ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ውግእ ትርጒም ኣልቦ እዩ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ብኢጣሊያዊ ጋዜጠይና ፋቢዮ ፋዚዮ ዝምራሕ Che tempo che fa - ኵነታት ኣየር ከመይ ይመስል ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝምራሕ መደብ ተለቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ብቓላት ክትገልጾ ዘይከኣል ስቓይን ስቓይ ብኸመይ ከም ዝጽወርን ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ግሊ ህይወቶምን ኣብ ዝምልከት ጒዳይ ሰፊሕ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ውግእ ትርጒም ኣልቦ እዩ።” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሃገረ ቫቲካን መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ብቐጥታ ምስ ጋዜጠይና ፋቢዮ ቫዚዮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስታት ንዝተንክፍ ሕቶታት ሰፊሕ መልሲ ከም ዝሃቡን እዚ ኸኣ ውግእ ስደተይናታት ዕቝባ ፍጥፈረት ኣብ መንጐ ወለድን ውላድን ዘሎ ርክብ ዛዕባ ግብረ እከይን ጸሎትን ናይ ዓለምን ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ከምኡ እውን ምሕረትን ይቕረታ ኣብ ዝምልከት ሕቶታት ሰፊሕ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይ ዘይምጋዳስ ባህልን ሞት ቘልዑን
ብዛዕባ ስደተይናታት ብዙሕ ዝግደሱ ቅዱስነቶም፥ ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ እቶም ኣብ ዶብ ግሪኽን ቱርክን ብበረድ ኣብ እተሸፈነ ከባቢ ሞት ዘጋጠሞም 12 ስደተይናታት ዝገልጽ ዜና ምስ ተነግረ እዚ ጒዳይ እዚ “ምልክት ናይ ዘይምግዳስ ባህሊ” እዩ እንክብሉ ገሊጾም . . . ውግእ ጥምየት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዘስዕቦ ስደት . . . ንኣብነት ህልው ኵነታት የመን፥ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ውግእን በቲ ውግእ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ እዩ ዝንገር . . . ስደተይናታት ቈልዑ ድኻታት ዝብላዕ ዘይብሎም . . . ነዞም ኣሕዋትና ኣሓትናን እዚኣቶም ዝሕግዙ ሰባት ኣለዉ፡ እንተዀነ ግን እቲ ዘገድስ ንግድ ኣጽዋር ውግእ ስለ ዝዀነ ብዛዕባ እቲ ውግእን ሳዕቤናቱን ብዙሕ ኣይጽብጸብን . . . ንሓደ ዓመት ኣጽዋር ውግእን ንግድ ኣጽዋር ውግእ ይቛረጽ እሞ እቲ ነዚ ጒዳይ እዚ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ብዙሓት ካብ ጥምየት ምተገሉን ብዙሓት እውን ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ውሑስ ምዀነን ኮታ ብሓፈሻ መሰረታዊ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰሎም ምተኸብረ ነይሩ፡ ኣብ ገምግመብ ባሕሪ ዝሞተ ሶርያዊ ኣለን ዝስሙ ቈልዓ ንዘክር፡ ብዙሓት ዘይንገረሎም ‘ዘይንፈልጦም’ ከምኡ እውን መዓልታዊ ብቑርን ኣስሓይታን ዝሞቱን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኦም ሕስብ ነብል። እዚ እናሃለወ ክነሱ ውግእ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጒዳይ ኰይኑ ኣሎ። ቁጠባን ኤኮኖምን ብስነ ሓሳብ ውግእን ንግድ ኣጽዋር ውግእን መሰረት ዝምራሕ ኰይኑ ኣሎ።
ውግእ መጋበርያ ዕንወት እዩ
ብዛዕባ ውግእ ክዛረቡ እንከለዉ፥ እቲ ኣብ መንጐ ዩክረይንን ሩሲያን እተፈጥሪ ወጥሪ . . . ኣብ ዘፈጥረት ድሕሪ ፍጥረት ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ መንጐ ኣሕዋት እተገብረ ውግእ ነንብብ . . . ኣብ መንጐ ቃዔልን ኣቤልን ባቢሎንን እዚ ኵሉ ውግእ ጸረ ዘፍጥረተ እዩ . . . ውግእ ኵሉ ሳዕ ዕንወት እዩ ተጻይ ናይዚ ድማ ምዕያይ መሬትን ምክንኻን ውላድን ስድራ ቤት ምምሕዳርን . . . እዚ ሕብረተሰብ ምህnናጽ ማለት እዩ። ውግእ መጋበርያ ዕንወት እዩ!
