ድለ

UKRAINE-CRISIS/CEREMONY UKRAINE-CRISIS/CEREMONY 

ውግእ ጽላለ እዩ! ር.ሊ.ጳ ንቅልውላው ኡክራይና

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሮቡዕ ዕለት 9 ለካቲት 2022 ዓም ድሕሪ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንቅልውላው ኡክራይና ኣመልክቶም ነቶም ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዕለት 26 ስለሰላም ኡክራያና ዝጸልዩ ብምምስጋን ቅኑዕ ዘተ ምእንቲ ኪካየድ ጸሎቶም ክቅጽሉ ብብምሕጻን ውግእ ጽላለ ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብ ኡክራይና ንዘንጸላሉ ደመና ውግእ ደው ንምባል ማሕበረሰብ ዓለምና እንተስ ብጸሎት እንተስ ብዘተ ዝተኻእሎ ክገብር ድህሪ ምምሕጻን ኣዕይንቶም ካብቲ ሒዞም ዝነበሩ ጽሑፍ ብምልዓል ዓይኒ ዓይኒ ነፍሲወከፍ ብምጥማት ናብ ምሉእ ዓለም ዘተኮረ ሓጺር ምሕጽንታ ‘ነዚ ኣይረስዕ ውግእ ጽላለ እዩ’ እንክብሉ ነቲ ኣብ መንጎ ኡክራይናን ሩስያን ዝጐሃሃር ዘሎ ናይ ውግእን ወረ ውግእን ሃዋሁ ኰኒኖም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝቀረብዎ ጻውዒት ጸሎት መሠረት ዝሓለፈ 26 ጥሪ 2022 ዓም ስለ ሰላም ኡክራያና ብጸሎት ንዝሓበሩ ግለሰባትን ማሕበራትን ድሕሪ ምምስጋን ገና እግዚአብሔር ሰላሙ ከውርድ ክምህለሉ በዚ ከኣ ወጥርን ምፍርራሕን ውግእ ተሰጊሮም ቅኑዕ ዘተ ክጅመርን ኣብ ምሉእ ክፍሊ ኖርማንድያ ሰላም ክነግስን ምእንቲ ኢሎም።

ጸሎት 26 ጥሪ 2022!

ቅዱስነቶም ቅድሚ ክልተ ሶሙን ብዕለት 23 ጥሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ዕለት 26 ጥሪ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ክኸውን ንመላእ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዚ ንኽሓብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኰይነ ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ኣብ መንጐ ሩሲያን ዩክረይንን ዘሎ ፖለቲካዊ ውጥረት ኣብ ዝጉሃሃረሉ ዘሎ እዋን ምእንቲ ሰላምን መራሕቲ ዓለም ናብ ሰላም ከብሉ ንጸልይ። ኵሎም ምእመናን “ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ዩክራይን ሰላም ክወርድ ብፍሉይ ክጽልዩ” ሓቲቶም ኣብዚ እዋን እዚ ሩሲያ ናብቲ ምስ ዩክራይን ዘዳብዋ ዞባ ወተሃድራታ ትእክብ ከም ዘላ ክንገር እንከሎ ቅዱስነቶም ፖለቲካዊ ውጥረትን ዘጸላልው ዘሎ ውግእን ክውገድ ሓደራ ምእንቲ ሰላም ክጽለን ጐይታ “እታ ሃገር ብመንፈስ ሕውነት ክትዓቢ ኵሉ ጒድኣትን ፍርህን ምግምማዕን ከኣ ክስገር ፍቐድ” ብማለት ክጽለን፥ እቲ ምእንቲ ሰላም ዝቀርብ ጸሎት ናብ ሰማየ ሰማያት ክበጽሕ እሞ “ሕውነታዊ ዘተ ምእንቲ ክሰፍን ኣብ ክንዲ ረብሓ ጉጅለታትን ወገናትን ሓባራዊ ረብሓ ክቕድም ንኣእምሮን ልብታትን መራሕቲ ዓለም ክትንክፍ ንማህለል’’ ቢሎም ከምዝነበሩ ከምኡ እውን ቅድሚኡ ኣብ ዘቅረብዎ ሓፈሻዊ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ፍጻሜ ‘‘ኲሉ ናብቲ ሓደ ኣቦ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚገብረና ኣቡነ ዘበሰማያት ጸሎት ንድገም” ቢሎም ኣቡነ ዘበሰማያት ብሓባር ከምዝደገሙ ዝዝከር እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መራሕቲ ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ናይ ሰላም ዘተ ኪክየድ ይጽዕራ ከምዘለዋ ምናዳ መራሒ ሃገር ፈረንሳ ማክሮን ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ነውሕ ዘተ ከምዝገበረን ተስፋ ከምዘለዎን እንክገልጽ ከምኡ አውን ዋና ጸሓፊ ሃገር ጀርመን ሾልዝን ፕረሲደንት ሃገረ ፖላንት ዱዳን እውን ላዕልን ታሕትን ይብሉ ከምዘለው ዜናታት ዓለምና የጋውሑ ኣለው። 

ብድምጺ ንምክትታል
10 Feb 2022, 12:20