ድለ

ሓገዝ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ዶብ ሊቱዋንያ ዝርከቡ ስደተይናታት ሓገዝ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ዶብ ሊቱዋንያ ዝርከቡ ስደተይናታት  

ሓገዝ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ዶብ ሊቱዋንያ ዝርከቡ ስደተይናታት

ኣብ ወቕቲ ክረምቲ 2021 ዓ.ም. በሸሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታት ካብ በላሩስ ናብ ሊትወይንያ ፖላንድ ከምኡ እውን ልትቪያን ክውሕዙ ምስ ጀመሩ እዚ ኵነት እዚ ከቢድ ቅልውላው ከም ዘለዓዓለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ዶብ በላሩስን ሊቱዋንያን መተሓላልፎ ስኢኖም ኣብ ከቢድ መከራን ቍርን ኣስሓይታ ንዝርከቡ ስደተይናታት በቲ ኣብ ሊቱዋንያ ዝርከብ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ግብረ ሰናይ ኣቢሎም ረድኤት ከም ዝለኣዅ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዘይንጽል ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝሓልፈ ቀዳም ዕለት 12 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 50 ሺሕ ኤውሮ ናብ ቪልየስ ዝርከብ ጨንፈር ካሪታስ ከም ዝለኣዅን እዚ ኸኣ ነቶም ጥቓ ምብራቓዊ ዶብ ሊትዋንያ ዝርከብ ስደተይናታት ሓገዝ ዝውዕል ምዃኑ ኣፍሊጡ፥ ነቶም ኣብቲ ሊትዋንያን በላሩስን ዘዳብው ከባቢ ዝርከቡን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ለብዕን ወቕቲ ቍርን ኣስሓይታን በረድን ንኸቢድ መጐዳእቲ ተቓሊዖም ንዘለዉ ስደተይናታት ነዚ ኵነታት እዚ ንኽጻወርዎ ንዘኽእሎም ሓገዝ ዝውዕል ምዃኑ ከም ዝገለጸ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መሓንድሳት ቅልውላው

ኣብ ወቕቲ ክረምቲ 2021 ዓ.ም. በሸሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታት ካብ በላሩስ ናብ ሊትወይንያ ፖላንድ ከምኡ እውን ልትቪያን ክውሕዙ ምስ ጀመሩ እዚ ኵነት እዚ ከቢድ ቅልውላው ከም ዘለዓዓለን ሕብረት ኤውሮጳ ንርእሰ ብሔር በላሩስ ነቲ ኵነታት ስደተይናታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዝደንገጐ ማዕቅብ ንኽሓክሽ ይጥቀምሉ ኣለዉ እንክብል ክኸስስ እንከሎ፡ ሊትዋንያ ኣብቲ ምስ በላሩስ ዘዳቡዋ ከባቢ ሓጹር ከም ዘቖመትን እቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ስደተይናታት መብዛሕቲኦም ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጹ ከም ዝኾኑን ኣብቲ በላሩስ ኣብቲ ከባቢ እውን ግዚያዊ መእለዪ ስደተይናት መዓስከር ከም ዘቖመት ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ሊትዋንያ ነቶም ዑቕባ ዝሓትቱ ስደተይናታት ክሳዕ ሽዱሽተ ወርሒ ኪእሰሩ ዝፈቅድ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2021 ዓ.ም. ከም ዘጽደቐን ኣስዒቡ እውን ካብ ሹዱሽተ ወርሒ ናብ ሓደ ዓመት ክብ ከም ዘበሎን እቲ ዝቐርብ ናይ ዑቕባ ሕቶ ዘይቅቡል ዝብል ውሳኔ ምስ ዝወሃቦ እቶም ዝተነጽጉ ስደተይናታት ይግባእ ክትብሉ ዝፈቕድ እውን እንተዀነ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሃዋሁ እቶም ስደተይናታት ናይ ዑቕባ ሕቶ ንኸቕርቡ ዝፈቅድ ከም ዘይኮነን ካብ ሓለዋ ጸጥታ እውን ብዙሕ መጐዳእቲ ከም ዝወርዶም ካብቲ ከባቢ ዝፍነው ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓልዮት ቅዱስ ኣቦና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ጽንኵር ኵነት ዝርከቡ ስደተይናታት ቅርበቶምን ጸሎትምን ደጋጊሞም ከም ዘረጋግጹን ነቶም ኣብ ፖላንድ በላሩስን ዘዳቡው ስፍራ ንዝርከቡ ስደተይናታት ሓገዝ ከም ዝለኣዅ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ኣብ ቀዳሞት ማዕትልታት ኣብ ማልታ ንኽካይድዎ ዝተወሰነ ሓዋርያዊ መገሻ እውን ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ዝፍትኑ ስደተይናታት ዘጋጥሞም ሓደገይና ኵነታት ዘጉልሕ ከም ዝኸውን የመላኽት።

15 Feb 2022, 17:03