መራኸቢ ድልድላት ንምህናጽ ር.ሊ.ጳ ምስ ተመሀሮ ዪኒቨርሲቲ ሰሜንን ደቡብን ማእከላይ ኣመሪካን ክዝትዩ

ንዝመጽእ ዕለት 24 ለካቲት 2022 ዓም ሰዓት ሸው ዓተ ድሕሪ ቀትሪ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ተመሃሮ መላእ ሃገረ ኣመሪካ ብመራኸቢ ቡዙሓን ብቀጥታ ክዛትዮ እዮም፤ እዚ መደብ እዚ ለዮላ ዪኒቨርሲቲ ምስ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ብምትሕብባር ዘበገሶን ዘሰናደዎን እዩ። ዋና ጸሓፊት ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ኤሚልስ ኩዳ ነዚ ብዝምልከት ‘ር.ሊ.ጳ ምስ መንእሰያት ንምዝታይ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለው፤ ነቶም ናብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ተሰዲዶም ንዘለው ከይተረፈ ንምሕጋዝ ሓደ መርበብ ክንሃንጽ ንደሊ ኣሎና’ እንክብላ ዕላማ ናይቲ ዘተ ከምዝገለጻ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብ ሰሜንን ደቡብን ማእከላይን ሃገረ ኣመሪካ ንዝርከቡ ተመሃሮ ዪኒቨርሲቲ ንሰዓትን ርብዕን ዝኸውን ግዜ ብመራኸቢ ብዙሓን ብቀጥታ ክዛተዩ ምዃኖም እንክምልከት ምሳኣቶም ዓውን ብዙሓት ስደተኛታት ከምዝሳተፉ ኣብ ዝግለጸሉ ጉባኤ ቀንዲ ኣገባብ ሲኖዶሳዊ መንገዲ ከምዝኽተል ተገሊጹ፤ ካብቲ ኣብቲ ዘተ ዝዝረበሎም ዛዕባታት ትምህርትን ኲስኰሳን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝግበር ስደት ንኩነታት ከባብን ምክንኻኑን ዝምልከት ከማኡ እውን ንፍትሕን ቁጠባን ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምሕባለን ዝምልከቱ እዮም።

ነቲ መደብ ብደቂቁ ዘሰናደው ክፍሊ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ማለት ተሎግያ ዩኒቨርሲቲ ሎዮላ ከምዝኾነን ዕለቱን ሰዓቱን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዕለት 24 ለካቲት ሰዓት ሸውዓተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ብ ኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ክግበር እዩ። እቲ ዪኒቨርሲቲ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ኣብ ክፍሊ ቺካጎ ዝርከብ ኰይኑ ብማሕበር ኢየሱሳውያ ዝካየድ እዩ። ነዚ መደብ እዚ ክውን ንምግባር ምስቲ ዪኒቨርሲቲ ናይ ቅድስት መንበር ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ከማኡ እውን ተቊዋም ጒስነታዊ መጽናዕታትን ንካቶሊካዊ ውርሻ ማእከል ሃንክን ከምዝኾኑ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

መራኸቢ ድልድላት ምህናጽ!

ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ብዙሓት ስለዝኾኑ በብዞባኦም ተመቃቂሎም ብኣርባዕተ ወከልቲ ነፍስወከፍ ጒጅለ እቶም መን እሰያት መደባቶምን ሥራሓቶምን ንቅዱስነቶም ምስ ኣቅረቡ ብዛዕባ ህልው ኩነታትን መጻእን ሃገሮምን ኩነታቶምን ኩነታት ሕይወቶምን መነባብሮኦምን ዝምልከት ሕቶታት ንቅዱስነቶም ከቅርቡ እዮም። እቲ ተበግሶ ከምዘመልክቶ ቀንዲ ዕላማኡ ኣብ መንጎዞም መንእሰያትን ዓለሞምን መራኸቢ ዝኸውን ድልድላት ንምህናጽ እዩ። ብቀንዱ ከኣ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ነቲ ኣብ መንጎ ሰብ ሰርሖን ግዜ ዘምጽኦን ሓጹራትን መከላኸልን ማለት ካብ ጂኦግራፊካዊ ዶባት ሃገራት ጀሚርካ ዘሎ ማሕበራውን baማሕበረሰብኣውን ፍልልያት ከምዝራኸቡን ከም ዝዛተዩን ንምግባር ንምርድዳእን ምድንጋጽን ምድግጋፍን ጥበብ ርክብን ንምፍጣር ዘድሊ መደባት ንምሕንጻጽን ንምርዳኦምን ዝዓለመ መደብ ምዃኑ ዋና ጸሓፊት ናይቲ መደብ ኤሚልስ ኩዳ ከምዚ ዚስ ዕብ ገሊጻቶ።

