ድለ

ቀንዲ ግድል መንእሰያት ዘመንና ኣድላይነት ራእይ ዘይጐነጻዊ ምንቅስቃስ ምርዳእ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሰሜንን ደቡብን ማእልላይን ኣመሪካ ብመራኸቢ ቡዙሓን ብቀጥታ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዘትዮም፤ ኣብቲ ዘተ ዝዝረበሎም ዛዕባታት ካብ ድራማ ስደት ጀሚርካ ክሳብ ክንክን ኣከባቢ ከማኡ እውን ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን ዝብሉ ኰይኖም ቅዱስነቶም ብተመሃሮ ንዝቀረበሎም ሕቶታት መሊሶም። ኣብ ታሪኽ ከም እንዕዘቦ ዝኾነ ዓይነት ዓመጽ ኣዕናዊ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ንብሂል ጋንዲ ‘ንዝጸፍዓካ ካልአይቲ ምዕጒርትኻ ምሃብ ከቢድ እዩ፤ እንተኾነ ወረጃነት ዝበለጸ መግለጺ ሰብኣውነት እዩ’ እንክብሉ ከም ሰብ መጠን ምስ ኩሉ ለዚብካ ብወረጃነት ብዘይ ምንም ጐነጽ ምንባር እንኮ ዋሕስ መጻኢና ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ተመልኪቱ ከምዝነበረ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 24 ለካቲት ሰዓት ሸውዓተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ኣብ ቺካጎ ብዝርከብ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ዚካየድ ዪኒቨርሲቲ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ምስ ናይ ቅድስት መንበር ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካን ተቊዋም ጒስነታዊ መጽናዕታትን ንካቶሊካዊ ውርሻ ዝግደስ ማእከል ሃንክንን ዝተሰናደው ምስ ተመሃሮ ዪኒቨርሲታት ሰሜንን ደቡብን ማእከላይን ኣመሪካ ንል ዕሊ ሓደ ሰዓት ብቀጥታ ብበይነ መረብት ተዛቲዮም።

ሕቶታት ዘቅረቡ ተመሃሮ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣመሪካ ካናዳን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ብራዚልን ኣርጀንቲናን ወዘተ ኰይኖም ገሊኦም ከኣ ብምኽንያት ስደት ካብ ሃገራቶም ዝተመዛበሉ ብዝተፈላለዩ መጋርሪታት ካብ ናይ ኢድ ተለፎንን ታብለትን ኮምፒተራትን ኣብ ኣርባዕተ ጒጅለ ኰይኖም ዝከታተሉ ዝነበሩ ኰይኖም ኣሕጽር ኣሕጽር ኣቢሎም ታሪኻቶም ድሕሪ ምግላጽ ነበረ።

መራኸቢ ድልድላት ንምህናጽ ብዝብል ሰፊሕ ናይ ምርኻብ መርበብ ንምውዳድ ባብ ክኸፍት ትጽቢት ዝግበረሉ በዂሪ ርክብ ቅዱስነቶምን ተመሃሮ ዪኒቨርሲታት ኣመሪካንከስ ካብ መንነት ክርስትና ነቂሉ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ኣመሪካ ንዝርከቡ መን እሰያት ተመሃሮ እንኮላይ ስደተኛታት ዘገልግል ናይ ርክብ ድልድላት ንምህናጽ ሓሳብ ንሓሳብ ንምክፋልን ንዝተወስደ ተበግሶታት ንምግምጋምን ነበረ።

ናይ ቺካጎ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ብለይዝ ኩፒችን ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ዋና ጸሓፊት ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ኰይና ዝተሾመት ኣርጀንቲናዊት ሊቅ ትምህርቲ ንባበ መለኮት መምህርት ኤሚልስ ኩዳን ብምስጋና ር.ሊ.ጳ ነቲ መደብ ምስ ጀመሩ ቅዱስነቶም ሕጽር ብዝበለ መንገዲ እቲ ከም መሪሕ ቃል መሪጾሞ ዘለው ‘መራኸቢ ድልድላት ምህናጽ’ ዝብል ኣምር ካብ መንነት ክርስትና ማለት ካብቲ ክርስቶስ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔር ኣቦን መንጎናን ዝሃንጾ ርክብ ከምዝውለድ ነዚ መራኸቢ ድልድላት ምህናጽ ዝርስዕ ክርስትያን ከኣ ጥምቀቱ ዝረሰዔ ክርስትያን ምዃኑ ገሊጾም።

ዘይጐነጻዊ ምንቅስቃስ!

ቅዱስነቶም ሓጺር መእተዊ ምስ ገበሩ እቶም መን እሰያት ክዛረቡን ሕቶታቶም ከቅሩቡን ብምምልካት ከም ሓደ ከም ኦም ወረቀቶምን ቢሮኦምን ሒዞም ንዝብልዎ ከመልክቱ ጀመሩ።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ተመሃሮ ብዙሓት ስለዝነበሩ በብዞባኦም ተመቃቂሎም ብኣርባዕተ ወከልቲ ነፍስወከፍ ጒጅለ መደባቶምን ሥራሓቶምን ምስ ኣቅረቡ ብዛዕባ ህልው ኩነታትን መጻእን ሃገሮምን ኩነታቶምን ኩነታት ሕይወቶምን መነባብሮኦምን ዝምልከት ሕቶታት ንቅዱስነቶም ኣቅረቡ።

ቅዱስነቶም ከምዚ ዝበለ ርክብ ኣብ መንጐኦም ብቀጻሊ ንክካየድ እዚ ናይ ሲኖዶስ ኩነት ቀጻሊ እንተዝኸውን ክንደይ ምጠዓመ ክብሉ ኣብቲ ዘተ ምስታፍ መጠን ክንደይ ከምዘሐጐሶም ምስ ገለጹ ካብ ብራዚል ዝተወከለት ተመሃሪት ነቲ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ምናዳ ኸኣ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝረኤ ኣራዊታውን ጭካነ ዝመልኦን ዓመጻት ብምዂናን ነዚ ከመይ ገቢርካ ክትገትኦ ይከኣል ከም ክርስትያንከ ግብረ መልስና እንታይ ክኸውን ኣለዎ እንክትብል ንዘቅረትሎም ሕቶ ይምልሱ።

ቅዱስነቶም ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ንዓመጽ ዝወሃብ ግብረ መልሲ ‘ንቊሕ ዘይጐነጻዊ ምንቅስቃስ እዩ፤ ሎሚ ናይ መንእሰያት ዓቢ ግድል ወይውን ብደሆ እዚ እዩ፤ ብቀዳምነት ካባኹም ዝድለ ንዝኾነ ዓመጽ ምዂናን እዩ፤ ከመይ ዓመጽ የዕኑ እምበር ኣይሃንጽን፤ ነዚ ከኣ ኣምባገነናውያን ውልቀመለኽቲ ወተሃደራውያንስ ይኹን ዘይወተሃደራውን ውልቀ መለኽቲ ክገብርዎ ንዕዘቦ ኣሎና፤ ራእይ ዘጐነጻዊ ምንቅስቃስ የድልየና ኣሎ። ጋንዲ ከምዝብሎ ሓደ ሰብ ክጸፍዓካ እንከሎ ክንዲ ነቲ ካልእ ምዕርጒትኻ እትህቦ መሊስካ ክትጸፍዖ ብጣዕሚ ቀሊል እዩ፤ ወረጃነት ዝበለጸ መግለጺ ሰብኣውነት እዩ፤ ካብ ርሕራሔ ይውለድ። ኣብዚ ግን ካብ ግብዝነት ወይውን ኣምሰሉነት ምጥንቃቅ የድሊ፤ ግብዝነት ሓደገኛ እዩ፤ ንሕይወት ይምርዝ፤ እንተ ንጽሕና ግን ሽሕ’ኳ ዋጋ ዘኽፍል እንተኾነ ምስ ምሉእ ዓለም ብውህደት ንክትዋሳእ ንቅድሚት የሰጒመካ’ እንክብሉ ከም ሰብ መጠን ምስ ኩሉ ለዚብካ ብወረጃነት ብዘይ ምንም ጐነጽ ምንባር  እንኮ ዋሕስ መጻኢና ምዃኑ ገሊጾም።

ተፈጥሮ ፈጺሙ ኣይምሕርን!

