ድለ

2022.02.18 Partecipanti alla Plenaria della Congregazione per le Chiese Orientali 2022.02.18 Partecipanti alla Plenaria della Congregazione per le Chiese Orientali 

ወዲሰብ ብውግእ መን ወሰደ ዝብል ዝንባሌ እንከርኢ ንኩልና ሕፍረት ዘጐልብብ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ብዙሓት መራሕቲ ምሥራቃዊ ሥርዓተኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዝተረኽቡሉ ምልኣተ ጉባኤ ክተካይድ ቀንያ ኣብ ምዝዛም ጉባኤ ኣባላት እቲ ጉባኤ ምስ ር.ሊ.ጳ ከምዝተራኸቡን ቅዱስነቶም ከኣ እቲ ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቅን ዝነፍስ ዘሎ ዘፍርህ ውግእን ወረ ውግእን ንዘመደ እንደገና ኣብ ጸልማት ከምዘንሳፍፍ ስለዝገበሮ ንኩነታት እቶም ካብዚ ከባቢ እዚ መረበቶም ሓዲጎም ዝስደዱ የጋድዶ ስለዘሎ ነቲ ሥርዓተ ኣምልኾ ዘቅረበሎም ባህሊ ምዝኽኻሮም የድሊ እንተኾነ ሓድነት ግን ወትሩ ክዕቀብ ኣለዎ እንክብሉ ክበድ ናይቲ ኩነታት ከተኩሩሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ምልስ ኢሎም ንምድሓንን ምዕቃብን ምሥራቃዊ ልማዳትን ሥርዓታትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ኣብ ምሥረታ ንምሥራቃውያን እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበርን ምሳኣ ኣብ ኲስኰሳ ምሥራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾን ታሪኽን እትነጥፍ ጳጳሳዊ ተቊዋም ምሥራቅን ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ብምስጋና ዘኪሮም። ትማሊ ክመስል ዝሓለፈ ግዝያት ብምዝካር ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ሽሕ’ኳ ካብ ዝሞቱ ሚእቲ ዓመት እንተሓለፈ እቲ ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ተቁዋማት ንምምሥራት ደይ ፕሮቪደንቲስ ማለት ብልዑል ሓልዮት እግዚአብሔር ብእትብል ሓዋርያዊት መልእኽትን ኣዋጅን ነታ ንነዊሕ ግዜ ኣይ ምስ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣይ ምስ ሥርዓተ ኣምልኾ ግሪኽ እትኽተል ሓዋርያዊት ቤተክርስትያን ኣይ ምስ ሥርዓተ ኣምልኾ እስላብ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘይኮነት ብዙሕ ማሕበራትን ባህልታትን ዝሓቈፈት ምሥራቃዋዊሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ደቃ ምንም ዓይነት ፍልልይ ከይርከብ ኩለን ማለት ላቲን ግሪኽ እስላቭን ካልእ ሃገራትን ማዕረ ኣድላይነት ከምዘለወን ንምግላጽ ነበረ። ምናዳ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ንዓለም ምሉእ ዘናወጸ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ስለዘስካሕካሖም ምንም ረብሓ ዘይርከቦ ዕንወት እንክብሉ ንውግእ ዘውገዙሉ ግዜ ምንባሩ ብዓቢ ኣድናቆት ዘኪሮም። ቅዱስነቶም ናብ ህልው ኩነታት ዓለምና ምልስ ብምባልን እዚ ንሰምዖ ዘሎና ውግእን ወረ ውግእን ምስቲ ኩነታት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብምንጽጻር ‘ከምቲ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ዝበልዎ እዚ እንትርፎ ዕንወትን ጥፍኣትን ህልቂትን ምንም ረብሓ ዘይርከቦ ውግእ ሎሚ ከም ሎሚ እውን ሕይወት ሰባት ይቀዝፍ ኣሎ’ እንክብሉ ምረቶም ገሊጾም።

ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እውን ካልኣይ ውግእ ዓለምን እዚ ሕጂ ዘሎና ኩነታት እውን ብኣገላልጻ ቅዱስነቶም ዝተቈራረመ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ምናዳ ካብቲ ክሳብ ሕጂ ንምሉእ ዓለም ኣናዊጹ ዘሎ ውግእ ኢራቅ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ንበይኖም ልሳን ቤተክርስትያን ኮይኖም ኣይፋል እናበለ ክውግዝዎን ስለሰላም ልኡኻቶም ላዕልን ታሕትን ከመላልሱን ኣብ መንጎ ኢራቅን ብሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝምርሓ ሃገራት እቲ ውግእ ምስ ተጐሃሃረ ንዝተገበረ ጻዕሪ ብምረት ከምዚ ክብሉ ዘከርዎ።

