ድለ

FILE PHOTO: A combine harvests wheat in a field in the settlement of Sredniy FILE PHOTO: A combine harvests wheat in a field in the settlement of Sredniy 

ሠናይ ዘርኢ ካብ ምዝራእ ኣይንሰልኪ! መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንጾመ አርባዓ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንጾመ አርባዓ ዝኸውን መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ እንክምልከት መበገሲ ጽሑፎም ንክልተ ዓመት ምስ መመላእታ ንምሉእ ዓለም ዝድህኽ ዘሎ ለበዳ ብምዝኽኻር ‘ለበዳ ኮቪድ 19 ግላውን ማሕበራውን ተኣፋፍነትና በእዳውና ከም እንትንክፎ ገቢሩና፤ እዚ ናይ ሎምዘመን ጾመ አርባዓ ምጽንናዕ እምነት እግዚኣብሔር ንምስትምቃር ይሓግዘና፤ በይኑ ዝድኅን ዋላ ሓደ የልቦን፤ ብዘይ እግዚኣብሔር ዝድሕን ከቶ የልቦን’ እንክብሉ ነፍስወከፍና ነዚ ምሩጽ ግዜ ድሕነት ክንጥቅመሉን ፍረ ክነፍርየሉን ተላብዮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ መልእኽቶም ‘ዘመነ ጾመአርባዓ ምሩጽ ግዜ ናይ ተሓድሶ እዚ ከኣ ንግላዊ ተሓድሶስ ይኹን ንማሕበራዊ ተሓድሶ ዝጠቅም ኰይኑ ናብቲ ም እንታን ዝሞተን ዝተንሠኤን  ክርስቶስ ፋሲካ መሪሑ የብጽሓና’ እንክብሉ ቀንዲ ጥቅሚ ጾመአርባዓ ገሊጾም፤ ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ቀንዲ ጸገማት ደቂሰባት ንምግላጽ ‘ኣብ መነባብሮ ደቂሰባት ስስዔን ትዕቢትን ወትሩ ዝስዕዕሩ ፈተናታት ኰይኖም ናትናን ዘይናትናን ክንእክብን በይንና ክንብሕቶን ሓያል ባህጊ ይፈጥሩልና፤ ዘመነጾመአርባዓ ግን ኣተሓሳስባናን ስምዒትናን ንክንለጥ ንንስሓ ይ ዕድመና፤ በዚ ከኣ ሕይወትና ነቲ እግዚኣብሔር ዝዓደንና ሓቀኛ መንነታን ኣብ ህርፋንን ም እካብን ዘይኮነ ኣብ ልግስን ምስ ካልኦት ንዘሎካ ምምቅቃልን ሠናይ ዘርኢ ምዝራእን ምዃኑ ንግንዘብ’ ኢሎም።

“ሠናይ ነገር ንምግባር ኣይንሰልኪ፤ እንተዘይተጸለኣናስ ኣብ እዋኑ ክንዓጽድ ኢና፤ ግዜ እንከሎና ንኩሎም ሠናይ ንግበር (ገላ 6.9)”

ምዝራእን ምዕጻድን!

ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኣብ ግዜኡ ንምዕጻድከስ ኣብዚ ዝተዓደለና ምሩጽ ግዜ ዘመነጾመኣርብዓ ዝቀርበልና ጻውዒት ‘ነታ ንመነባብሮና ፈርያም እትገብር ቃል እግዚኣብሔር ሃንጐፋይ ቢልካ ብምቅባል ንጸጋ እግዚኣብሔር መልሲ ምሃብ እዩ’ ዝበሉ ቅዱስነቶም ቀንዲ ዕላም እቲ ጻውዒት ሠናይ ዘርኢ ምዝራእ ኰይኑ እዚ ጉዳይ እዚ ከም ጸጋ እምበር ከም ጾር ክንምልከቶ ከምዘይብልና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ዘርኢ ሠናይ ተግባር ንካልኦት ክንዘርእ እንከሎና ካብቲ ዝሓቂ ኣተሓሳስባናን ግላዊ ኣምሰሉነትን ሓራ የውጽ ኣና እሞ ብነጻ ተሓጒስካ ናይ ምልጋስ እስትፋስ ንረክብ፤ በዚ ከኣ ኣብቲ ዘደንቅ ፍቅራዊ መደባት እግዚኣብሔር ንኣቱ፤ ቃለ እግዚኣብሔር ጠመተና ከምዝሰፍሕን ከምዝል ዕልን ይገብሮ፤ እታ ሓቀኛ ግዜ ዓጺድ ኣብታ ዓራርቦ ጸሓይ ዘይብላ ናይ መወዳእታ ዕለት ኣብ መወዳእታ ዓለም ምዃኑ የበስረና። እዛ ዘርኢ እዚኣ እታ ኣብ መሬት ተቀቢራ እትመውትን ብምሥጢር ሞታን ትንሣኤኣን ብዙሕ ፍረ እትፈርን ዘርኢ እያ፤ ቅዱስ ጳውሎስ ከኣ ጽቡቅ ገቢሩ ይገልጾ፤ ብዝብስብስ ይዝራ እ ብዘይብስብስ ይትንሥእ! ብሓሳረ መከራ ይዝራእ ብክብሪ ከኣ ይትንሥእ ክብል ዝገለጾ ትንሣኤ ሙታን እዩ፤ ስለዚ ሠናይ ነገር ካብ ምግባርን ካብ ምጽላይን ኣይንሰልኪ ኢሎም።”

ሠናይ ካብ ምግባርን ካብ ጸሎትን ኣይንልሰኪ!

ቅዱስነቶም መል እኽቶም ብምቅጻል ኣብዛ ብዙሕ ፈተናን ሻቅትሎትን ዘይፍለያ ዓለምናን ምስኪንነትናን ድኻምነት መጋበሪትናን ናብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጾ ጉዳይካ ጥራይ ግበር ናይ ካልኦት እንታይ ገደሰካ ንርእስኻ እስኪ ኩን ቢሉ ስቃይ ካልኦት ኣይእንታይካን እዩ ኣብ ዝብል ሸለልትነት ኪሸመካ ኣብ ዝፈታተነሉ ነዛ ሠናይ ዘርኢ ምዝራእ እትብል ጻውዒት ብከመይ ክንገብራ ንዝብል ሕቶ ከምዚ ክብሉ ይምልሱ።

እወ ብርግጽ እቲ ፈተና ኣሎ! እንተኾነ እግዚኣብሔር ንዝደኽመ ሓይሊ ይህብ ንዝሰልከየ ብዕጽፍን ድርብን ሕልናኡ የበራብረሉ፤ ዘመነጾመአርባዓ ነቲ ኣብ ጐይታ ዘሎና እምነትን ተስፋን ዳግም ንክንምልከቶ ይጽውዓና፤ ጠመተና ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ከተኲር ኣለዎ።

ጠመተና ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ የትኩር!

ቅዱስነቶም ናብታ ሓዋርያ ጳውሎስ ‘ሠናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ’ ዝበላ ቃል ምልስ ይብሉ እሞ ነዚ ንምግባር ዝሕግዘና ከኣ ነዛ ጻው ዒት እዚኣ ጸሎት ንወስኸላ እሞ ‘ንጸሎት ኣይንሰልኪ’ ንበላ፤ ከመይ ጸሎት ናይ ኩሉ ምንጪ እያ፤ ብሓይልና ዘይኮነ በቲ ንሱ ዝሃበና ጸጋን ሓይልን ኢና ዘሎናን እንቀሳቀስን፤ ስለዚ ናብቲ ምንጪ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ ደጋጊምና ክንጽሊ ኣሎና፤ እዚ ከሰልክየና ወይውን ከድክመና የብሉን፤ መጠን ዝጸለናዮ መጠኑ ክንረክብ ኢና።

