ድምጺ ኣጽዋር ሱቚ ይበል! ኲናት ዝእውጅ ሰብ ኣውነት ዝረሰዔ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ኣብ ዓለምና ሓሓሊፉ ከም ጽውጽዋይ በጊዕን ተዂላን መሬት ንምግባት ወይውን ቅልጽም ንምርኣይ ካብ ባዶ ተላዒሉ ኲናት ዝእውጅ ምስ ምንታይ ከም እትጽብጽቦ ዝሕርብተካ ሰብ ሎሚ እውን ኣይተሳእናን፤ ውልቀመልኽቲ ኣምባገነናት ዝሓለፈ ዘመን ብውግእ ዓለም ደረጃ ንዝኻየዱ ውግ ኣት ምኽንያት ምዃኖም ኩልና ንዝክሮ እዩ፤ ዝገደደ ኸኣ ኣር እስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ኣይፋልኩም ካብ ውግእ ዕንወት እምበር ጥቅሚ የልቦን ቢሎም ክግ ዕሩ እውን ዝሰም ዖም ኣይተረኽበን፤ ጒዳይ ኡክራይና እውን ናይ ኲናት ነጋሪት ካብ ዝዝበጥ ጀሚሮም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ኣይፋልኩም ኢሎም ዝተፈላለየ ጻው ዒት ካብ ምቅራብ ሓሊፎም ክሳብ ኤምባሲ ኡክረይን ከይዶም ኣይፋልኩም ምባል ኣብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ሕዝብን ብብሕቶምን ስለሰላም እዛ ሃገር ንጸሊ ብማለት ዘጸለይዎን ዝጸልይዎን ገና እናቀጸለ እንከሎ ንዝመጽ እ ዕለት ክልተ መጋቢት እውን ስለእዛ ሃገር እዚኣ ጾምን ጸሎትን ኣዊጆም ኣለው። ትማሊ ሰንበት እውን ከም መቀጸልታ ናይዚ ንድራማ ናይቶም ካብቲ ለይትን መዓልትን ዝዘንብ ዘሎ ዘይተኣደነ ኣጽዋር ነዛ ሕይወቶም ከድሕኑ ርድኡና ኢሎም ዘእውዩ ዘለው ሕጻናትን ኣደታትን ሽማግለታትን ናብ ውሑስ ቦታ ንክበጽሑ ሰብኣዊ መሕለፊ ክግበር ነዚ ጻው ዒት እዚ ብ ዓቢ ምረት ኣመሓላሊፎም።
ኣብዚ ዕለታት እዚ ብዚ ዚካየድ ዘሎ ትራጀዲ ማለት ኲናት ብዙሕ ሓዚና ኣሎና። እዛ መንገዲ እዚኣ ንከይትምረጽ ብዙሕ ለሚንና፤ ሕጂ እውን እንተኾነ ካብ ምዝራብ ኣይነቋርጽን! እኳ ደኣ ጸሎትናን ምህለላናን ናብ እግዚኣብሔር ኣጸቢቅና ነጽዕቅ ኢሎም።
ኣብ ናይ ጽባሕ ሮቡዕ ጻው ዒት ጾምን ጸሎትን እውን ‘ምንም መከላኸሊ ዘይብሎም ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምስ ደቀን ዝሃድማ ዘለዋ ኣደታትን ወሲኽካ ንክድሕኑ እግዚኣብሔር ነዚ ውግእ ደው ከብለልና በዚ ከኣ ኩልና ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኑ ክስመዓና ክንጽሊ ኢና’ ኢሎም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።
ክንዝንግዖም ዘይብልና ክፋላት ኲናት!
ኣብ ኡክራይን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለምና ዝዝረበሎምን ዘይዝረበሎምን ኲናታት ከምዘለው ከም ኣብነት ከኣ ሶርያን ኢትዮጵያን የመንን ብምዝካር ምናዳ ሽማግለታትን ሕጻናትን እቶም ሕይወቶም ከድሕኑ ዑቊባ ደልዮም ክሃድሙ ንዝደልዩ መተሓላለፊ ዝኸውን ስለ ሰብኣውነት ክኸፍቱ ሓደራ ኢሎም።
[ በቲ ኣብ ኡክራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልብና እናደመየ እንከሎ ኣብ ካል እ ክፍልታት ዓለምና ንዘሎ ውግኣት እውን ማለት ከም በዓል የመን ሶርያ ኢትዮጵያ ወዘተ ንዝካየድ ኲናት እውን ኣይረስዕ። ደጊመ ደጋጊመ እብል ኣሎኹ! ኣጽዋር ሱቊ ይበል! እግዚኣብሔር ምስ ገርበቲ ሰላም እምበር ምስ ዓመጽቲ ኣይኮነን፤ ከመይ ሰላም ዘፍቅር ንኲናት ከም ተጻይ ሓርነት ካልኦት ዝሰርሕን ንኩሉ ሰላማዊ ፍታሕ ግጭት ዝጻረር መጋበሪ ስለዝኾነ ይዂንኖ ኢሎም። ]
ምስ ቅዱስነቶም ጸሎተ መል አከ እግዚኣብሔር ክደግሙን ኣስተምህሮኦም ንክሰም ዑን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንክሳተፉን ኣብቲ ቅርዓት ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ደቂ ኡክራይና እውን ስለዝነበሩ ቅዱስነቶም ብቋንቋ ኡክራይና ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሉ ሰላምታ ምስ ኣቅረቡሎም ባንደራታት ሃገሮም ሓፍ ብምባል ምስጋናኦም ገሊጾም።