ድለ

2022.02.17 Partecipanti al Simposio promosso dalla Congregazione dei Vescovi 2022.02.17 Partecipanti al Simposio promosso dalla Congregazione dei Vescovi 

ካህናት ወትሩ ምስ እግዚአብሔርን አቡኖምን ሕዝቦምን ጥቡቅ ቅርበት ይሃልዎም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንጉዳይ ክህነት ብዝምልከት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ዓለምሓቆፍ ተሎጂካዊ ስይምፖስዩም ዝሳተፉ ዘለው ካህናትን ጳጳሳትን ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ‘ቅድሚ ዝኣገረ ካህናት ቅርበቶም ምስ እግዚአብሔር ከረጋግጹ ከምኡ እውን ምስ ኣቡናቶምን ኣሕዋቶም ካህናትን ነቶም ዘገልግልዎም ሕዝበ እግዚኣብሔርን ቅርበቶም ወትሩ ክጠብቅ ኣለዎ’ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

እቲ ርክብ ሕውነታውን ተመኲሮ ሓድሕድ እትለዋወጠሉን ኣብ መንጎ ኣሕዋት ካህናት ዝግበር ብምንባሩ ቅዱስነቶም ድሕሪ ሰላምታ ብቀጥታ ዘቅረብዋ ኣብነት ተመኲሮ ልዕሊ 50 ዓመት ክህነቶም እንክኾን እቲ ከኣ ንናይ ሎሚ ካህናት ነቲ መንፈስ ቅዱስ ብመዓርግ ክህነት ንካህናቱ ንዝህቦ ሰላምን ፍርያማነትን ንምስትምቃር ምዃኑ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ተመኲሮኦም እንክገልጹ ነቶም ብሕይወቶምን ምስክርነቶምን ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም ትርጉም ክህነትን ገጽታ ሕያዋይ ጓሳ ብምርኣይ ዝረድእዎምን ጥራይ ዘይኮነ ስለቶም ኩሎም ብክህነት ኣሕዋቶም ኰይኖም ዘሰንይዎም ንፉዓቶምን ብዛሕሊ መንፈስ ተጐቢኦም መቀረት ክህነት ብምጥፋእ ተልእኮ ክህነት ክንዲ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝህቦ ሰላምን ፍርያማነትን ምስትምቃር ሰኸም ኰይንዎም ባዕሎም ኣብ ዝፈጠርዎ መንገዲ ቀራንዮ ዝርከቡን ካብ ኩሉ ዝሓሰመ ከኣ ንኩነታት ገጽ ብገጽ ክንዲ ዝብድህዎም ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ መህብእን መከላኸልን ሃሰስ ንዝብሉን ከምኡ እውን ነቶም ንኩሉ መስቀልን ክበድን መዓርገ ክህነት ኣቃሊሎም ብምርኣይ ብሕሉፍ ርእሰ ተኣማንነት ክጐዓዙ ዝፍትኑን ንኩሉ ኩሎም ሚዛናዊ ዝኾነ ራእይ ንክህልዎም ብምዝኽኻር እዩ። ኣብ ተመኲሮኦም ተመርኲሶም ሓደ ካህን ክህልዎ ዘለዎ ኩነተ መንፈስ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ንኩነታት ከከም ኣመጻጽኣኦም ተቀቢልካ ኣብቲ ናይ ቤተክርስትያን ጥበብ ዝመልኦን ሕያው ዝኾነን ልማድ ተመርኲስካ ዚኣክል ተመኲርካ እትህቦ ግብረ መልሲ ናብቲ ዓሚቊ ባሕሪ መርበብካ ብዘይፍርሒ ክትድርቢ የኽእለካ። ኩሉ ጸዋዕታታት ሕይወት እንኮላይ ጸዋዕታ መዓርገ ክህነት እግዚአብሔር ኣበይ ይመርሓካ ከምዘሎ ንምፍላጥ ልሉይ ኣስተንትኖን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሕካ ብተኣማንነትምልላይ ጸዋዕታኻን ይሓትት። ርግጽ እዩ ኣብ ዘመንና መንእሰያት ብብዙሕ ሕቶታትን ፈተናታትን ተኸቢቦም ኣለው። እንተኾነ ሎሚ ከም ሎሚ ሕይወት ክህነት ንክተመርጽን ውሳኔ ንክትገብርን ኣርባዕተ ኣዕኑድ ክህነታዊ ሕይወት ኣለዋ። እዚኤን ከኣ ኩለን ቅርበት ትብል ቃል ካብ ጐድኖም ክትፍለዮም ዘይብልካ ኣርባዕተ ጒዳያት እየን። ቅድሚ ዝኣገረ ቅርበት ምስ እግዚአብሔር ቀጺልካ ቅርበት ምስ አቡን ቅርበት ምስ ኣሕዋት ካህናትን ቅርበት ምስቲ ትጓስዮ ሕዝበ እግዚአብሔርን ኢሎም።”