ጸሎት ብግዲ የድልየና እዩ ከመይ ምስ እግዚኣብርሔ እንዋሳኣሉን እንራኽበሉን መንገዲ ጸሎት እዩ፤ ንክንህሉ ከኣ ግድን እግዚኣብሔር የድልየና፤ ካብዚ ሸትተ ቢልና ባዕልና ር እስና ንኽ እል ኢና እግዚኣብሔር ኣየድልየናን እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ህውተታ እዩ፤ እንተ ደኣ እዛ ለበዳ ኮቪድ 19 ግላውን ማሕበራውን ተኣፋፍነትና በእዳውና ከም እንትክፍ ገቢሩና እዛ ዘመነ ጾመአርባዓ ከኣ ነታ ብዘይካኣ ምንም ቅሳነት ክንረኽበላ ዘይንኽ እል እምነት እግዚኣብሔር እትህቦ ምጽንናዕ ከም እነስተማቅር ክትገብረና እያ። በይኑ ዝድሕን ማንም የለን ከመይ ኩልና ኣብ ሓንቲ ጃልባ ጃልባ ብጃልባኣ ከኣ ብማዕበል ታሪኽ ኣብ እትንዋጽ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ጃልባ ኢና እንነብር፤ ል ዕ ሊኩሉ ብዘይ እግዚኣብርሔ ዝድሕን ዋላ ሓደ የለን ከመይ ኣብቲ ጸሊም ማይ ናይ ሞት ባሕሪ ዓወት ዝህበና ምሥጢረ ፋሲካ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ፤ ስለዚ ንሠናይ ምግባርን ንምጽላይ ዘይምስልቻው ጥራይ ዘይኮነ ምሕረትን ይቅሬታን ካብ ምሕታት እውን ኣይንሰልቹ ኢሎም።

ምሕረት እግዚኣብሔር ካብ ምልማን ኣይንሰልቹ!

ቅዱስነቶም ድሕሪ እተን ክልተ መጋበሪ ዘመነ ጾመአርባዓ ዝበልወን ሠናይ ንምግባር ንጸሎትን ኣይንሰልኪ ዝብላ መምርትታት ናብ ኩነታትና ምልስ ቢልና ሕልናና እንምርምረሉን ካብ መነባብሮ ንክፍኣት መዝሒቊና ካብ ምድርባይ ክንስልኪ ከምዘይብልና ብቀንዱ ከኣ ብምሥጢረ ንስሓ ገቢርና ምሕረት ሓጢኣትና ካብ ምሕታት ክንስልኪ ከምዘይብልና ከም ሳልሰይቲ መጋርሪት ምሕረት ኣምላኽ ካብ ምሕታት ኣይንሰልኪ ኢሎም፤ ነዚ ከኣ እግዚኣብሔር ምሕረት ምንም ከምዘየሰልክዮ ብምፍላጥን ብምእማንን ክንገብሮ ኣዘኻኺሮም።

“ንክፍኣት ካብ ሕይወትና መዝሒቊና ካብ ምድርባይ ኣይንሰልኪ ትብል ሓሳብ ምልስ ኢሎም ከኣ እዚኦም ካብ እግዚኣብርሔ ዘርሑቊና ክንቃለሶም ዘሎና ክፍኣትን ክፍኣተ ግብርን ‘ሃረርታ ሥጋና ብቀንዱ ኰይኑ ናብ ንኣይ ይጥዓመኒ ኣብ ዝብል መንፈስን ኩሉ ንወዲሰብ ናብ ሓጢኣት ዘውድቅን ኰይኑ ሎሚ ከም ሎሚ ከኣ ብወልፊ መራኸቢ ብዙሓን ገቢሩ ሰብኣዊ ርክባት ዘዕኑ ነገራት ወዘተ እዮም’ ኢሎም።”

