ስለ ሰላም ኡክራይና ብሱቊታ ንጸሊ! ኣብታ ሃገር ሰላም ንምንጋስ ኩሉ ጻዕርታት ይገበር! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅልውላው ኡክራይናን ከባቢኤን እናኸፍኤ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ምዕራባውያን ሃገራት ዜጋታቶም ካብታ ሃገር ክወጹ ይምሕጸኑ ኣለው። ቅዱስነቶም ግን ከምቲ ደጋጊሞም ዝበልዎ ስለ ምርግጋእን ሰላምን ሃገረ ኡክራይና ኩልና ክንጽሊ ናብ ንግሥተ ሰላም ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ብምምዕቋብ ካብዚ ኣሻቃሊ ኩነተ ቅልውላው ክተገላገል ተማሕጺኖም። ፖሎቲካውያን መራሕቲ ዓለምና ከኣ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ከይደኸሙ ክጽዕሩ ሓደራ ብማለት ነዚ ዚስዕብ ጻውዒት ኣቅሪቦም።
ተኽእሎ ኩለትናዊ ስቃይ!
ቅዱስነቶም ነዚ ጻውዒት እዚ ዘቅርቡ ዘለው ዜናታት ዓለም ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ እንተደኣ ሩስያ ንኡክራይን ወሪራ መጠን ኣልቦ ሰብኣዊ ስቃይ ኣብ ኩላ ኡክራይን ከስዕብ እዩ። ነዚ ከኣ ንፕረሲደንት ፑቲን እውን ከምዝነገርዎን ኣብ ዘመልከቱሉን እንተደኣ ዝኾነ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ከኣ ምዕራባውያን መሓዙት ኡክራይና ማዕረ ማዕረኡ ተሰናድዮም ስለዘለው ኩነታት ናብ ዝሓሰመ ተርእዮ ክልወጥ የፍርህ ኣብ ዝበለሉ ሁመት እዩ።
ዋና ጸሓፊ መንግሥቲ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን እውን ብወገኑ ‘ንሕናን መሓዙትናን ነዙ ጒዳይ እዚ ኣነጺርና ገሊጽና ኢና። እንተደአ ፕረሲደንት ፑቲን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ወሲኑ ንሕና እውን ምስ መሓዙትና ኰና ከቢድ ቁጠባዊ ማዕቀብ ካብ ምሉእ ዓለም ከምዝወርዶ ክንገብር ኢና። ሃገረ ኡክራይን ገዛእ ርእሳ ንክትከላኸል ክንሕግዛ ኢና ኣብ ምብራቃዊ ክፍሊ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ኣባላት ናቶ ማለት ናይ ሰሜን ኣትላንቲክ ምሕዝነት ድርጅት ዳግም ክነሐይሎ ኢና’ እንክብሉ ከምዝጠንቀቁ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።