ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኢየሱስ ኣብቶም መዓልታዊ ቀረባዅም ዝኾኑ ሰባት ርኸብዎ!
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጸደ ቅዱስ ጴጥሮስ፥ ኣመንቲ ትሑታትንን ፍቓደይናታትን ከምኡ እውን ንመገድታት ጐይታ ከይነጽጉ ዝዕድም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 2 ካብ ፍቕዲ 21-30 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
ኢየሱስ ኣብታ ዝዓበየላ ከተማ ናዝሬት ናይ ፈለማ ስብከቱ “ክርስቲያን ኣብ ሰናይ ነገራት ኪኣምኑ ጻውዒት የቕርብ።” ንኢየሱስ ብዘይርዳእ ሃዋሁን ብጽልእን ድማ ይቕበልዎ፡ እቶም ደቂ እታ ዝዓበየላ ከተማ “ተኣምራትን ዜደንቕ ትእምንርትን” እያቶም ዝደልዩ ዝነበሩ። “ነቢይ ኣብ ዓዱ ከቶ ከም ዘይክበር ብሓቂ እብለኵም ኣሎኹ” እንክብል ኢየሱስ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ዝነገሮም ምስልና ዝጠቐሱ ቅዱስነቶም፥
ኢየሱስ ከምዚ ዓይነት ፍሽለት ኣቐዲሙ እናፈለጠ ስለምታይ እዩ ናይ ዓዱ ዝኸደ? ቢልና ንግረም ንኸውን። ነቶም ኪቕበልዎ ፍቓደይናታት ዘይኰኑ ሰባት ስለምንታይ እዩ ሰናይ ዝገብረሎም?”
ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም እዛ ሕቶ ኣዚኣ ምብዛሕትኡ ግዜ ንርእስና ኣንሓታት ሕቶ እያ። ንኣምላኽ እውን ብዝያዳ ንኽንርድኦ እትሕግዘና ሕቶ እያ። “ገዛእ ርእስና እንተ ዓጸና ንሱ ኣይርሕቐናን ፍቕሩ ድማ ኣይትብተኽን እያ።”
ሰናይ ካብ ምግባር ፍጹም ዘይምብኳር
ወለዲ ንደቃቶም ብዘይ ቅድመ ኵነት ንዘርእይዎም ፍቕርን ንዝገብሩሎም ሰናይ ነገር ኵሉ ሞሳ ዘይመልሱ ውሉዳት ከም ዘለዉ ዘኪሮም፥ ይዅን እምበር ወለዲ ካብ ምፍቓሮም ሰናይ ካብ ምግባሮም ከቶ ኣይቋርጹን። እምበኣር ሰናይ ከይገበርና ጸሓይ እውን ኣይትዕረበና።
ድሉውነትን ትሕትናን
እቲ ኣብ ናዝሬትዘጋጠመ ነገር ንርእስና ብዛዕባ ጽልእን ባህ ዘየብል ኣረኣእያና ከም እንሓትት ይገብረና። “ክልተ ካብ ስራጵታ ናይ ሱዲባብ ዝነጸት መበለትን ንኣማን ሲርያውን” ንኢየሱስ ዝተቐበልዎ። እቲ ቐዳማይ ብነቢይ ኤልያስ ኣቢሉ ዝምሰልን እቲ ካልኣይ ከኣ ብነብይ ኤልሳዕን ዝምስለን “ሓንጓፍይ ቢልካ ናይ ምቕባል ተግባር” ዘኪሮም ኤልያስን ኤልሳዕን ቀሊል ኣገባብላ ኣይረኸቡን ብዙሕ ፈተናታት እውን ኣሕሊፎም እዮም።
ብሓጺሩ እታ መበለት ንኣማን ብፍታውን ብትሕትናን ነቶም ክልተ ነቢያት ከም ኣተቐበልዎን እዚ ኸኣ እምነት ብትሕትናን ብድልውነትን እትሓልፍ ምዃና እዩ ዘረጋግጸልና፥
እታ መበለትን ንኣማንን መገዲ ኣምላኽን ነቢያቱን ኣይነጸጉን ልኡማት ደኣ እምበር ተሪርን ዕጹው ልቢ ኣይነበሮምን!
ኢየሱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ክንቅበሉ ይሓትተና
ኢየሱስ ከምቲ ንሕና ዘይተጸበናዮ ገይሩ ንርእሱ የቕርበልና። እቶም ተኣምራት ሓድሽ ስምዒት ብሓይልን ብደጋዊ ምልክታትን ዝቘመት እምነት ዚደልዩ ክይክረኽብዎን እያቶም። ኣብ ክንዱኡስ በቶም መገዱን ብድሆታቱን ዚቕበሉ ብዘይ ምጒርምራም ብዘይ ምጥርጣር ብዘይ ነቔፈታ ከምኡ እውን ብዘይ ጽዉግ ገጽ እዮም ዚረኽብዎን ዚቕበልዎን። ብኻልእ ኣዘራርባ ኢየሱስ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንቅበሎ እዩ ዚደልይ። ኣብ ናይ ሎሚ ቤተ ክርስቲያንን ኣብቶም መዓልታዊ ቀረባና ዝዀኑን ኣብቶም ተሸገሩን ዚግለጽ ሓቂ እዩ። . . . ብሰናይን ጥዑይን ትሕትና ክንነጽሕ ይዕድመና ኣሎ።
እመቤተ ማርያም ንኢየሱስ ሓንጐፋይ ቢልና እንቕበለሉ መገዲ ተረእየና
ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ “ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣመንቲ ስለ ዝዀንና ንጐይታ ብሓሳባትናን ብፍርድታትናን ኣጸቢቕና እንፈልጦ እዩ ዝመስለና። ንኢየሱስ ምቕባልና ልማዳዊ ክኸውን ዝገብሮ ስግኣት ኣሎ። ናብቲ ሓድሽነቱ ኣክንዲ እንቐርብ ኣብ ገዛእ ርእስና ንድስክል። ኣብ ክንዱኡስ ክፉት ኣምሮን ገርሄይናን ልብን ክህልወና እዩ ዝልምነና።
እታ ኣርኣያ ትሕትናን ፍቓደይናነትን ዝዀነት እመቤተ መርያም ንኢየሱስ ሓንጐፋይ ቢልና እንቕበለሉ መገዲ ትሓብረና”
እንክብሉ ዛዚሞም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።