ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ቤጂንግ ዚካየድ ኦሎምፒክን ናይ ኣካለ ስንኵላን ኦለምፒክን ሕውነት ዘስፍን ይዅን ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ቤጂንግ ዚካየድ ኦሎምፒክን ናይ ኣካለ ስንኵላን ኦለምፒክን ሕውነት ዘስፍን ይዅን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ቤጂንግ ዚካየድ ኦሎምፒክን ናይ ኣካለ ስንኵላን ኦለምፒክን ሕውነት ዘስፍን ይዅን

“ኣብነት ናይቶም ኣካለ ስኩላን ስፖርተይናታት ንዅሉ ሰብ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ፍርህን ንኽሰዓርን ከምኡ እውን ንማሕበረሰብ ዝያዳ ተቐባልን ንዅሉ ሓቛፍን ንኽግበሮ እንተድኣ ሓጊዝዎ ብሓንሳ እቲ ልዕሊ ኵሉ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መዳልያ ክንዕወት ኢና”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ቤጂንግ ዝካየድ 2022 ዓ.ም. ናይ እዋን ክረምቲ ኦሎምፒስ ስፖርት ውድድርን ናይ ኣካለ ስንኵላን ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድ ዕለት 4 ለካቲት ዝብገስ ምዃኑ ብምዝኽኻር ነቶም ኣብቲ ዕለት 4 መጋቢት ዝዛዘም መደብ ስፖርት ተሳተፍቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም እቲ ስፖርታዊ ኵነት ናይ ሕውነት ባህሊ ዘተባብዕ ክኸውን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ነቲ መደብ ስፖርት ኣዳለውትን ስፖርተይናታትን ኣሳልጦ ክረኽቦ ባህጐም ከም ዝኾነ ገሊጾም፥

ስፖርት ኣድማሳዊ ቋንቋ ብምዃኑ ኣብ መንጐ ሰባትን ህዝብታትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ናይ ምሕዝነትን ሕውነትን ድልድል ክሃንጽ ይእኽል!

እቲ ኣብ በጂንግ ዝካየድ ናይ ለምዘበል ዓለም ሓቆፍ ኦሎምፒስ ስፖርት ብሓባር ናብቲ ታሪኻዊ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር “ዝቐልጠፈ ዝለዓለም ዝበርትዐ” ናብ ዝብል መርሕ ቃል ከብልን እዚ ኸኣ ንዝቀልጠፈን ንዝለዓለን ዝበርትዔን ሕውነት ዝድርኽ ክኸውን መታን እንክብሉ ምዮቶም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝኾነ መዳልያ

ቅዱስነቶም ሓሳባቶም ብፍላይ ናብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣካለ ስንኵላን ኦሎምፒስ ስፖርት ውድድር ገይሮም፥ “ኣብነት ናይቶም ኣካለ ስኩላን ስፖርተይናታት ንዅሉ ሰብ ከይመርመርካ ብሕማቕ ናይ ምፍራድ ባህርይን ፍርህን ንኽሰዓርን ከምኡ እውን ንማሕበረሰብ ዝያዳ ተቐባልን ንዅሉ ሓቛፍን ንኽግበሮ እንተድኣ ሓጊዝዎ ብሓንሳ እቲ ልዕሊ ኵሉ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መዳልያ  ክንዕወት ኢና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ስደተይናታት ስፖርታውያን ምስክርነት

እቶም ኣብቲ ስፖርታዊ ውድድር ብብሕታዊ ደረጃ ዝሳተፉ ታሪኽ ስደተይናታት ስፖርተይናታት ብኣቃልቦን ብሓጐስን ከም ዝከታተልዎ ገሊጾም እቲ ዝህብዎ ምስክርነት በርገሳዊ ሕብረተሰብ ንዋላ ሓደ ሰብ ከይነጸለ ንዅሉ ዝያዳ ምትእምማን ንኺሓድሮም የተባብዕ። እቲ ናይ ኦሎምፒክን ናይ ኣካለ ስንኵላን ኦለምፒክ ስፖርት ውድድ ዝንበር ተመክሮ ሕውነት ዝሓንጽ ክኸውን እምነይ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

03 Feb 2022, 17:21