“ር.ሊ.ጳ ምስ መንእሰያት ንክዛትዩ ብጣዕሚ ተሃንጢዮም ኣለው፤ ነቶም ናብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ተሰዲዶም ንዘለው ከይተረፈ ንምሕጋዝ ሓደ መርበብ ክንሃንጽ ንደሊ ኣሎና ኢለን።”

ነቲ ርክብ ዝኸፍቱን መኽፈቲ መደረ ዘቅርቡን ናይ ቺካጎ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ብለይዝ ኩፒች ምዃኑ ከማኡ እውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ከም ዋና ጸሓፊት ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ኣርጀንቲናዊት ሊቅ ትምህርቲ ንባበ መለኮት መምህርት ኤሚልስ ኩዳ ምዃኖም እንክምልከት ንቅዱስነቶም ኣብዚ ርክብ እዚ ክሳተፉን ምኽሮምን ማዕዳኦምን ቡራኬኦምን ንክህቡ ሓራይ ዘበለቶም እውን ንሳ ምዃና ተመልኪቱ።

እዚ ተበግሶ እዚ ብመሰረቱ ነቲ ቅዱስነቶም መንእሰያት ኣብ ጒዕዞ ሲኖዶስን ዘተን ቤተክርስትያን ንክሳተፉ ዘቅረብዎ ለበዋ ኮይኑ፤ ብከመይ ዝበለ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ ብዝብል ሕቶ ዝጀመረ ምዃኑን ፕሮፈሰር ኩዳ ብኸምዚ ትገልጾ።

ኣብ ዪኒቨርሲቲ ሎዮላ ዝርከቡ ብጾተይ መማህራን ንመንእሰያት ብዛዕባ ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን ኮንፈረንስ ከካይድ ዓዲሞምኒ፤ እዛ ሲኖዶሳውነት ትብል ቃል ንባዕላ ዓቢ ትርጉም ዝሓዘት ኰይና ኣብዘን ሒዝናየን ዘሎና ሰለስተ ዓመታት ክትቀውም ዘለዋ እያ። ጽንሕ ኢሎም ከኣ እንተኽኢልኪ ንር.ሊ.ጳ ዘይትዕድምዮም ኢሎምኒ። ን ዓይ ዳርጋ ጽላለ መሲሉ ተራእዩኒ ንር.ሊ.ጳ ዚኣኽሉ ኢለ፤ ደሓር ምስ ሓሰብክዎ ግን ዘይ ዕድሞምከ ኢለ ዓዲመዮም፤ ብ ዓቢ ሓጐስ ተቀቢሎምኒ፤ ህልው ኩነታትምን መጻኢኦምን ንምፍላጥ ምስ መንእሰያት ኪዛረቡ ከምዝህንጠዩ እውን ገሊጾምለይ ኢለን።