ኣብዚ ምሩጽ ግዜ ዘመነጾመኣርባዓኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም፤ ነዘን ክፍ ኣታት እዚ አን በብሓደ ኣሪኻ ብም እላይ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ገጽ ብገጽ ኣካል ብኣካል ዝዝውተር ኩለንትናዊ ርክብን ዘተን ምትሕግጋዝን ምዝራእ የድሊ፤ ነዚ ኣብ መንጎና መን ኣሎ ዝጸገሞ ብማለት ትጅምሮ ኢሎም።

ዝተጸገሙ ሃሰስ ንበል!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ናብታ ቀንዲ መልእኽቲ ናይታ መኽፈቲ መልእኽቶም ክትከውን ዝመርጸዋ ‘ሠናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ’ ናብ እትብል ሓረግ ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ንመን መኣስ ብከመይ ዝብል ሕቶታት ዘስዕብ ናይ ግብሪ ጉዳይ ስለዝኾነ ብቀዳምነት መን ጽጉም ኣሎ ቢልካ ነቲ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ ዝብል ት እዛዝ መባእ ወይውን ሓገዝ ምውፋይ ተሓጒስና ክንገብሮ፤ ከመይ እግዚኣብርሔ ንዘራኢ ዘርኢ ንነፍስወከፍና ከኣ ንክንምገብ እንጌራ ይህበና፤ እዚ ግን ንሕና እውን ብግደና ምስ ካል ኦት ብልግሲ ክንካፈሎ ክሳብ ዝኸኣልና እዩ፤ ሠናይ ንምግባርን ዝተጸገሙ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንምርዳእን ምሩጽ ግዜ ከኣ ዘመነ ጾመኣርባዓ እዩ፤ ጽጉም ሃሰስ ክንብል ንዝጽ ው ዓና ኣቤት ኢልና ጽን ቢልና ክንሰም ዕ ሃናጺ ምኽሪ ክንህብ ብብሕትውና ንዝሳቀዩ ክንበጽሖምን ብጾት ክንኮኖምን፤ ከምዚ ምስ እንገብር ብግዜኡ ክን ዓጽድ ኢና ኢሎም።

እንተዘይሰልኪና ክንዓጽድ ኢና!

እግዚኣብሔር ወትሩ መሓርን ብት ዕግሥቲ ዝጽበ ኣቦን ስለዝኾነ ንሕና እውን ኣብዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ከምቲ ኣብ ምሳሌ ዘርእን ትዕግስተኛ ሓረስታይን  ተመልኪቱ ዘሎ ን ዓና እውን ከምቲ ት ዕግስተኛ ሓረስታይ ዘር ኡ ዘሪኡ ብት ዕግስቲ ዝጽበ ገለ ክርዳድ እንክረኤ እውን ክሳብ ግዜ ዓጺድ ዝ ዕገስ ን ዓና እውን ከይሰልከና ክሳብ ግዜ ዓጺድ ክንጸን ዕ ዘድሊ ጸጋ ንለምኖ፤ ከመይ እንተዘይሰልኪና ብግዜኡ ክን ዓጽድ ኢና፤ ንዝደኸሙ ኣሕዋትና ክንድግፍ ንዝጠፍኡ ክንደሊ ንዝተጋገዩ ክንመልስ ካብ እግዚኣብሔር ዘድሊ ጸጋ ብምልማን ምስ ቤተክርስትያን ብምሕባር ሠናይ ዘር ኢ ካብ ምዝራእ ኣይንሰልኪ፤ ነዚ ጉዳይ እዚ ጾም ነቲ መሬት የለሳልሶ ጸሎት ማይ የስትዮ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ የፍርዮ፤ ነዚ ዘረጋግጽ እምነትና እዩ እንክብሉ መል እኽቶም ዛዘሙ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
26 Feb 2022, 15:49