ከምዚ ሎሚ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለምና ዘሎ ውግኣት እቲ ብኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትስ ይኹን ሰብ ጽቡቅ ድላይ ደቂ ተባትዕዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝቀረበ ጻውዒት ሰማዒ ኣይረኸበን። ከምዝመስል እቲ ንሰላም ዝወሃብ ዓቢ ሽልማት ሰላም ንውግእ ዝወሃብ ይመስል! ከመይ ደለ ስግንጢር! ኣብ ውግእ ዝጠበቅና ንመስል። እዚ ከኣ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። እቲ ኣብ ሳይንስን ክልሰ ሓሳብ ብዙሕ ጽቡቅ ነገራትን ንቅድሚ ክግስግስ እየ ኢሉ ዝንየት ዘመደኣዳም . . እንተኾነ ንሰላም ኣብ ምንጋስ ንድሕሪት ገጹ ክምለስ ንዕዘቦ። ብውግእ መን ወሰደ ምባል ኰይኑ ኩነትና! እዚ ከኣ ንኩልና ሕፍረት ዘጐልብብ እዩ። ነዚ ዝምባሌ እዚ ምሕረት ክንሓትትን ክንጽልን ኣሎና ኢሎም።

“ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳን ዝነፍስ ዘሎ ንፋስ ውግእ ነቲ ሕጂስ ደሓን ኣሎና ኢልና ንቃላት መበል ሰላሳ ክፍለ ዘመን ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ምድጋምስ የብቅዕ ይኸውን ቢልና ተስፋ ኣብ ዝገበርናሉ ግዜ ዘመደ ኣዳም ገና ኣብ ጸልማት ዘዕነነኒ ይመስል። ኣብዛ ሓጻር ዘመንና ዕንወት ግጭት ማእከላይ ምብራቅ ሃገረ ሶርያን ኢራቅን ኣብ ዞባ ኢትዮጵያን ትግራይን ርኢና ገና ከኣ ኣብ ምብራቅ ኤውሮጳ ጽልእን ሓውን ዳግም እናኣጓሃሃርካ ንልቢ ድኻታትን ንጽሓትን እናኣኸርደድካ ዝግበር ዘሎ ንዕዘቦ ኣሎና። ንብዙሓት ብዘይ ዕለታዊ እንጌራ ዘትረፈ ድራማ ሊብኖስ እውን ይቅጽል ኣሎ ኢሎም።”

ስደት ምብራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኽተሉ ካቶሊካውያን!

ቅዱስነቶም ናብ ህልው ኩነታት ምብራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ምልስ ይብሉ ከም ሳዕቤን ናይዚ ኣደ ኩለን ምብራቃዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ዝኾነ ማእከላይ ምብራቅን ምሳኡ ኣብ ዝዋሰና ሃገራትን ብዝተኸስት ኩሉ ውግኣት ምሳኡ ከኣ ኣምሲልካ ምስቲ ውግእ ዝለዓል  ተጻይ ክርስትና ዝግበር ስደትን ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለምና ከዝስደዱ ገርዎም። ኣብቲ መረበቶም ኣብ ዝዓነወ ከባብን ስቃይን ዝኽሪ ናይቲ ብክንደይ ጅግንነት ዝዓቅበዎ እምነት ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ፣ እንተ ንሶምን ደቆምን ንፋስ ከምዝበተኖ ዘርኢ ኣብ ዝተፈላላየ ኣጒናድን ጨናፍርን ተኽልታት ዓለማውያን ክሳብ ኣብዝስ ይበጽሑ እዮም ኢልካ ዘይተሓስበሉ ቦታታት ተበቲኖም ይርከቡ። ካብ መረበቶም ብጣዕሚ ርሒቆም ክንደይ ባሕርን በረኻን ኣቋሪጾም ካብ ዝጐዓዙ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቊጺሮም ኣለዎ። ንጒስነቶም ቢልና ኣብ ካናዳ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ንጒስነቶም ዝቆማ ናይ ሃገረ ስደት ኤጳርቅናታት ምምልካት ይኣክል። እተን ገና ክነርክበለን ዘይከኣልና ከኣ ኣብ ትሕቲ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኽተሉ ኣቡናት ክጸንሑ ዝወሰናዮ እውን ዝዝከር እዩ እንክብሉ ኩነታት ጒስነት ናይቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ገሊጾም።

ሥርዓተ ኣምልኾ ከም ቃል ኣምላኽን መንፈሱን ይሃንጸና!

