ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ድርቀትን ብልሽውናን ቅልውላውን ምንካይ ቍጽርን ገዝእ ርእስና ንኸነሐድስ ይዕድመና

ንኢየሱስ ኣብ ዘይንሕዘሉ እዋን “ልቢ ብምረት ይዕጾ . . . ብምረት ዝተመልኡ ምረታውያን ውፉያት ሰባት ምራኣይ ዜሕዝን እዩ . . ብዛዕባ የሕልቖም ብዛዕባ ኣሕዋቶም ብዛዕባ ማሕበረሰቦም ከምኡ እውን ብዛዕባ ኵሉ . . . የማርሩ! እንተዘየጒረምሪሞም ዝነብሩ ዘለዉ ኮይኑ ዘይስምዖም . . .

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ለካቲት ዓመታዊ በዓል ግልጸተ ዘእግዚእነን ምስ እዚ በዓል እዚ ተተሓሒዙ ዝበዓል መዓልቲ ውፉያን ህይወት ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ገዳማውያንን ገዳማውያንትን ካህናትን ደናግልን ዝተሳተፍሉ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ “ሓድሓደ ግዜ ኣብ ዝፍጸም ግብረ ሰናይ እውን ከይተረፈ ክቱር ርእሰ ኣምልኾ - ኣንነት ቀንዲ ተዋሳኢ ናይ ምዃን ባህጊ ክሕባእ ይኽእል። ናይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክብሪ ንምጒዳእ ዝድርኽ ፈተና ነጥፍኣዮ ሓደራ” ዝብል ምዕዳን ማእከል ዝገበረ ስብከት ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣምላኽ ካብ ቅልውላው ካብ ውድቀትን ምንካይ ቍጽርን ድኽመት ሓይልታትን ኣባላት ውፉያን ማሕበረሰብ ኣቢሉ ዝልእኮ ምልክታ ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ እውን ኣብ ፍርሂ ወይ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ምንፋቕ ከይለመስና ናብ ለውጢ ዝመርሕ ሓድሽ ናይ ህይወት ኣረኣእያ ንኸነማዕብል ዝድርኽ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ በዓለ ግልጸተ ዘእግዚእነ - መዓልቲ ውፉይ ህይወት ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፥

ሕዳሴን ለውጥን ዘይምፍራህ

ኣብ እቶም መብጽዓ ኣምላኽ ኪፍጸም ዚጽበዩ ዝነበሩ ክልተ ኣረጋውያን ስምዖንን ሃናን ተክለ ሰብነት መሰረት ገይሮም ኣብ፥ ምጽኣት መሲሕ ኣተኵሮ ዝገበሩ፥ ብፍሉይ እቶም እተወፈዩ ሰባት መገዲ ዝሕብር ታሪኽ ምኽኑ ገሊጾም፡ እዚ ኸኣ ምርኣይን ምስጓምን ምእንጋድን ዝብሉ ሰለስተ ግብራውያን ኵነት ዘመላኽት እዩ። ምርኣይ፥ ብዛዕባ ውፉይ ህይወት ሓድሽ ራእይ ንኸነማዕብል ዝድርኽ ምልክታ እዩ። ኣብ ትሕቲ ብርሃን ኣብ ትሕቲ ስምዒት መንፈስ ቅዱስን! ከም ዘይረኣዩን ዋላ ሓደ ከም ዘይተፈጸመ ኣምሲልና ክንጓዓዝን ከምኡ እዩ ዝግበር ዝነበረ እናበልና ብምድግጋም ብሰንኪ ፍርሂ ለውጢ ልሙሳት ኴይንና ናብ ሕሉፍ ክንጒተት ብፍጹም ዘይከውን እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ሎሚ እቲ ፈተና ንድሕሪት ምምላስን ውልቃዊውሕስነትን ፍርህን ዓቃባውነት እምነትን ናይ ገዳማውያን ማሕበራት መንፈሳዊ መርሖ ንምዕቃብን ዝብል ጽንፍው ስርዓታት ብኣኽራርነት ንምዕቃብ ዝድርኽ እዩ።

ርእስና ንግታእ፥ ደረቕ ምዃን ብልሽውና እዩ። ድሕረ ዝኾነ ይዅን ንቕጽናን ደረቐይናነትን ከኣ ከቢድ ጸገም ኣሎ!