ቅርበት ምስ እግዚአብሔር!

ቅድሚ ዝኣገረ ካህናት ከም ፍሉያት ልኡኻት እግዚአብሔር ምስቲ ምንጪ ህላዌኦምን ሓይልን ጸግዕን ኩሉ ተልእኮኦምን ዝኾነ እግዚአብሔር ጥቡቅ ቅርበት የድልዮም። ከምዚ መግበሪኦም ከኣ ንተልኦኮም ዘድሊ ሓይልን ጥበብን ካባኡ ንክረኽቡ እዩ። ከመይ ብዘይካኡ ሓንቲ ክገብሩ ኣይክእሉን። ከምቲ ካብ ጒንዱ ዝተቈርጸ ጨንፈር እዮም ክኾኑ። እንተኾነ እዚ ቅርበት እዚ ከከም ኩነታቱ ምስ ኢየሱስ ሓጐስን ሓዘንን ምስታፍ እዩ ከመይ ምንጪ ኩሉ ንሱ እምበር ንሶም ኣይኮኑን። ኣይብሓይሎምን ብሓይሊ ጐይታ ስለዝኾነ እዚ ርክብ እዚ ወግሐ ጸብሔ ክሕይልን ክጸንዕን ኣለዎ። ቀንዲ መጋበሪ ጽንዓት ናይዚ ርክብ ከኣ ጸሎት ስለዝኾነ ካህን ናይ ጸሎት ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ጸሎት በይኑ ግን እኹል ኣይኮነን ንጐይታ ጽን ቢልካ እትሰምዓሉ ናይ ሱቊታን ኣስተንትኖን ግዜ እውን ማዕረ ማዕረኡ ክዝውተር ኣለዎ፣ ነዚ ዝገብር ካህን እንተወሓደ ምስቲ ምንጪ ሕይወቱን ሓይሉን ጥቡቅ ርክቡ ስለዘውሕስ ጠፊኡ ኣይጠፍእን ኢሎም።

ቅርበት ምስ አቡን!

ኣብ ሕይወት ክህነት ጽን ቢልካ ምስማዕን ትሕትናን ተኣዝዞን ቀንዲ ብርሃን ኣብ ርእሲ ምዃነን ንእግዚአብሔር ብጸሎትን ኣስተንትኖን ጽን ቢልካ ብምስማዕ ፍቃዱ ክበርሃልካ እንከሎ ሓደ ካህን ቀጺሉ ክቀርቦን ጽን ቢሉ ብትሕትና ክሰምዖን ዘለዎ ኣቡኑ እዩ። ከምዚ ብምግባርን ምስ ብጾቱ ብምትሕብባርን ፍቃድ እግዚአብሔር ክበርሃሉ ይኽእል። አቡን ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ቤተክርስትያን ናይ ሓድነት መንፈስ ንክህሉ ዘውሕስ እዩ። ስለዚ ካህናት ስለ ኣቡናቶም ወትሩ ክጽልዩ የድሊ። ከመይ አቡን ማእሰር ሓድነት ቤተክርስትያን ስለዝኾነ ሓይሊ ጸጋ የድልዮ። ነዚ ጥምረት ሓድነት ክሕልው እንተኽኢሎም ንጒዕዞ ሕይወቶም ከውሕስዎን ከደንፍዕዎን ይኽእሉ ኢሎም።

ቅርበት ምስ ካልኦት ካህናት!