ቅዱስነቶም ናብቲ ቅድሚ 25 ዓመት ንምሥራቃውያን እትሓሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ ሕገ ቀኖና ምሥራቃዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝእዝዞ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝወጸ ኣዋጅን ምሳኡ ስብከተ ወንጌል ብዝምልከት ኣብ መበል 25 ዓመቱ ዝተገብረ ዓውደ መጽናዕትን ዘኪሮም። ተልእኮ ቤተክርስትይን ብቀንዱ ነዚ ሃብታም ባህልታት እዚ ጽን ቢላ ምስማዕ እዩ። ከመይ ኣብዚ ባህልታት ሥርዓተ ኣምልኾ እዚ ርእይቶን ትንተናን ክበጽሖ ዘይክእል ብመንፈስ ቅዱስን ብቃል ኣምላኽን ዝተዓለሰ ሥርዓተ ኣምልኾ ኣሎ። ተመኲሮ ሥርዓተ ኣምልኾ ከኣ እዚ እዩ። ነዚ ምስቲ ቤተክርስትያን ኣዊጃቶ ዘሎ ሲኖዶስ ኣጣሚሮም ንከሰጒሙ ከኣ ከምዚ ክብሉ ሓደራ ኢሎም።

“ጒዕዞ ሲኖዶስ ጒዕዞ ሓደ ፓርላመንት ኣይኮነን። ዝተፈላለየ ርእይቶ ኣቅሪብቃ ብብልጭእ ድምጺ ዝውዳእ ኣይኮነን! ፈጺሙ ከምኡ ኣይኮነን። ጒዕዞ ሲኖዶስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብሓባር ዝግበር ጒዕዞ እዩ። ምናዳ ንስኹም ኣብ ኣብያተክርስትያናትኩም ባህሊ ሲኖዶስ ዘሎኩም ነዚ ጉዳይዚ መሰኻኽሩ ኢኹም ኢሎምዎም።”

ትርጉም ሥርዓተ ኣምላኽ ንምጻር ከኣ ‘ሥርዓተ ኣምልኾ ከምቲ ምብራቃውን ምድግጋም እትፈትውዎ ሰማይ ኣብ ምድሪ ዝወርደሉ ሁመት እዩ። እንተኾነ እዚ ከም ሓደ ዓይና ኣዓሚትካ እትዕቅቦ ወይውን እትገድፎ ዘይኮነ ምእመናን ብሓባር በዚ ሥርዓት እዚ ገቢሮም ናብ ኣምላኽ የንቃዕርሩ እሞ ናብ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብሥራት ክርስቶስ ከብጽሑ ግድነቱን ሕጹጽነቱን ይስምዖም።

ምፍልላይ ኣወጊድካ ነንሕድሕድካ ጽን ምባል!

ቅዱስነቶም ኣብ ምድምዳም ማዕዳኦም ንኩሎም ኣባላት ስለእቲ ኣብዚ ዕለታት እዚ ዝገበርዎ ምናዳ ከኣ ምስተን ካልኦት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስት መንበርን ብምትሕብባር ንዝገበርዎ መጽናዕትን ጭቡጥ ምልክት ሲኖዶስ ብሓባር ምጒዓዝ ምዃኑ ብምምልካት ነንሕድሕዶም ጽን ቢሎም ክሰምዖም ሓደራ ኢሎምዎም።

ኣብ ኣሰራርዓ እቲ ብሲኖዶሳትኩም ብሓዋርያዊት መንብርን ዝጸደቅ ሥርዓት ብውህደትን ሓድነትን ክስራዕ ኣለዎ። ፍልልይ ዘምጽእ ዘበለ ወጊድ በልዎ። ብውህደትን ሓደንትን ሥርዓተ ኣምልኾ ምስክርነት ምሃብ ኣድላዪ እዩ። ነቶም ነቶም ምብራቃውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣሕዋትና እውን ምስቲ ምሳኦም እንካፈሎ መጽሓቲ ሥርዓተ ኣምልኾ ዓቢ ምስክርነት እዩ። ኣብ መንጎ ኣርድእቲ ክርስቶስ ዝኾነ ፍልልይ ክህሉ ኣይተፍቅዱ። ዓለምና ምስክርነት ውሀደትን ሓድነትን ኣመንቲ ክርስቶስ የድልዮ ኣሎ። እንተዘየሎ ናይቲ መምህር ምፍልላይ ጸወታ ክንጻወት ኢና እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 Feb 2022, 13:55