ምርኣይን ምሕዳስን

ንዝሓለፈ ታሪኽ ሸለል ምባልን ፍርህን ኣይሀሉ ንእታይ ደኣ የዕንትና ናብ ህልውን መጻእን ክንከፍት እዩ ዘሎና፡ ኣብ ሕሉፍን ፍርህን ገዛእ ርእስኻ ከኣይቀየድካ፥

ቅልውላው ከም ዘሎ ሓቂ እዩ፡ በዝርአይ ናይ ቍጽሪ ምንካይ ተደሪኽና ጸዋዕታ የለን እሞ እስከ ናብ ርሑቕ ሃገራት ንኺድ ገለ ጸዋዕታ እተረኸብና፡ እዚ ኣይኮነን ክኸውን ዘለዎ፡ ንሕሉፍ ብፍርሂ ክንርእዮ እንኰለና ለውጢ ስለ እንፈርህ ልሙሳት ንኸውን።

“ንምድኻም ሓይልታት ክንርእዮን በዚ ድኽመት ሓይሊ እዚ ኣቢሉ መንፈስ ቅዱስ መንፈሳዊ ህይወትናን ማሕበረሰብና ከነሕድሶ ይዕድመና። መገዲ የርእየና ልብና የርህወልና። እቲ ኣገዳሲ ነገር ነቲ ዘይምለስ ሕሉፍ ምጥዓስ ዘይኮነስ ኣእዳውና ናብቲ ህልው ኩነታት ምኽፋት እዩ። ትማሊ ኣብ ምጥማት ተዓጺና ሎማዊ ህይወትና  ኣይነባኽኖ፡ ትማሊ ኣብ ምጥማት ሎሚ ኣይባኽን። የግዳስ ገዛእ ርእስና ኣብ ቅድሚ ጐይታ ብኽብሪ ነቕርብ ሰናይ ምርኣይ ዝፈልጣ የዕንቲ ክህልወና ንለምኖ።”

ሓደስቲ የዕንቲ ኣብ ዓለም

ቢሎም ኣተሓሒዞም እውን ኣጠማምታና ክንቅይር ከም ዝግብኣ እንክዕድሙ፥

ገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ኮታ ንዅሉ እቲ እንነብረሉ ዘሎና ኩኵታት ነቲ ዘሳቒ ነገራት እውን ከይተረፈ ናይ ምርኣይ ክእለትና ክንቅይር ጻውዒት የቕርበልና፥ . . . ግርህነት ዝመልኦ ዓይኒ ካብ ክውንነት ይሃድም ወይ ነቲ ጸገማት ከም ዘይርእዮ የምስል የገዳስ ብኸመይ ውሽጥኻ ክትርኢ ከምኡ ክንየው ምርኣይን እዩ። ኣብቲ ደጋዊ ትርኢት ደው ዘይብሉ የግዳስ ናብቲ ተነቃፊ ዝኾነ ስንኩፍነት ብምእታው ኣብኡ ንህላወ ኣምላኽ ዘለልዩ ምዃን!

ወፉይ ህይወት፡ ህይወት ምብኻን ማለት ኣይኰነን

እቲ ሕቶ “የዕንትና እንታይ ኢየን ዚርእያ? ብዛዕባ እቲ ውፉይ ህይወት እንታይ ራእይ እዩ ዘሎና ብኸመይ ኢና እንራዮ? ዝብል እዩ። ዓለም ውፉይ ህይወት ከም ዝባኸነ ህይወት ገይሩ እዩ ዝጥምቶ። . . . ንሕና ክርስቲያን ማብረሰብ ውፉያንን ውፉያትን ኣብቲ ውፉይነት እንታይ ኢና እንርኢ? ንድሕርቲ ዝጓዓዙ ሕሉፍ ኣብ ምጥማት ደው ዝበሉ ነቲ ሎሚ ዘየለ ግን ዝነበረ እሞ ዝሓለፈ ዝናፍቑ? ናይ እምነት ኣጠማምታ ኣርሒቑ ዝርእይ ካብ ውሽጥና ግን ክንየው ዘማዕድው ናይ ኣረኣእያ ክእለት ኣሎናዶ? ናይ ምጥማት ጥበብ ክህልወና እዩ ዝግባእ።