ውግእ ሊቢያን ቅሉዕ መቓብር ኮይኑ ዘሎ ባሕሪ መዲትራኒያን
ስደተይናታት ከም ገበነይናታት ጌርካ ናይ ምሓዝን ምምሕዳርን ኣሰራርሓ . . . ንኣብነት እቲ ኣብ ሊቢያ ዘሎ መዓስክር ስደተይናታት . . . ካብ ዘጋጥሞም ሓሳርን መከራን ንኸምልጡ ዝፍትኑ ዘጋጥሞም መዓስክር ስደተይናታት ከም ገበነይና ምርኣይን ምሓዞምን . . . ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ክህደኑን . . . ብባሕሪ መዲታራኒያን ኣቢሎም ክስግሩ ዘጋጥሞም ህልቂት . . . ነፍሲ ወከፍ ሃገር ስደተይና ናይ ምቕባል ዓቕሚ ኣለዋ . . . ስለዝ በዚ መሰረት ድማ ኵለን ሃገራት ስደተይና ኣብ ምእንጋድ እጃመን እተዘበርክታ ናይ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ህይወት ካብ ሞትን መጻወዲያ ናይ ገበን ጉጅለታትን ምተናገፈ። ስለዚ እቲ ጸገማት ናይ ፖለቲካ ጒዳይ እዩ። ነዚ ጉዳይ እዚ ናይ ፖለቲካ ዓለም ክሓስበሉ እዩ ዝግባእ።
ንኣብነት ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ጉዳይ እዚ ክሓስበሉ እናተገበአ . . . ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ዝርአ ዘሎ ግን ምጒዳል ፍትሒ ጥራይ እዩ። ብዙሓት ስደተይናታት ናብተን ባሕሪ መዲትራኒያን ዶባተን ዝዀና ሃገራት፥ ኢጣሊያን ስፐይንን ይኣትዉ . . . ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ከም ጉዳይ ኢጣሊያን ስፐይንን ገይረን ይምልከተኦ። እዚ ጌጋ እዩ . . . ነቲ እተን ክልተ ሃገራት ዘጋጥመን ዘሎ ጸገም ኤውሮጳዊ መልሲ እዩ ክወሃቦ ዘለዎል . . . ስለዚ ዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ፖለቲካ ምሕሳብ ኢዩ ዘድሊ . . . ። ኣብተን ቍጽሪ ህዝቢ ኣመና እናነከየ ዝኸደለን ሃገራት ስደተይና ሃብቲ እያቶም። ባሕሪ መዲትራኒያ ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝዓበየ ናይ መቓብር ስፍራ ኮይኑ ኣሎ . . . ።
ስቓይን ሓሳርን ሰብኣዊ ፍጥረት ምትንካፍ
እቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ከም ክውን ኣወታውን ቅቡልን ኰይኑ ዘሎ ዝማዕበለን ዘይማዕበለን ብዝብል ኣዘራርባ ዝተፈጥረ ምግምማዕ። እቲ ዝማዕበለ ኵሉ ዘለዎ እቲ ዘይማዕበለ ከባቢ ዓለም ከኣ ሞትን ምጥሓል ኣብ ባሕርን ምጥፋእ ኣብ ምድረ በዳን እዩ ዝጋጥሞ ዘሎ. . . ምንጻልን ዕሽሽ ምባልን ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ዝማዕበለ ዓለም ዘስዕቦ ሞትን ስቓይን ኣሎ። . . . መራኸቢ ብዙሓን ነዚ ሓበሬታ እዚ ከቕርብኦ እንከለዋ ነማርር ዳርጋ ሓቒ ድዩ ቢልና እውን ነቲ ክውን ነገር ኣብ ሕቶ ነእትዎ። ምርኣይን ምስማዕን ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ስቓይን መከራን ምትንካፍ የድሊ። እዚ ጅግንነት እዩ! ከምቶም ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝርአየሉ ዘሎ እዋን ህይወቶም መስዋእቲ ዝገበሩ ሓኻይምን ዓለይቲ ሕሙማንን ነዚኣቶም ሕስብ እሞ ነብል . . . ነቲ ስቓይ ክትንክፉን ምስ ህሙማን ክዀኑን ዝመረጹ እያቶም!
ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና
ብዛዕባ ምክንኻን ክንዛረብ እንከሎና ንገዛእ ርእሱ ንተፈጥሮ ክንከናኸን ከም ዘሎና እውን ዘመላኽት እዩ። ኣብ ኣማዞን ዝርአ ምብራስ ኣግራብ! እዚ ንምንካይ ኦክስጅን ዘቃልዕ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዘስዕብ ሞት ዝተፈላየ ሓምላይ ሃብትን ብዝሓ እንስሳታትን የስዕብ . . . ብሓጺሩ ተፈጥሮ ሚዛኑ የዛብዕ። . . . ኣብ ዓመት 3 ሚሊዮን ቶን ፕላስቲክ ኣብ ማያት ባሕሪ ዝድርበ ጓሓፍ . . . እዚ ኸኣ ንዅሎም እቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዚመሓደሩን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ማያት ባሕሪ ዝምንባሮም ዝዀነ ብዝሓ ህይወት የጽንት . . . ነዴናንን ሓብትናን መሬትን ሃብትታታን ምክንኻን የድሊ . . . ንዓና ክሕሸና እዩ። ዘማራይ ሮበርቶ ካርሎስ . . . እቲ ሩባ ስለ ምንታይ እዩ ዘይዝምር ንዝብል ሕቶ እንክምልስ . . . እቲ ሩባ ስለ ዘየለ ክዝምር ኣይክእልን ይብል . . . ሓቂ እዩ! ተፈጥሮ ክብሪ ኣምላኽ ከይዝምርን ከየወድስን ንገብሮ ኣሎና . . . ።
ማሕበራዊ ዓመጽ
ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮ ዝፍጸም ዓመጽ . . . ተፈጥሮ ንምቍጽጻር ንቕድሚት ንምስጓም ምዕባለን እናተባህለ ዝፍጸም ዓመጽ . . . ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ማሕበራዊ ዓመጽ . . . ናይ ምድንዳን ተርእዮታት! ብግብሪ ጥራሕ ዘይኮነ ብልሳን ዝፍጸም መጥቓዕቲ እውን ኣሎ። ሕሜታ በለካን ለኻዓካን፥ ኣባይቲ ስድራን ምቕርራብን ዝሃስይ . . . መንነት እውን እዩ ዘጥፍእ። ሓውኻ እተበደለካ ሓብትኻ እንተ በደለትካ እቲ ክትብሎ ዝግብኣካ ንኣኣ ወይ ንኣኡ ምንጋር እምበር ንሓሜት ውሉፍ ዘይምዃን። ምስቲ ዝምልከቶ ገጽ ንገጽ ተራኺብካ ናይ ምንጋር ትብዓት ክህልወና ይግብእ . . . እዚ ማሕበራዊ ዓመጽ ንምውጋድ መሰረት እዩ!
ውለድን ውሉዳትን
ቅዱስነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ጽምዋ መንእሰያት ብምትኳር . . . ወለዲ ምስ ውሉዳቶም ከዛርቡን ቀረባኦም ክዀኑን . . . ምስ ቈልዑ ጥብቂ ርክብ ክህልወና እዩ ዝግባእ . . . ወለዲ ንደቃቶም ግዜ ክህቡ ኣለዎም። ማለት ክሰምዕዎምን ክርድእዎምን መታን ምስ ደቃቶም ክጻወቱ . . . እንጊህካ ንስራሕ ትወፍርን ካብ ስራሕ ከኣ ኣምሲኻ ትምለስ . . . እዚ ናይ ውላድካ ሰዓት እዩ ዝሰርቕ . . . ኣብ ሓደ ቤት እናነበርካ ከይተራኸብካ ምንባር ናይ እዋንና ዓቢይ ጸገም እዩ።
ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ምጥማት ነቲ ዝወደቕ ሓፍ ንኸተብል ጥራሕ እዩ
ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ክርእዮ እንከሎ ንኸተንስኦን ንኽሕግዞን እምበር ንምጭፍላቕ ወይ ንምውናን ኣይኮነን . . . እዚ ግን ኣብ እዋናዊ ዓለም ዘይንርእዮ ጒዳይ እዩ። ስልጣን ወይ ሓላፍነት ካብ ላዕሊ ኴይና ናብ ታሕቲ ምጥማት ዘይኮነስ ንክተተንስኦምን ክትሕግዞም መታን ኣብ ላዕሊ ምዃን ማለት እዩ . . .
ይቕረ ክትበሃል ሰብኣዊ መሰል እዩ
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቲ ዝቐረበሎ ሕቶ ምሰረት ገይሮም፥ ብዛዕባ እከይ ዝብል ኣምር እንክዛረቡ፥ ካብ ኣምላኽ ይቕረታን ምሕረትን እዩ ዝመጻና፥ ፍጥረት ኣዳም ንምሕረት ኣምላኽ ዝተገብአ ድዩ? ይቕረ ናይ ምባል ክእለት ሰብኣዊ መሰል እዩ! ኵላትና ይቕረታ ክንሓትት እንከሎና ይቕረ ክበሃለልና መሰል ድማ ኣሎና! እዚ መሰል እዚ ብልክዕ ካብ ባህርይ ኣምላኽ እተወልደን ንሰብ ዝተመሓላለፈ ልዑል ውርሻ እዩ። ይቕረ ዝብል ሰብ ይቕረ ኪበሃል መሰል ከም ዘለዎ ረሲዕናዮ ኢና። . . .
ንጹሓን ዘጋጥሞም ስቓይ
ንጹሓንን ዕሸላትን ዘጥቕዕ ስቓይ! ክትገልጾ ዘይከኣል ዓቢይ ምስጢር እዩ . . . እግዚኣብሔር ስለምታይ እዩ ነዞም ንጹሓ ካብ ስቓይ ንምድሓኖም ኢዱ ዘአትው . . . መልሲ ዘይትረኽበሉ ሕቶ እዩ . . . እምነት ኣሎና ነቲ ኣቦ ዝዀነ ኣምላኽ ከፍቅሮ እጽዕር ኣብ ዝዀነ ኵነት ህይወት . . . ንጹሓን ስለ ምንታይ ኢያቶም ዝሳእቐዩ ዝብል ሕቶ እውን ንገዛእ ርእሰይ ብዙሕ ግዜ እየ ዘቕርቦ መልሲ ግን የብለይን . . . እንተዀነ ግን . . . ዝተወሃበና ተፈጥሮ ነቲ ሕግታት ናይ ምስዓብ ክእለቱ ስለ ዝቕየረ ብዙሕ ነገራት እውን ክቕየር ይገብር . . . ስለዚ ብሰንኪ ሰብኣዊ ድኽመት ዘጋጥም ኵነት እዩ። . . . ምስቲ ዝሳቐ ሓቢርካ ናይቲ ስቓይ ተካፋሊ ምዃን እዩ እቲ መልሱ . . . ዶስቶየቭዝኪ ከም ዝብሎ . . .
