ድለ

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 2 መጋቢት መዓልቲ ጾምን ጾሎትን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ኣዊጆም

ዝተፈላለየ ሰንደቕ ዕላማ እውን ዘለዎም ይዅኑ ብሰላም ኪነብሩ ዚደልዩ ንጹሃን ረዳኢ ኣልቦ ድኻታት እያቶም ግዳያት ውግእ ዝኾኑ፥ እንደገና ናይ ኵሉ ሰላም በቲ ናይ ወጋኒ ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሰላም ደኣ እምበር ናይ ውግእ ዘይኮነ እግዚኣብሔር ሕልናኦም ኪምርምሩ ንዅሎም ነቶም ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዘለዎም እምሕጸን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኵነታት ልቦም ከም ዘሕምሞምን እቲ ዘዘንብይ ዘሎ ውግእ ንምውጋድ ዘተን ዘይሕለል ጻዕሪ ሰላምን ጥራሕ መጋበርያ ሰላም ምዃኑ ደጋጊሞም ብምዝኽኻር ዕለት 23 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 2 መጋቢት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ክፍጸም ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 23 ለካቲት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ህልው ኵነታት ዩክራይንን እቲ ኣብቲ ከባቢ ናብ ውግእ ዝቕየር ዝመስል ውጥረት ኣናሓሰቡ ውግእ ኣብ ልቦም ዓቢይ ሓዘን ከም ዝፈጥረሎም ገሊጾም ኣብ ዩክረይን ሰላም ክረጋገጽ ተማሕጺኖም ኣብዘን ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ናይ ክሌኣዊ ስነ መላ ርክባት ጻዕርታት ይቕጽል እኳ እንተሃለወ ቅዱስነቶም “ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘሰምብድ ፍጻመታት ዝኸፍት ኵነታት እዩ ዝርአ ዘሎ” ቢሎም እዚ ኸኣ “ዅሉ ህዝቢ ዓለም ጓህን ስቓይን ክስምዖ ዝገብር እዩ”  ከም ዝበሉን፥

እንደገና ናይ ኵሉ ሰላም በቲ ናይ ወጋኒ ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሰላም ደኣ እምበር ናይ ውግእ ዘይኮነ እግዚኣብሔር ሕልናኦም ኪምርምሩ ንዅሎም ነቶም ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዘለዎም እምሕጸን

እንክብሉ ጻውዒት ሰላም ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብተወሳኺ እውን “ኰሎም እቶም ኣብቲ ጒዳይ እቱዋት ዝዀኑ ጒጅለታት ነቲ ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ህላወ ዝህውኽን ኣህጉራዊ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝያዳ ስቓይ ካብ ዘምጽእ ዝዀነ ይዅን ስጒምቲ ክቝጠቡ” ንጸልይ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምእንቲ ሰላም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብቲ ድሕሪ እቲ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ዘስምዕዎ ቃል፥ ዕለት 2 መጋቢት መዓልቲ ጾምን ጸሎን ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክራይን ክኸውን ኣተሓሳሲቦም ኵሎም ምእመናን በታ መዓልቲ እቲኣ ንጾምን ንጸሎትን ኪውፈዩ ብፍሉይ አተባቦዖም ንግስቲ ሰላም ንዓለም ካብ ጽላለ ወግእ ተዓቍኡባ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ውግእ ዝተበገሰ ከም ዝመስልን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቓዕቲ ሩሲያ ከም እተፈጸመን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ኤውሮጳ ውግእ ኪካየድ ብፍጹም ዘይሕሰብ ዘይከኣልን እዩ ዝመስል ዝነበረ፡ ር.ሊ.ጳ. ንሓይሊ ኣጽዋር ውግእ በጽዋር ጸሎት ኪንቃወም ይሓትቱ። ዝተፈላለየ ሰንደቕ ዕላማ እውን ዘለዎም ይዅኑ ብሰላም ኪነብሩ ዚደልዩ ንጹሃን ረዳኢ ኣልቦ ድኻታት እያቶም ግዳያት ውግእ ዝኾኑ ዓለም በቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዘጋጥም ዘሎ ስቓይን ኵለ መዳያዊ ብድሆታትን ኣብ ምግጣም እትርከበሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝባራዕ ውግእን ግጭትን ጸገማት ህዝቢ የዛይዶ። 

24 Feb 2022, 17:29