ቃል ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብ ንጻዕርታት ሰብኣዊ ሕውነት ድጋፍ
ኣብ ምስሪ ናይ ዓል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕማድ ዓል-ጣይብ ዕለት 4 ለካቲት ኣህጉራዊ ካልኣይ ዝክሪ ሰብኣዊ ሕውነት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ለብዕን ካልእ ጸገማት እናሀለወ ክነሱ ዝሓሸ ዓለም ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እወታዊ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም ገሊጾም፥ ሰብኣዊ ሕውነት ውሑስ ንምብጋር ዝግበር ጻዕሪ ናይ ኵለን ሃይማኖታትን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ተዋሳእነት ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓደ ካብቶም ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ብዓቢይ ክብሪ ዝረአዩን ተሰማዕነት ዘለዎም ዓቢይ መምህርን ዓሌታትን ሃይማኖታትን መራሕትን ዓለም ምትሕብባርን ሕውነትን ዝዓሰሎ ዝሓሸ ዓለም ንኺፈጥሪ ነቲ ብቐጻሊ ዝራአ ዘሎ ለብዕን ሰብኣዊ ስስዔም ዜምጽኦ ጸገማት ንኺስገር ተስፋ ዚገብሩን ኣብዚ መዳይ ዝጽዕሩ ኣብ ምስሪ ናይ ዓል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ሰብኣዊ ሕውነት ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ ምህናጽ ኵሉ ከከም ሓላፍነቱ ክዋሳእ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሰብኣዊ ሕውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣቡ ዛቢ ዕለት4 ለካቲት ከቲሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ መሰረት ዝተወሰነ መዓልቲ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ዝሓሸ ዓለም ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ
ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ነታ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት፥ መለኮተ ሃይማኖት እትዝክር ዕለት እውን እያ ቢሎም “ኣብ መንጐ ሰዓብቲ እተፈላለያ ሃይማኖታትን እምነታትን” ምርድዳእን ምክብባርን ምቅብባልን ኣገዳሲ ምዃኑ እተዘኻኽር መዓልቲ እያ። እዚ ዝኽሪ እዚ “መንፈስ ተጻዋርነት ሕውነትን ሓድነትን ከምኡ እውን ምትሕብባር ዝሰፈነላ ዝሓሸት ዓለም ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ማለት እዩ” ቢሎም፥
ንእዋናዊ ሰብ ዘጋጥሞ ጸገማትን ብድሆታትን ብፍላይ ከኣ ጭንቀት ዘኽታማት ድኻታትካብ መረብቶም እተመዛበሉ ከምኡ እውን ውጹዓት ካብቲ ዘለውሉ ጽንኵር ኩነት ንኽወጹ ውጽኢታዊ መሳርሒታት ናይ ምድላይ ተስፋ ዝሕብር እዩ፡ . . .
ከም ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብ ሕሰምን መከራን ዝርከቡ ሰባት ብሰንኪ እቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ስስዐ ዝመልኦ ህርፋን መኽሰብን ውልቃውነትን ናይ ዝብል ፍቕሪ ንዋይ ዝሰብኽ ባህሊ ግዳያቶ እያቶም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ሓባራዊ ምርድዳእ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት
ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ፍቑር ሓው” እንክብሉ ገሊጾም፥ “ኣብ ጉዕዞ ሕውነትን ሰላምን ተባዕ ብጻይ” እንክብሉ ሰላምታኦም ኣመሓላሊፎም ነቲ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ዘስርጽ ኣብ መላእ ዓለም ሕውነት ንምዕቃብን ንምድልዳልን ንምስፋሕን እተገብረ ተበግሶታት ዝድግፍን ኵሉ ጻዕርታት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣፍልጦ ከምዝሃቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጐ ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ሓንቲ ሃይማኖት ንኣመንትን ናብ ምፍሳስ ደንም ውግእን ዚመርሕ ግጒይ ኣረኣእያን ግጭታትን ንምውጋድ እቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝዛረብ ሰነድ ብኣል ኣዝሓርን ቫቲካንን ዝተዳለወ ምዃኑ ከም ዘዘኻኽሩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሕውነት ዘጋጥም ብድሆታት
እቲ ሰነድ ካብ ኣዚዩ ከቢድ ቅልውላው ከም እተወልደን ንኽውንነት ዘለዎ ኣጋጣሚ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ብድሆታት ከም ዘጋጥሞ ገሊጾም፥
ይዅን እምበር ኣምላኽ ነቲ ሕልሚ ኪፍጸም ልባዊ ድራኸን ጻዕርን ስለ ዝነለዎ ከምኡ እውን ኵሎም ደቂ ሰብ ኣሕዋትን ኣሓትን እዮም ዚብል ዓሚቝ እምነት ስለ ዝነበሮ ክፍጸም እዩ ዚደልዮ!