ቀሲስነትን ብልሽውናን ኣብ ቤተ ክርስቲያን
ስዒቡ እውን ብዛዕባ መጻኢ ዓለምን ቤተ ክርስቲያንን ንዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፥ መጻኢ ዓለም ከምቲ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝበልክዎ እዩ። ካልእ ምርጫ የብልናን . . . መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብታ ብስራተ ወንጌል ኣብ ዘርእስታ ዓውዲ መልእኽቲ ዝበልዎ በዚ መሰረት ከኣ ባዕሎም፥ ወንጌላዊ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ከም ዘመላኸትዎ ሓቢሮም . . . ብስራት ቃል ኣምላኽን ወንጌላዊ ሓሴትን እዩ ህልውን መጻእን ቤተ ክርስቲያን ዝነገር. . . ሎሚ እቲ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርአይ እከይ “ዕውሉም መፍነሳውነትን ቀሲስነትን” እዩ። ናይ ወንጌል ቦታ ዝትክእ ብልሽውና . . . ።
ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ጒስነትን ኵሉ ብዓቕመይን ክእለተይን ዝብል ፈተና ከምኡ እውን ኣልቦ እግዚኣብሔር ዝዀነ ሰቒለ ሕልናነትን ዝዀነ ይዅን መንፈሳውነት ብዘይ እግዚኣብሔር ባዶ እዩ . . . ብዘይ ኣካልን ስጋን ክርስቶስ ድሕነት የልቦን። ነዚ ቃል ስጋ ኮነ ከነማእከል ይግባእ። ኣብዚ ንብዙሓት ዕንቅፋት ዝኾነ መስቀልን ትስብእንት ኢዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ትማልን ልምን . . . ።
ኣገዳስነት ጸሎት
ኣስዒቦም ብዛብ ጸሎት ንዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፥ ልክዕ ከምቲ ሓደ ቆልዓ ዓቕሉን ዓቕሙን ድሩት ኰይኑ ኪስምዖ እንከሎ “ኣቦይ ኣደይ” ዝብል፡ ጸሎት ከእ ኣዓቕምናን ዘድልየና ነገራት ሓጢኣትና ምምርማር ማለት እዩ። . . . ክንየው ድሩትነትካ ምባል ማለት እዩ። ጸሎት ከምቲ ጳውሎስ ዝብሎ ንኣምላኽ ኣቦ ቢልና እንጽውዓሉ ኵነት እዩ . . . ምትእምማን ዘሀልው . . . ።
ሓቀይና የዕሩኽ
ደሓር እውን ብዛዕባ ግላዊ ህይወቶም ዝምልከት ሕቶ መሰረት ገይሮም፥ ናይ ብሓቂ የዕሩኽ እወ ኣለዉኒ . . . ውሑዳት ግና። ዓርኪ ክህልወካ ንቡር እዩ። እራኸቦምን ብዛዕባ ህይወት እውን ነዕልል . . . ስለዚ እዩ ድማ ኣክንዲ ኣብቲ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ዘሎ መንበሪ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነብር ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ክቕመጥ ዝመረጽኵ . . . ሰብኣዊ ርክባት የድልየኒ እዩ። . . .
ቍልዕነትን ሙዚቃን ተለቪዥንን
ብዛዕባ ቁልዕነቶም ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ዘሕለፍዎ ህይወትን . . . ዝምልከት ንዝቐረበ ሕቶ ኣሞርኪዞም፡ ወለዶም ካብ ኢጣሊያ ናብ ኣርጀንቲና ዝተሰዱ ፒዮሞንተናዊ ኣናስር ከም ዘለዎምን ናይ ስነ ቅመማ ምሩቕ ምዃኖምን በዚ ሙያኦም መሰረት ድማ ስራሕ ጀሚሮም ከም ዝነበሩን ናብ ስነ ሕክምና መንበረ ጥበብ ንኽኣትዉ ኣብ ምድላው እንከለዉ ጸጋ ጸዋዕታ ተቐቢሎም . . . ክሳብ ኣብዚ በጺሐ ኣለዅ ብሓይሊ ኣምላኽ ግና! . . . ።
ወትሩ ምጽላይ
ቅዱስነቶም ካብ 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዓመት ኣታሒዞም ዝኾነ ይዅን ርክባት ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ወትሩ ስለይ ጸልዩ እንክብሉ ከም ዝሓቱን እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ጋዜጠይና ፋዚዮ ንዘቕረብሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ዝኣምን ስለይ ክጽሊ ዘይኣምን ከኣ እወታዊ ሓሳባት ክሰደለይን እየ ዝምነ። ሓገዝ ኵሉ ስለ ዘድልየኒ . . . እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።