ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ጒባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ኣኼባ ተኻይዱ ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ጒባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ኣኼባ ተኻይዱ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ጒባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ኣኼባ ተኻይዱ

ሲኖዳውነትን ኣገልግሎት ክሌኣዊ ስነ መላ ርክባት ቅድስቲ መንበርን ቤተክርስቲያንን ከምኡ እውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለወን ግደ ኣብ ዝብሉ እርእስታ ብጹዓን ካርዲናላት ኣባላት ጒባኤ መማክርት ር.ሊ.ጳ. ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ከም እተመያየጡ

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጒባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ ኣብ  ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ካብ ዕለት 21 – 23 ለካቲት 2022 ዓ.ም. እቶም ሸውዓተ ኣባላት መማክርት ብጹዓን ካርዲናላ  ብዛዕባ ናይ ዝመጽሉ ከባቢ ፖለቲካውን ኤቅለስያውን ግደ ደቂ ኣስንትዮን ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሲኖዳውነትን ኣገልግሎት ክሌኣዊ ስነ መላ ርክባት ቅድስቲ መንበርን ቤተክርስቲያንን ከምኡ እውን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለወን ግደ ኣብ ዝብሉ እርእስታ ብጹዓን ካርዲናላት ኣባላት ጒባኤ መማክርት ር.ሊ.ጳ. ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝተካየደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብጹዕ ካርዲናል በርተሎን ብጹዕ ካርዲናል ማራዲያጋን ብጹዕ ካርዲናል ማርክስ ብጹዕ ካርዲናል ኦምለይ ብጹዕ ካርዲናል ግራሲያስን ብጹዕ ካርዲናል በሱንጉን ናይቲ መማክርት ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖ ከም እተረኽቡ ኣፍሊጡ።

ሲኖዳውነት፥ ናይ ምስማዕ መስርሕ

ተጋባእያን ኣባላት ናይ ር.ሊ.ጳ. መማክርት ጒባኤ ብጹዓን ካርዲናላት ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጒዳያት ሓበሬታ ብምቕራብ ኣኼባኦም ከም ዘበገሱን ድሕሪ እዚ ኣርእስቲ እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀንዲ መንነት መግለጺ ዝኾነ ሲኖዳውነትን ከምኡ እውን እዚ መንንነት ካብ ካህናትን ምእመናንን ዝሓትቶ ኣድላዪ ለውጢ ምስማዕን ምስትውዓልን ዝብል መስርሕ ብኣጽንዖት ዘመላኸተ ምይይጥ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ንጥፈታት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን፥ ኣብ መቓን ህልው ኩነታት ናይ ዓለም ፖለቲካ

ኣስዒቦም እውን ገለ ካብቲ እተመያየጥሉ ጒዳያት ብዛዕባ ኣገልግሎት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡክነት - ኣብ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባትን ናይ ሓዋርያዊ ልኡካን ንጥፈታት ኣብ መቓን ህልው ኵነታት ናይ ዓለም ፖለቲካውን ኤቅለስያውን ኣማእኪሎም ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዘካየዱን ኣብ ርእሲ እዚ እውን ንተጋባእያን ግደ ደቂ ኣንስትዮ “ብመሰረተ ሓሳብ ስነ ማርያም” ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ እናቴ ሊንዳ ፖቸር ጸብጻብ ከም ዘቕረባን ሰፊሕ መብርሂ እውን ከም ዝሃባ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ኣኼባ ዕለት 23 ለካቲት ድሕሪ ቐትሪ ቀጺሉን ቀጻሊ ኣኼብኡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ንኸካይድ ተጋባእያን ቆጸራ ወሲዶም ከም እተዛዘመ ኣፍሊጡ።

24 Feb 2022, 17:40