ማዕረ ታሕጓስ ር.ሊ.ጳ ጳጵሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ እውን ከምዝተጐሰን ከምዝተሃንጠየን ዝገለጻ ፕረፈሰር ኩዳ ምኽንያቱ በዚ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳን ሓደ ክፍሊ እግዚኣብሔርን ማለት ማሕበረክርስትያን ዪኒቨርሲቲ ዝግበር ርክብ ኣቢልና ንሕና እውን ኣብ መንጎ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ መርበብ ርክብ ክንዝርግሕ እዚ ከኣ ነቶም ብስደት ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ስደተኛታት ደቡብ ኣመሪካ እውን ዘጠቃለለ ኰይኑ ጸገማቶምን ድልየታቶምን ንክገልጹ ከኣ ከኽእሎም ተስፋ ንገብር። በዚ ኣገባብ እዚ ከኣ እቲ ቀንዲ ሓሳብ መራኸቢ ቢንቶታት ሃኒጽካ ብድሕሪኡ ንኩሎም ብሓባር ዘገድስ ጉዳያት መሪጽካ ምድልዳሉ እዩ እንክትብል ምስ መላእ ላቲን ኣመሪካ እውን ከምዝተሓሕዝ ምናዳ ንኩነታት ስደተኛታት ላቲን ኣመሪካ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጻ።

ተመኲሮ ስደተኛታት!

ካብቶም ምስ ር.ሊ.ጳ ክዛተዩ ተመሪጾም ዘለው መንእሰያት ነቶም ብድኽነትን ካልእ ምኽንያትን መረበቶም ሓዲጎም ብብዙሕ ጭንቅን መከራን ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ተዓቊቦም ናይ ዝርከቡ ደቂ ላቲን ኣመሪካ ወከልቲ እውን ክርከቡ እዮም። እዚ ስደት ደቂ ላቲን ኣመሪካ ግን ናብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ  ጥራይ ኣይኮነን ዘመልክት ከመይ ኣብ ሃሃገሩ ብዘጋጥም ሕንፍሽፍሽን ድኽነትን ኣብ ውሽጢ ሃገራቶም ዝተሰዱ ኣብ ዝተፈላለየ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ደቂ ዓዲ ከማኡ እውን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ደቡብ ኣመሪካን ዝተዓቊቡ ንኩሎም ዘጠቃልል እዩ፤ ሃገራት ካሪብያ እውን ካብዚ ኣይፍለን እዩ፤ ኣብ ፈቀዶኡ ስደተኛታት ተማህሮ ኣሎ! ደቂ ስደተኛታት እውን ሰፍ ዘይብል ጸገማት ተሓንጊጦም ይመሃሩ ኣለው። ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተሉ ካብ ላዕለዋቢቤትጽሕፈት ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ጀሚርካ ብዙሓት ተቊዋማት ስለዘለው ናትና ግደ መራኸቢ ድልድላት መዛተዪ መርበብን ባይታን ብምፍጣር መደባትናን ሓሳባትናን ነንሕድሕድና ንከነካፍልን ንክንደጋገፍን እዩ ኢለን።

ከም ትጽቢት ፕረፈሰር ኤሚልስ ኩዳ ‘ር.ሊ.ጳ ምስዞም ተማሃሮ ዪኒቨርሲቲ ኣብ ዝገብርዎ ዘተ ንኩነታት ከባብን ቊጠባን ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ክልውጡ ንዝኽእሉ መደባት ትምህርትን ኲስኩሳን ብሓባር ንምድህሳስ እዩ፤ ንኣብነት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ረብሓ እተን ሃገራት ክተው ዕሎ ዝከኣል ብዙሕ ባህርያዊ ሃብቲ ኣሎ እንተኾነ በዚ ዘሎካ ባህርያዊ ሃብቲ ንምንባር መጋበሪ የድልየካ። ናብዚ ንምስግጋር ግን ፍትሓዊ መንገዲ በየን ይረኸብ ዝብል ሕቶ ኣሎ፤ እተን ቁሩብ ቊራቦ ኣብተን ዓድታት ዝርከባ ዪኒቨርሲታት ሳይንሳዊ ይኹን ተክኖሎጂካዊ ማዕከን የብለንን፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት እተን ብቅዓትን ማዕከንንን ዘለወን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት እንተተሓባቢሮምዎም ዓቢ ተስፋ ምኾኖም እንክትብላ ካብዚ ዘተን ርክን ንዝጽበያኦ ንኣገልግሎትዚዜና ቫቲካን ገሊጸን።

ብድምጺ ንምክትታል!
22 February 2022, 13:07