ቅዱስነቶም ብሳልሳይ ደረጃ ክትከውን ዘለዋ ቅርበት ካህናት ኣብ ውሽጢ ሓድሕዶም ብምዃና ጥራይ ዘይኮነ ካህን ከም ካህን ክርስቶስ ምስ ሓው ካህን ሓድነትን ውህደትን ክህልዎ እንከሎ ዕውት ክህነት ምዃኑ ብምግንዛብ ኣብ መንጎ ካህናት ጥቡቅ ዝኾነ ሕውነታዊ ውህደትን ሓድነትን ግድን ስለዝኾነ ካህናት ድሕሪ ምስ እግዚአብሔርን ምስ አቡኖምን ጥቡቅ ቅርበት ምስ ኣውሓሱ ብግዲ ተድልዮም ከኣ ምስ ኣሕዋቶም ካህናት ጥቡቅ ቅርበት ምፍጣር እዩ። እዚ ቅርበት እዚ ፈቲኻን ረዲኻን ንቅድስና ክህነት ብሓባር ምስ ኣሕዋትካ ካህነት ንክረኽቦ እምበር ንበይንኻ ጥራይ ባዕልኻ ጥራይ ንዝብል መንፈስ ንምሽናፍ እዩ። ማዕረ ማዕረ እዚ ጥቡቅ ቅርበት ክንርስዖም ዘይብልና ጠባያት ኣለው፣ እዚኦም ከኣ ምስ ኣሕዋትካ ካህናት ክፉት ልብን ኣእምሮን ክህልወካ ገርሀይናን ንጹሕ ርክብ ከምኡ እውን ብትሕትና ዝተሸለመ ክኸውን የድሊ። ርግጽ እዩ ምስ ካልኦት እንክትነብር ምናዳ ከኣ ከም ኣሕዋት ክትተሓላለን ክትተሓጋገዝን ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ስለዝኾነ እዚ ምስ ካህናት ዝግበር ጥቡቅ ርክብን ሕውነት ይፈጥር እንተኾነ እዚ ሕውነት ብፍቅሪ ሓድሕድ ወግሐ ጸብሔ ክሕሎ ዘለዎ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ ኢሎም።

ምናዳ ቅዱስነቶም ኣብ ጥቡቅ ርክብ መንጎ ኣሕዋት ካህናት ነቲ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓቂባ ሒዛቶ ዘላ ናይ ካህናት ብንጽሕና ምንባር ተጠንቂቆም ክሕልውዎ ኣብ ኩሉ ቅርበቶምን ርክባቶምን ጥዕና ዘለዎ ርክብን ቅርበትን ከዘውትሩ ሓደራ ኢሎም።

ቅርበት ምስ ሕዝበ እግዚአብሔር!

 ቅዱስነቶም ነዛ ራብዐይቲ ቅርበት ምስ ቅዱስ ሕዝበ እግዚአብሔር ከም ሕመረት ተልእኮ ክህነት እንክገልጽዋ እዚ ከኣ ተጽዕኖ ወይውን ግድነት ሥራሕ ዘይኮነ ሓደ ዓቢ ጸጋ ከምዝኾነ እንከብርሁ ‘በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ካህን ክህልዎ ዘለዎ ቦታ ኣብ መንጎ ሕዝበ እግዚአብሔር ምሳኦም ጥቡቅ ቅርበት ብምግባር እምበር ካልእ መንበሪ ቦታ የብሉን’ ኢሎም።

