ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ስሎቨኒያ ርእሰ ብሔር ፓሆር
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ለካቲት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ስሎቨኒያ ርእሰ ብሔር ቦሩት ፓሆር ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፥ ምስፋሕ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ዞባ ምዕራባውያን ሃገራት ባልካን ከምኡ እውን ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስቲ ስሎቨኒያን ዘሎ ርክብ ኣማኣኪሎም ከም እተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብዛዕባ ዶባት ጥንታዊ ክፍለ ዓለም - ኤውሮጳን ከምኡ እውን እቲ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ብርቱዕ ውጥረት ዝፈጥር ዘሎ ቅልውላው ዩክረያን ዛዕባ ማሕበራዊ ጒዳያትን ብፍላይ ብልኡከ መንግስትን ሓዋርያዊ ልኡኽን ብምልውዋጥ ዝተበገሰ 30 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ረፓብሊካዊት ስሎቨኒያን ክሌኣዊ ርክብ ኣማእኪሎም ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥
ነቲ እወታዊ ዝኾነ ክሌኣዊ ርክባትን ነቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስቲ ስሎቨኒያን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ዝምስገን ምዃኑ ከም እተመልከተን ርእሰ ብሔር ፓሆር ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ዛዕባ ከባብያዊ ምትሕብባርን ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ሃገራት ምዕራባውያን ባልካን ምስፋሕ ከምኡ እውን ብዛዕባ ህልው ዅነታት ዩክረይን ዛዕባ ብሔራውን ክፍለ ዓለማውን ኣህጉራውን ዝትንክፉ ቀንዲ ጒዳያት ኣማእኪሎም ከም እተመኣየጡ ኣፍሊጡ።