ስለ ድሕነት ነፍሳት ውፉይ ኣናዘዚ! ር.ሊ.ጳ ንነፍሰኄር ካርዲናል ደ ማጂስትሪስ እንክዝክሩ
ዜና ቫቲካን!
ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሃብዎም ብዙሕ ኣገልግሎታት ኣብ መወዳእታ ዓመታት ዓቢይ መናዘዚ መንበረ ጴጥሮስ ኰይኖም ንነዊሕ እዋን ምስ ኣገልገሉ ኣብዘን መወዳእታ ዓመታት ኣብ ትውልዲ ቦታኦም ካጝልያሪ ኰይኖም ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ትኽክል ንምዃን ዕለት 23 ለካቲት መበል 96 ዓመት ልደቶም ከብዕሉ ትጽቢት እናተግበረሎም እዮም ብዕረፍቲ ጻድቃን ዘዕረፉ። ቅዱስነቶም ዕረፍቶም ምስ ሰምዑ ናብ ናይ ሰበኻ ካጝልያሪ ሊቀጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጁሰፐ ባቱሩ ናይ ሓዘን ተለግራም እንክጽሕፉ ኣብ መልእኽቲ ጐይታ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ንብፁዕነቶም ክህብ ጸሎቶምን ምንዮቶምን ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ምግላጽ ካብ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ጀሚሮም ንቤተሰብ መዋትን ንመላእ ቤተክህነትን ምእመናንን ጽንዓት ተመንዮም። ቅዱስነቶም ኣብ ኩሉ ቅርበቶም ብምግላጽ ብዛዕባ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ደ ማጂስትሪስ እንክዝክሩ ‘ነዙይ ብወደር ኣልቦ ቅንኣት ነፍሳትን ክህነትን ዝተቀለሰ ክቡ ሓው እንክዝክር ንጐይታን ቤተክርስትያኑን ዘወፍዮ ዓቢይ ኣገልግሎት ይቅጀለኒ። በዚ ከኣ ስለቲ ኣብ ቅድስት መንበር ዘወፈዮ ለጋስ ኣገልግሎት ምስጋናይ እንከቅርብ ነቲ ምስ ቅድመይ ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘርኣዮ ጥበብ ዝመልኦ ምትሕብባር ብዓቢ ምስጋናን ኣድናቆትን እዝክሮ። ልዕሊ ኩሉ ኣብ ተልእኮ ምሥጢረ ዕርቂ ምሥጢረ ንስሓ ስለ ሠናይ ነገራት ነፍሳትን ስለ ድሕነት ነፍሳትን ዘወፈዮ ዘይሕለል ጻዕሪ ጐይታ ነዚ እሙን ኣገልጋሊ ኣብ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ይቀበሎ’ ምስ በሉ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣብ ልዕሊ ኩሎም ንመወዳእታ ዘፋንውዎም ይኹን ኢሎም።
ብሞት ብፁዕነቶም ቊጽሪ ካርዲናላት ናብ 213 እንክወርድ ካብዚኦም 119 ጥራሕ እዮም ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ እንተ እቶም ዝተረፉ 94 ግን ብገደብ ዕድመ ዘይመርጹን ዘይምረጹን እዮም።
ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ብፁዕነቶም!
ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ደ ማጂስትሪስ ኣብ ካጝልያሪ ካብቶም ሓኪም ድኻታት ዝበሃሉ ኣቦኦም ዶክተር አድሞንዶ መጨረሻ ናይ ሽድሽተ ኣሕዋት ኰይኖም ብዕለት 23 ለካቲት 1926 ዓም ተወልዱ። ብኢድ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ፓውሎ ቦቶ ኣብ ካተድራል ካጝልያሪ ዕለት 12 ሚያዝያ 1952 ዓም መዓርገ ክህነት ተቀበሉ። ኣብ ሰበኻኦምን ቫቲካንን ብዙሕ ምስ ኣገልገሉ ብ6 መጋቢት 1996 ዓም ብር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጳጳስ ተሠይሙ ብዕለት 28 ሚያዝያ ከኣ ኣብ ትውልዲ ዓዶም ተቀብዑ። ብዕለት 22 ሕዳር 2001 ሓጋዚ ዓቢይ መናዘዚ መንበረ ኑዛዜ ጴጥሮስ ኮይኖም ተሾሙ። ብ2003 ዓም ብምኽንያት ገደብ ዕድመ ካብ ኩሉ ሓላፍነታት ነጻ ኰይኖም ኣብ ኣገልግሎት ነፍሳት ጥራይ ተጸምዱ። ብ2010 ዓም ብምኽንያት ሽምግልናን ጥዕናን ናብ ትውልዲ ዓዶም ተመልሱ። ኣብ ዓዶም እውን እንተኾነ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ኣብ ካተድራል ካብ መንበረ ኑዛዜ ኣይተፈልዩን። ነዚ ትግሃት እዚ ዝተዓዘቡ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብ2015 ዓም ካርዲናል ሸምዎም።