳና እዩ። በዛ ጐዳና እዚኣ ኸኣ ብርግጽ ብሓባር ክንጐዓዝ ንደሊ ኢሎም። ኣብ መንጎና ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስትያናትናን ዘሎ ምቅርራብን ምድግጋፍን ኣብ ሓባራዊ ሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ዝተመሥረተ እዩ። መላእ ዘመደ ኣዳም ዓለምና እዚ ብግዲ የድልዮ ኣሎ ኢሎም።”

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 21 ጥቅምቲ 2021 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ መልእኽቲ ጽሒፎም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ካብ ክሊማዊ ለውጢ ጀሚርካ ንዓለምና ዘሸግሩ ብዙሓት ግድላት ንምልቃቅ ዕርክነት ክድልድል ምትሕብባርን ምድግጋፍን ከኣ ብግዲ ከምዘድሊ ገሊጾም ነበሩ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
11 Feb 2022, 12:45