ቃል ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ለምጺ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ጥሪ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 30 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ለምጺ ምዃኑ ብምዝኽኻር ንህሙማን ለምጺ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም፥ ቀረባኦም ንዅን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለቱ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ለምጺ ከም ዝኾነን ናይዛ መዓልቲ እዚኣ መርሕ ቃል ድማ “ሕብረት ንኽብሪ” ዝብል ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ “ነቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሳቐዩ” ቅርበቶም ኣረጋጊጾም “መንፈሳውን ክንክን ