ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ወርሒ ለካቲት ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ምእንቲ ውፉያት ደቀንስትዮ

ነተን ንቤተ ክርስቲያን እተወፈያ ደቀንስትዮ ስለ እቲ ኣገልግሎትክን ነመስግን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ከም ዘቕርቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ኣብ ውፉያን ደቀንስትዮ ዕላማ ዝገበረ ክኸውን ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ኣመላኺቶም፡ ኵሎም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ውፉያን ደቀንስትዮ ኣብ ተልኾአን ብትብዓት ኪቕጽላን ስሌአን ክጽልዩ ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ገዳማውያን ኣሓትን ውፉያን ዓለማውያን ምእመናን ደቀንስትዮ እንተ ዘይህልዋ ነይረን ቤተ ክርስቲያን እንታይ ምዀነት ነይራ? ብዘይ ብአአን ቤተ ክርስቲያን ክትርድኣ ዝከኣል ኣይከውንን . . .” ነዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዚ ሰሉስ ዕለት 1 ለካቲት ዝዘርገሖ ከምቲ ልሙድ ዓለም ለኻዊ መረብታዊ ማሕበር ንጸሎት ር.ሊ.ጳ. ክኸውን እንከሎ ቅዱስነቶም ንዅለን ውፉያት ኣንስቲ ነቲ ደቅሰብ ዘጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ብኸመይን ብዝበለጸን መገዲ ክሰገር ከም ዘለዎ ኣብ ምሕበር ክእለተን እተባብዐን።” ምስ ኵሉን እቶም ብዝተፈላለየ ናይ ገበን ጉጅለታት ንሓድሽ ግሊያነት ዝተጠቕዑን ድኻታትን ኣብ ከቢድ መከራ ምስ ዝርከቡን ዝተነጸሉን ኣብ ምድጋፎም ኣብ ዘካይድኦ ኣገልግሎት ክቕጽላ እምሕጸን። ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ እውን ሕብረተሰብ ክጸልዋ እሓተን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘይፍትሓዊ ተግባር

ምእንቲ እተን ጽባቔ ፍቕርን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ብዘቕርብኦ ትምህርተ ክርስቶስን ብዘለወን ናይ ቲዮሎጊያ ፍልጠትን መንፈሳዊ መርሕን ኣቢለን ዕንቅፋት እውን ከይተረፈ ከጋጥመን እንከሎ ብቓልን ግብርን ዝምስርካ ኵለን እጽሊ።”

ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈ ግፍዒ ክወርደን እንከሎ እውን ነቲ ዘጋጥመን ግፍኢ ክዋግአኦ እዕድም ተስፋ ክቖርጻ የብለንን” ቢሎም ኣስዒቦም እውን “በቲ እተሳልጥኦ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንሰናይ ኣምላኽ ኣፍልጣ። ልዕሊ ኵሉ ግና እዚ እውን ምስቲ ውፉያት ምዃንክን ዝተተሓሓዘ ምስክርነት ይዅን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሞሳ ቤተ ክርስቲያን

ድሕሪ እዚ ቅዱስነቶም ንዅሎም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ “ምእንቲ እተን ንኣምላኽ ዝተወፈያ ደቀንስትዮ ክጽልዩን ስለቲ ትብዓተንን ተልእኾአንን ሞሳአን ክገልጹ ተማሕጺኖም፡ ነተን ንቤተ ክርስቲያን እተወፈያ ደቀንስትዮ ስለ እቲ ኣገልግሎትክን ነመስግን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጸዋዕታዊ ንጥፈት

እዚ ናይ ወርሒ ለካቲት ናይ ቅዱስነቶም ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝተቐርጸ ምስ ኣህጉራው ናይ ደናግል ማሕበር ዓበይቲ ኣሕሉቕ ጉባኤ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ከምዝኾነን እዚ ናይ ማሕበራት ደናግል ላዕለዎት ኣሕሉቕ ኣህጉራዊ ጉባኤ 1,900 ማሕበራት ደናግል ዝሓቍን ኣብ መላእ ዓለም ንዛርከባ 630 ሺሕ ደናግል ዝውክል እውን ከም ዝዀነ የመላኽት።

ናይዚ ጉባኤ እዚ ኣደ መንበር እናቴ ጆላንታ ካፍካ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንውርሒ ለካቲት ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳን ደናግልን ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ምግልጋል ተጊሄን ኪቕጽላ ዜተባብዕ እዩ” ቢለን በታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ናይ ቅዱስነቶም ዓዋዲት መልእክኽ መሰረት ነታ ኵላትና ኣሕዋት ዝዀንናላ ዓለም ኣብ ናይ ወንጌል ሓሴትን ተስፋን ንኽካፈል ዝተጸዋዕና ኢና” ከም ዝበላ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ውፉያን ደናግል ብዝሓሸ መገዲ ናይ ምፍላጥ ኣጋጣሚ

ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ኣህጉራዊ መረብታዊ ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ይብሉ ቅዱስነቶን ንዕዮ እተን ውፉያት ኣንስቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎተን ይንእዱን ብዙሕ እዋን እውን ናይ ገዛእ ርእሶም መንፈሳዊ ሕንጸት ካብ ውፉያን ደናግል ከም ዝረኸብዎ ደጋጊሞም ይሕብሩ። ብመሰረት እቲ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ ንወርሒ ለካቲት “ኵላትና ነዘን ኣብ ተልእዀ ቤተ ክርስቲያን ዘቕርብኦ ኣገልግሎትን ነቲ ኣብ እዋንና ዝርአ ብድሆታት ንምብዳህ ዘህብኦ ኣገልግሎት ንኽንፈልጥን ምኽንያት ምስጋና እውን ንኽንገብሮ ዝድርኽ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 Feb 2022, 17:12