ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ዝኽሪ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ምያንማር ስለ እታ ሃገር ይጽልዩ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ለካቲት ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዛዚሞም ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ ምያንማር ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ቀዳማይ ዓመት የቑጽር ከምዘሎ ዘጠቓልል ከም ዝነበረን፥ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ምያንማር ዘሎ ንሓድሕዱ ዝሰሓሓብን ዝጋጮን ዘሎ ሰልፍታት ንምትዕራቕ ክዓዪ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 1 ለካቲት ኣብ ምያንማር እተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ቀዳምይ ዓመት ከም ዘቕጸረን ቅዱስነቶም ነዚ እናሓሰቡ፥ “ነቶም ዝሳቐዩን ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ዓመጻ ከብቕዕ ደጊሞም ከም ዝጸለዩን፥
ኣቡናት ምያንማር ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ መንጐ ኣቶም ኣብ ምያንማር ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ኢድ ዘለዎም ንምትዕራቖም ክዓዪ እንክብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት እሓብር!
ቢሎም ዓለም ነቲ ስቓይ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ርእዩ ከም ዘይረኣየ ኰይኑ ክሓልፍ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ኣምላኽ ነቶም ዝሳቐዩ ከጸናንዕ እጽልይ፡ ንዅሉ ጻዕርታት ሰላም ከኣ ንኣምላኽ ብሕድሪ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ብላዕለዋይ ጀመራል ሚን ኣኡንግ ህላኢንግ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍጽም ሓደ ዓመት ንነጀው ልዕሊ 1,500 ተቓወመቲ ከም እተቐትሉን 12,000 ድማ ከም እተኣስሩ ክሕበር እንከሎ ናይ ያንጎን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ፥ “ሃገሮም ናብ ስርዓት ደሞክራሲ ክትምለስን” ደጋጊሞም ናብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን የቕርቡ እውን ምህላዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቲ ጭካነ ዝመልኦ ግዝኣት ወተሃደራዊ ስርዓት ኣይፋል ስለ ዝበሉ ብዙሓት ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓዊ ከም ዝነደዳን ኣብዚ ጽንኵር እዋን እዚ ብፍሉይ ንምእመናን ካቶሊክዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምያንማር ብቐረባ ከም ዘሰንይዎምን ኵሉ ምእንቲ ለወጢ ኣብ ምያንማር ክጽሊ እውን ሓደራ ከም ዝበሉ የዘኻኽር።