ቀጺላ ዝቀረበቶም ሕቶ ንከባቢ እትምልከት ኰይና ተደጋጊማ ዝቀረበት እያ፤ በቲ ሓደ ወገን ብከላ ከባቢ በቲ ሓደ ወገን ብድኽነትን ካልእ ጸገማትን ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣብ ዓመት ይስደዱ ኣለው በዚ እንተቀጺሉ ከኣ ኣብ 2060 ዓም ል ዕሊ 1.4 ቢልዮን ብሰንኪ ብከላን ለውጥን ከባቢ ከምዝስደዱ ዝገልጽ ግምታት ዘሰነየት ሕቶ ነበረት።

ቅዱስነቶም ነታ ደጋጊሞም ዝበልዋ ማለት ንሓለዋን ክንክንን ናይዛ ሓባራዊት ገዛና ዝበልዋ ዓለም ይዕድሙ፤ እግዚኣብሔር ወትሩ ይምሕር ደቂሰባት ሳሕቲ እዋን ተፈጥሮ ግን ፈጺሙ ኣይምሕርን! ንእትብል ምስላ እስፓኛውያን ብምጥቃስ ከኣ ነቲ ኣብ ላውዳቶ ሲ ስቡሕ ኣንተ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዘስተምሃርዎ እንተደኣ ስዒብና ነዛ ክነብረላን ክንከናኸናን ሓደራ ዝተዋህበትና ናይ ሓባር ገዛና ነፍስወከፍና ምሕረት ከምዘብላ ር ኢና እንተሓሊና ክንድሕን ከም እንኽእል ገሊጾም።

ንስደተኛታት ምቅባሎምን ምውህሃዶምን የድሊ!

ጒዳይ ስደት ንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ ዝወሰዱ ዛዕባታት እኳ እንተነበረ ሓንቲ ደቡብ ኣመሪካዊት ንስደት ምስ ስድራቤት ነቂላ ዘጓነፋ ብምረት ድሕሪ ምግላጽ ‘ንሕናስ ዓመጽቲ ኣይኮና ቀተልቲ ኣይኮና ዕጸፋርስ ነመላልስ ኣይኮና ምረት ናብራ ዝደሃኸና ሰብ ዓቢ ሕልሚ ኰና ነቶም ዘዕቈቡና ሃገራት ዝተኻእለና ኩሉ ብምብርካት እንነብር ኢና! እንተኾነ ዝወርደና ኣደራዕ እዚ ኣይብሃልን እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ ክትብል ንዝሓተቶ እንክምልሹ፤ ቅዱስነቶም ኣርባዕተ ዓናቅጽ ብምጥቃስ ይጅምሩ። እዘን ኣርባዕተ ኣናቅጽ ነዚ ዝገለጸቶ ሕሱም ድራማ ንምብዳህ ይሕግዛ ይኾና፤ እዚኦም ብፖሎቲካስ ይኹን ብውግ እ ቊጠባውስ ይኹን ባህላዊ ጸገማት ዝስደዱ እዮም። ነዚኦም ክሕግዛ ዝኽእላ ኣርባዕተ ኣናቅጽከስ ንስደተኛ ምቅባሉ ምስናዩ ምኩስኳሱ ወይውን ንክድንፍዕ ምድጋፉን ምሳኻ ምውህሃዱን ዝብላ እየን፤ ጉዳይ ስደት ሕሱም እዩ ኣነ ንባዕለይ ውሉድ ስደተኛታት እየ፤ ኣቦይ ወዲ 22 ዓመት ምሩቅ ኣካውንቲንግ እንከሎ እዩ ተሰዲዱ፤ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ንባዕሉ ብስደተኛታት ዝቆመ እዩ ከምኡ እውን ሃገረይ ኣርጀንቲና፤ እቲ ቀንዲ ሕቶኸስ ምናዳ ንተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ዝምልከት ነዚ ጉዳይ እዚ ፊት ንፊት ምግጣሙ ምጽናዑን ብሓንጐልካን ብልብኻን በእዳውካን ምቅላሱ የድሊ እንተዘየሎ ልብ ኣልቦ ዛሕሊ ከጥቅ ዓኩም እዩ እንክብሉ መሊሶም።