“እዚ ቅርበት እዚ ልባውን ሓቀኛን ክኸውን እሞኸኣ ኣብቲ ህልው ዕለታዊ ናብራ ሕዝበ እግዚአብሔር ምስታፍ እምበር ካብ ጸገማትን ሕሰምን ሕዝበ እግዚአብሔር ክትሃድም ብምድላይ ክኸውን ከምዘይብሉ ነዚ ኣብነት ዝኾኖም ከኣ እቲ ወትሩ ኣብ መንጎ ሕዝቡ ዝርከብ ሕያዋይ ጓሳ ኢየሱስ ከም ቀንዲ መሪሕ ክኾኖም እውን ኣብሪሆም። ከምቲ ንሱ ዝፍለጠን ምልክታት ቅርበትን ሕያውነትን ሓልዮትን ዝኾና ሓደ ካህን ዝፍለጠለን ምልክታት እውን እዚኤን ክኾና ኣለወን።”

እዚ ቅርበት እዚ ኣብ ደሞም ክወሃሃድን ኣብ ኩሉ ምስ ሕዝቦም ክኾኑን ድሕሪ ምዝኽኻር ምናዳ ኣብዚ ዘመንና ሰባት ካብ ነንሕድሕዶም ርሒቆም መንፈስ ብሕትውና ዚስዕርረሉ ዘሎ ነዚ ቅርበት እዚ ከደንፍዕዎ ሓደራ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ሽሕ’ኳ ንትንተና ክጥዕም በብሓደ እንተኣመልከትወን ኣርባዕቲኤን ኣዕኑድ ቅርበት ዝተታሓሓዛ ምዃነን እውን ክዝንግዑ ከምዘብሎም በዚ ከኣ ‘እቲ ሓደ ካህን ምስ እግዚአብሔር ቀሪቡ ዘቅርቦ ጸሎት ኣብ ልቢ ሕዝበ እግዝአብሔር ሥጋ ለቢሱ ክውን ስለዝኸውን ናብ እግዚአብሔር ምቅራብ ማለት ናብ ሕዝቡ ምቅራብ’ ምዃኑ እውን ገሊጾም።

መዓርገ ክህነት ጸጋ እምበር ጾር ኣይኮነን!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ማዕዳኦም ናብቶም ተጋባእቲ ብምምላስ ነፍሲወከፍ አቡንን ነፍስወከፍ ካህንን ናብ ሕልናኦም ምልስ ኢሎም ‘ነዘን ቅርበታት እዚኤን ኣብ ጵጵስናዊ ሕይወተይስ ይኹን ኣብ ክህነታዊ ሕይወተይ ብከመይ እነብረን ኣሎኹ! ልቢ ካህን ብዛዕባ ቅርበት ኣጸቢቁ እዩ ዝፈልጥ ከመይ ቀዳማይ ዕዮ ገዛኡ ማለት ቀንዲውራዩ ምስ ጐይታ ጥቡቅ ቅርበት ምፍጣር ስለዝኾነ’ ምስ በሉ እንተ እዘን ቅርበታት እዚኤን ግን ጾር ኣይኮናን እኳ ደኣ እግዚአብሔር ካህናቱ ጸዋዕታና ሕያው ኰይኑ ንክነብርን ፍረ ንከፍርን ዝዓደለና ጸጋ እዩ። ብኣኤን ገቢርና መኣዝን ጒዕዞና እንፈልጠለንን ቅንኣት ስብከተወንጌልና ዳግም እነውዕየልን ምልክታት እየን። ክህነታዊ ቅርበትከስ ነቲ ጐይታ ባዕሉ ብምሥጢረ ሥጋዌ ኣብ መንጎ ብምሕዳር ንዘርኣየና ቅርበት ርሕራሔን ሓልዮታዊ ፍቅርን የመልክት እንክብሉ ማዕዳኦም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 Feb 2022, 13:02