ቅርበትን ጸሎትን ር.ሊ.ጳ. ብምዕልቕላቕ ማይ ንዝተጠቕዔ ህዝቢ ኤኳዶር
ጐይታ ነቶም ዝተጐድኡ ከጸናንዕን ነቶም ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ንምርካብ ንዝዓዩን ነቲ ዝዓነወ ዳግም ኣብ ምህናጽ እተጸምዱ ክድግፎም እጽሊ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኤኳዶር ርእሲ ከተማ ኪቶ ብርቱዕ ዝናም ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝሳቐይ ዘሎ ህዝቢ ቅርበቶምን ጸሎትምን ዘረጋገጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፥ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 27 ሰባት እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንኣባይቲ ስድራኦምን ከጸናንዕ ንብረቶም ኣባይትኦምን ንዝባደሞምን ዝተመዛበሉን ሓገዝ ከይፈልዮም ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይ ኪቶ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣልፍረዶ ኾሰ ኤስፒኖዛ ማተዉስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ ንህዝቢ ኪቶ ቀረባ ምዃኖም ገሊጾም፡ እቲ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን መጒዳእትን ሓዘን ከም ዝፈጠረሎምን እቶም ዝተጐድኡ ሓገዝ ክረኽቡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ጐይታ ነቶም ዝተጐድኡ ከጸናንዕን ነቶም ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበ ንምርካብ ንዝዓዩን ነቲ ዝዓነወ ዳግም ኣብ ምህናጽ እተጸምዱ ክድግፎም እጽሊ፥ ቅድስተ ድንግል ማርያም ዘኤል ኵይንጨ ምእንቲ ኹሉ ህዝቢ ኤኳዶር ኣብ ቅድሚ ወዳ ኢየሱስ ተማልድ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ እመሓላልፍ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
10 Feb 2022, 17:19