መበቆልካ ዘይምርሳዕ!

ሓደ ካብቲ ምረት ስደት ዘግህዶ ዝኽሪ መረበትካን ሱርመሰረትካን ምንፋቅ ቀስ ብቀስ ምርሳዕን ቅልውላው መንነትን ምዃኑ ዝገለጸ ሓደ ተመሃራይ እንታይ ትመኽሩና ቢሉ ምስ ሓተተ ቅዱስነቶም ነታ ሱርን ሰራውርን ትብል ቃል ከም መበገሲ ይወስዱ እሞ ‘ንሓደ ሕብረተሰብ ሓደ ካብቶም ሓደጋታት ርእሰ ቅትለት ክንብሎ እንኽእል ሱርመሰረቱ እንክክሕድ እዩ፤ ነፍሲወከፍ ሱርመሰረቱ ክሕብሕብ ኣለዎ፤ በዚ ከኣ ኣብ መንጎ ሽማግለታትን መንእሰያትን ዘተ ይሃሉ ኢሉ ዘስምረሉ፤  ስደተኛታት እውን እንተኾነ ምስቶም ዘዕቊብዎም ክወሃሃዱ ግድን እኳ እንተኾነ ሱርመሰረቶም ክርስዑ የብሎምን እንተዘየሎ ናይዚ ጌጋ እዚ ኣደራዕ ክወርዶም እዩ ኢሎም።

ኣድላየት ኣብ ቤተክርስትያን ጐደናታት!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ዝተንተንዎ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ዘተ ብምዃን ነዚ ኩሉ ንምውዳድ ዘኽኣለ ሲኖዶሳውነት ኰይኑ እዚ ከኣ መላእ ቤተክርስትያን ብሓባር ንምጒዓዝ ብዝብል ኣምር ብቀንዱ ቤተክርስትያን ካብቲ ተሰቲራትሉን ተዓቊባቱሉን ተሓቢኣትሉን ዘላ ኩነት ውጽ እ ኢላ ኣብ ጐደናታት እትርከብ ክትከውን በዚ ከኣ ሓንቲ ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን ንኩሉ ክፍቲ ኰይና ሃንጐፋይ ቢላ ብምቅባል ብሓባር ንቅድሚት እትግስግስ ብሓባር እትጐዓዝ ክትከውን ኣለዋ ምስ በሉ፤ ኣብ ቦነስ ኣየረስ እንከለው ሓደ ቆሞስ ንቤተክርስትያኑ ኣብ በዓላት ልደትን ፋሲካን ናይ ስደተኛታት ቤትብልዒ ዝቅይሮ ዝነበሮ ኣብቲ ሽ ዑ ዓቢ ዕንቅፋት ኰይኑኑ ነበረ ሕጂ ልበይ ዝለወጠ ዓቢ ጽፍ ዒት ኰይኑኒ እንክብሎ ሲኖዶሳዊትቢቤተክርስትያን ክትስ ዕቦ ዘለዋ መንገዲ ብምምልካት ዘተኦም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 Feb 2022, 13:41