ናይ መንፈስ መርሖ

ህላወ ኣምላኽን ዕዮታቱን ኵሉ ኣብ ዓቢይ ነገር ብዜንጸባርቕ ደጋዊ መግለጺታት ኣቢልካ ምስትዓው ዘይኮነስ ኣብ ነሽቱን ተነቀፍትን ነገራት ናይ ምርኣይ ብቕዓት መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝህበና . . . ኣብዚ ኪደት እዚ እውን ዘነቓቕሓና ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኣብ ውሽጥና ዝስምዓና ምንቅስቓስ መንፈስ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝመጸ እንተ ዀይኑ ወይ ካብ ካልእ ዝመጸ እንተ ዀይኑ ንኸነስተውዕል ንጽዋዕ።

መንፈስ ኣምላኽ ኣብቲ ናይ ሓደ ቈልዓ መለለዪ ኣብ ዝኾነ ንኡስ ተነቃፍን ኣብ ዝኹነ ኵሉ ንእግዚኣብሔር ንኸነለልዮ ዝመርሓና እኳ እንተኾነ ሓድሓደግዜ ግን ብዛዕባ እቲ ዝገበርናዮ ውፉይነት ኣብ ግምት ብምእታው ውጽኢት ሸቶታት ኣሳልጦን እንርኣየሉ ቦታን ብዝሕናን ናይ ምሕሳብ ፈተና ከጋጥም ዝከኣል እዩ!

ልምዲ - ተደጋጋምነት

መዓልታዊ ተኣማንነት ከነማዕብልን ነቲ እተወሃበና ንኣሽቱ ነገራት ልኡማት ክንከውንን ኣና እንደሊ?

ኣሕዋተይን ኣሓተን፥ ንመዓልትታትና ዚርኸና እንታይ እዩ? እየናይን እንታይን ፍቕሪ እዩ ንቕድሚት ከም እንስጒም ዝድርኸና? መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይስ ህውሞታዊ ስምዒታትና? ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ብኸመይ ኢናኸ እንንቀሳቐስ? ሓድሓደ ግዜ ጽቡቕ ግብሪ ኺርአ እንከሎ እውን ክይተረፈ እቲ ርእሰ ምትእምማን ወይ ቀንዲ ተጻራሪ ንምዃን ዘሎ ባህጊ ክሓብእ ዝክእል እዩ።

 ምስ በሉ ኣስዒቦም እውን እቲ ካልእ ንገዳማውያንን ውፉያን ማሐብርሰባት ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ፥ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ጠቢቖምን ብመንፈስ ቅዱስ ተነቓኢሖም ንኸመላላአሱ ዘለዎም ውዕዉዕ ስምዒት ዘይኰነስ ካብ ተለምዶ ተበጊሶም ብተደጋጋሚ ብዝገብረዎ ነገራት ዝያዳ ዝተደረኹ ምዃን ዝብል ምዃን ገሊጾም ብዙሓት እውን ነዚ ዓይነት ድራኸ እዚ ዝነብሩ እያቶምዝመልሱ . . .  ሎሚ ውሽጣዊ ድራኸታትና ነረጋገጽ መንፈሳዊ ምንቅስቓስና ነስተውዕል ከመይሲ ህዳሴ ውፉይ ህይወት ብቐዳምነት በዚ ኣገባብ እዚ እዩ ዝሓል።