ዓለም ምስ ለብዒ ኮቪድ - 19ን ምስ እተፈላለየ ለብዕን ኣብ እትቃለሰሉ ዘላትሉ እዋን ካልአይ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሕውነት ትዝክር ኣላ። እዚ ፍርህን ራዕድን እዚ ነቶም ሕልናኦም ዘደንዘዙ ትዕቢተይናታት ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ውልቃውነት ዝብል ኣመለኻኽታ ዝታኸሱ ካብ ምድቃሶም ዘተንስኦም እሞ ምስቶም ቅኑዓት መራሕትን ለባማትን ብምትሕብባር ንደቂ ሰብ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ተኸታታሊ ቅልውላው ከም ዘድሕንዎም ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጾም፡ ሰብኣዊ ፍጥረት“ዓለም ኣብ ኵሉ ዓሌታትን ሃይማኖታትን ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣህጉራዊ ውሳነ ግደ ዘለዎም ሃይማኖታውያን ሰባት ከምኡ እውን ምርኡያት ምሁራት ነዚ ኣጸጋሚ ቅልውላው እዚ ኪሰግሮን ካብ ጸባባኦም ኬናግፎምን ኣብ ዚኽእል ሓላፍነቶም እተድኣ ተሰማሚዖም ጥራይ ምዃኑ እዩ ሰብኣዊ ሕውነት ዝረጋገጽ” ቢሎም እቲ ዝቖመ ሰብኣዊ ሕውነት ዘነቓቕሕ ላዕለዋይ ሽማግለ ዕላማታት ሰብኣዊ ሕውነት ሰነድ ብእተፈላለየ ዶባትን ፍልልያትን ሰገር ብዝኾኑ ተበግሶታት ኣቢሉ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዚገብሮ ጻዕሪ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት - ናብ ተስፋ ዚመርሕ መገዲ
በቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝገልጽ ሰነድን ተበግሶታቱን ኣቢሎም ካብ ውግእን ግጭትን ናጻ ዝዀነት ነቶም ኣብ ፍርሂ ዝነብሩ ርጉጽ ውሕስነት ክረኽቡን ድኻታት ካብ ጸገማቶም ተላቒቖም ብህይወት ዝነብሩላ ከምኡ እውን ነቶም ተነቀፍቲ ዕቝባን ፍትሕን ዝረኽቡላ ሓዳስ ዓለም ንምርግጋጽ መገዲ ሰብኣዊ ሕውነት ተበጊሱ እዩ፡ ከቢድ ብድሆታትን ዕንቅፋታትን እኳ እንተ ኣጋጠመ መገዲ ሰላም ንዅሎም እቶም ኣብ ኣምላኽ ዚኣምኑ ጽሕፍቶ እዩ፡ ይዅን እምበር ለሚስካ ዘይኮነ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ብቓልን ግብርን ክምስከር ዘለዎ እውን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካ ሓቢሩ።
ደገፍ ንጻዕርታት ሰላም
ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ፥ “ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣፍቀርቲ ሰናይን ሰላምን ዓለም ለኻዊ ሕውነትን ሓልዮትን ርህራሄን ንምምጻእ ከምኡ እውን ንዅሉ ጽልእን ግጭትን ውግእን ዘለዓዕል ነገራት ንምውጋድ” ብሓባር ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ጻዕርታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝድግፍዎ ተማባጺዖም፥ “ነቲ ንደቂ ሰብ ዘስግእ ንርግኣቱ ዘዳኽምን ናይ ሓቂ ብድሆታት ንምስጋር ብሓቂ ምትእምማንን ምትሕብባርን የድልየና” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።