ናይ መበል 108 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መርሕ ቃል
ናይ ዘንጽል ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ናይ መበል 108 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መርሕ ቃል ምስ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብሓባር መጻኢ ምህናጽ ዝብል ምዃኑ ዕለት 22 ለካቲት ብወግዒ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ዕለት 25 መስከረም ተዘኪሩ ዝውዕል ኣህጉራዊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መዓልቲ መርሕ ቓል መጻኢ ብሓባር ምስ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምህናጽ ዝብል ክኸውን ከም ዝወሰኑን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ነቶም ብሰንኪ ግጭትን መስጐጒትን ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ኪዝክሩን ክጽልዩን ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ጸኣት ዘምጽኦ ኣጋጣሚታት ዝያዳ ፍልጠት ከሕድሩ ንምትብባዕ ኣሚቶም ዝወሰንዎ ኣርስቲ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ መላእ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣህጉራዊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መዓልቲ ክበዓል ዝጀመረ ካብ 1941 ዓ.ም. ኣትሒዙ ምዃኑ የዘኻኽር።
መጻኢ ብሓባር ምስ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምህናጽ
ብመሰረት እቲ ዘይንጽል ዕብየት ደቅሰብ ንምድንፋዕ ተባሂሉ ኣብ ቫቲካን ብድላይን ውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቖመ ናይ ዘይንጽል ኵልነተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ለምዘበን ኣህጉራዊ ናይ ስደተይናትትን ተመዛበልትን መዓልቲ ቅዱስነቶም ዝሓረይዎ መርሕ ቃል ኵላትና ንዋላ ሓደ ድሕሪት ከይሓደግናን ከይነጸልናን ንውጥን ኣምላኽ ዝሓቑፍ መጻኢ ኣብ ምህናጽ ክንካፈል ከምዘሎና ዘጒልሕ ምዃኑ ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብዚ ዕዮ ህንጸት እዚ ዘለዎም ግደ ኣፍልጦ ምሃብ ንምድንፋዕ ማለት እዩ፡ ከመይሲ ዘይንጽል ዕቤት ደቅሰብ ዘረጋግጽ ዓለም ክህነጽ ዝኸኣል በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ስለ ዝኹነ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ዝተወሃበ መግለጺ ከም እተሰመረሉን ነታ መዓልቲ እቲኣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሽዱሽተ ንኡሳን ኣርእስታት ዘለዎ ክኸውን እንከሎ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሕጅን መጻእን ንማሕበራውን ቍጠባውን ባህላውን መንፈሳውን ዕቤት ሕብረተሰባትን ኤቅለስያውያን ማሕበረሰባትን ብኸመይ ኣበርክቶ ኪገብሩ ከም ዝኽእሉ ኣነጺሮም ከም ዘብርሁ ኣፍሊጡ።
ምንጪ
ኣብ ዓዓመት እቲ ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጒዳይ ብዝከታተል ክፍሊ ኣቢሉ ብዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልን ዝምልከት ጽሑፋትን እቲ ር.ሊ.ጳ. ዝመረጽዎ መርሕ ቃልን መልእኽቶም ንመዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣሞርኵይዙ ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ብምቕራብ፡ ኣብቲ ሽዱሽተ ንኡሳን ኣርእስታት ኣማእኪሉ ናይቲ መልእኽቲ ቁዉም ነገር ዓሚቝ ምርዳእ ክህሉ ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ወፈራ ከካይድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።