ሓጐስ ምእንቲ ከይጐድል ሓንጐፋይ ቢልካ ምቕባል

“ብብርሁ የዕንት ፍሽኽ እናበሉ ንመንእሰያት ተስፋ ምስ ዝህቡ” ውፉያትን ውፉያንን ኣረጋውያን ርክብ ምምዕባል ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ምስቶም ውፉያትን ውፉያንን ኣረጋውያንን ኣረጋውያትን ኣሕዋትን ኣሓትና ቀሪብና ክንበጽሖምን ክንጥምቶምን ምስኣቶም ምዝታይን ሓሳባቶም ንኽንሰምዕ ምርኻቦም ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል። እዚ ንብዙሕ ነገራት ፍቱም መድሃኒት ክኸውን ዝኽእል ይመስለኒ . . . እቲ ሳልሳይ ስጒምቲ ከኣ ምቕባል - ሓንጐፋይ ቢልካ ምቕባል ዝብል ምዃኑ ጠቒሶም፥ ሃድ ሃደ ግዜ ኣብ ካልኣይ መዳይ ብምትኳር ወይ ኣብ እንገብሮ ነገራት ብምጥሓል ኣብ እልፊ ነገራት ክንብተን ንኽእል ኢና እንተዀነ ግን እቲ ማእከል ክርስቶስ እዩ፥ ከም ናይ ህይወትና ጐይታ መጠን ሓንጐፋይ ኢልና ንቐበሎ፥

ውፉያን ሰባት ንኣምላኽን ንኻልኦትን ኣብ ዚባርኽ ቃላት እንተ ጐዲሎም ሓጐስን ውዕዉዕ ስምዒት እንተ ጒድልዎም ሕውነታዊ ህይወትና ድኻም ጥራይ እንተ ዀይኑ ግዳያት ሓደ ሰብ ወይ ካልእ ነገር ስለ ዝዀንና ዘይኰነስ ኣእዳውና ንኢየሱስ ስለ ዘይሓዛ እዩ! ሓደ ውፉይ ሰብ ንኢየሱስ ዝሓቍፍ እዩ ዘለዎ፡ ንኢየሱስ እንተ ዘይሓቖፈ ብኻልእ ነገራት  ኣብ ክምልኦ ዝፍጥን ባዶነት ኢዩ ዝጣበቕ።

ምረትን ምጒርምራምን

ንኢየሱስ ኣብ ዘይንሕዘሉ እዋን “ልቢ ብምረት ይዕጾ . . . ብምረት ዝተመላኡ ምረታውያን ውፉያት ሰባት ምራኣይ ዜሕዝን እዩ . . ብዛዕባ የሕልቖም ብዛዕባ ኣሕዋቶም ብዛዕባ ማሕበረሰቦምከምኡ እውን ብዛዕባ ኵሉ . . . የማርሩ! እምተዘየጒረምሪሞም ዝነብሩ ኮይኑ ዘይስምዖም . . . ።

ንኢየሱስ ኣብ ሕቖፎኦም ስለ ዝየንብሩ ንኢድ ኢየሱስ ዘይሕዙ ኣብ ምምራር ፈተና እዮም ዝወድቁ፡ . . . ብዅሉ ነገር ዘማርሩን ስለ ኵሉ ዘጒረምርሙን . . . ኣብ ክንድኡስ ንኽርስቶስ ብኽፉት ኣእዳው እንተ ተቐቢልናዮ ንኻልኦት እውን ብትውክልትን ብትሕትናን ክንቅበሎም ኢና። እዚ ኸኣ ዘይምርድዳእ ናብ ጽልእ ርሕቐት እንተሎ ናብ ምግምማዕ ኣንኸየብል ይድርኽ። ንገሊኦም ኣሕዋትን ኣህዋትን ናይ ምጒዳእ ዝድርኽ ፈተና ድማ ይጠፍእ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ድርቀትን ብልሽውናን ቅልውላውን ምንካይ ቍጽርን ገዝእ ርእስና ንኸነሐድስ ይዕድመና
04 Feb 2022, 11:20