ዓዲ ምሉእ ኣብ ጐድኒ ሕሙም ስደተኛን ቅርበት ሓደ ህዝቢ ንሕጻን ራያንን ዝነኣድ ሰብኣዊ ምድግጋፍ! ር
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ዘሎና ግዜ ዕለታዊ ዜናታት ኣገዳስነት ዝወሃቦም ዕንወትን ጥፍኣትን ዝበዝሖ ፍጻሜታት ቀዳምነት ረኺቡ ንወዲሰብ ኣብ ዝህውጸሉ ገለ ተስፋ ዝህብን ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ዝምስክር ብርሃን እውን ኣይተሳእነን እሞ ቅዱስነቶም ካብቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ዘይጋዋሕ ብዙሕ ናይ ምግባረ ሠናይ ምስክርነታት ብሕዝቢ ዝተበርከተ ክልተ ምስክርነታት ብምጥቃስ ክንክተሎ ዘሎና ሠናይ ኣብነት ምዃኑ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምሳኦም ሓቢሮም ጸሎተ መል ኣከ እግዚኣብሔር ክደግሙን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ክካፈሉ ንዝመጹን ም እመናንን ነጋድጋያንን ኣካፊሎም።
እታ ሓንቲ ኣብነታዊት ፍጻሜ ቅድሚ ሸው ዓተ ዓመት ካብ ሃገሩ ጋና ዝሓሸ ናብራ ንክረክብ ዝመጸ ሓደ መንእሰይ ሞንፈራቶ ኣብ ዝበሃል ከተማ ሃገረ ጣልያን ተሓጒሶ እናሠርሐ ሕይወቱ እናመርሐ ዘይምሕር ሕማም ከምዝሓዞ ምስ ተገልጾ ቅድሚ ሞቱ ናብ መረበቱ ክምለስ ብዝተማሕጸኖ መሠረት ደቂ እቲ ዓዲ ከምቲ ሃረርታኡ ቅድሚ ሞቱ ንወላዲኡ ንክርኢ ናብ ዓዱ ንክምለስ ዘድሊ ኩሉ ወጻኢታት ማለት ንመጐዓዚኡን ንዘስንዮን ዝኸውን ቲኬት ብምዕዳግ ከምዘመለስዎ ዝገልጽ ሠናይ ምስክርነት እንክኸውን ቅዱስነቶም ነቲ ቀንዲ ምኽንያት ከምዚ ክብሉ ገለጹን ኣመስገኑን።
መላእ ሕዝቢ ኣብ ጐድኒ ሓደ ሕጻን!
እታ ካልኣይቲ ድማ ዓለም ብዓለማ ትንፍሳ ሃቢኣ ክትከታተሎ ዝቀነየት ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዔላ ናይ ዝወደቀ ሕጻን እያ። ነቲ ሕጻን ንምድሓን ምሉእ ሕዝቢ ሞሮኮ ንዝገበርዎ ሠናይ ተግባር እንክዝክሩ ከኣ፤
[ ምሉእ ሕዝቢ ነዚ ሕጻን ንከድሕን ተጋዲሉ፤ ዝተኻእሎም ኩሉ ገሮም፤ ምሉእ ሕዝቢ ብጽንዓት ተጸቢዩ ተስፋ እውን ገሩ ነሩ፤ እንተኾነ ሕጻን ራያን በቲ ኣብ ግዜ ምውዳቁ ዝወረዶ መቊሰልቲ ብሕይወት ክተርፍ ኣይከኣለን፤ እንተ ነቲ ሕዝቢ ስለዚ ምስክርነት እዚ ነመስግኖ ኢሎም። ]