ድለ

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ማልታ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ማልታ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ማልታ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ

ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል “ፍልይ ዝበለ ሕያውነት ኣርዮምና እዮም” ዝብል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መባእታ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ደሴት ማልታ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ፡ እዚ ናይ ማልታ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስነቶም ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. እተመደበ ከም ዝነበረን ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ተመሓላሊፉ ከም ዝጸንሔ እውን የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ካብታ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔርን በርገሳውያን ላዕለዎት ኣካላትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማልታን ኣብታ ኣብ ሜዲትራኒያ እትርከብ ደሴት ማልታ ምብጻሕ ንኸካይዱ ንዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎም ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ መጀመርታ ቀዳሞት ክልተ መዓልታት ኣብታ ሃገርን ኣብ ቫለተን ራባትን ፍሎሪያናን ደሴታት ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓጺር እዋን እውን ናይቲ ኣብ ማልታ ናይ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምገሻ ዝርዝር መደባቱ ብወግዒ ክግለጽ እዩ። ቅድም ክብል ከም እተሓበረ እዚ ናይ ማልታ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ክካየድ ተወሲኑ እኳ እንተ ነበረ ብሰንኪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ናብ ካልእ ግዜ ተመሓላሊፉ ድሕሪ ምጽናሕ እነሆ ካብ ዕለት 2 – 3 ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ክካየድ ከምእተወሰነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 10 ለካቲት 2022 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል “ፍልይ ዝበለ ሕያውነት ኣርዮምና እዮም” ዝብል ከም ዝዀነን እዚ ኸኣ ንኹነታት እቶም ብመዲትራኒያን ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኤውሮማ ዝጓዓዙ ስደተይናታት ጽንኵር ኵነታት ንምጒላሕን ኣብታ ደሴት ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምንቕቓሕን ንምትብባዕን ዝኣመተ እውን ምዃኑ ዝገለጹ ማተዮ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ እቲ ኣብ ዓመተ ምሕረት 60 ድሕረ ልደተ ክርስቶስ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮሜ ብመርከብ ኣብ ጉዕዞ እንከሎ እታ መርከብ ድሕሪ ዘጋጠማ ጸገም ማልታውያን ተቐቢሎም ዝገበሩሉ እንግዶት ዘዘኻኽርን ባዕሉ ጳውሎስ ብዛዕባ እተገብረሉ እንግዶት ክገልጽ እንከሎ ዝበሎ ቃል ዘዘኻኽር ምዃኑ ሓቢሮም፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1990 ከምኡ እውን ኣብ 2001 ዓ.ም. ክልተ ሳዕ ምብጻሕ ኣካይዶምን ንተወላዲ ማልታ ቀዳማይ ቅዱስ ዝኾነ ጆርጅ ፕሬካ ቅድስና ዝኣወጅሉ ምብጻሕ እውን ከም ዝነበረን ደሓር እውን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2010 ዓ.ም. ምብጻሕ ከም ዘካየዱን የዘኻኽሩ።

11 Feb 2022, 16:34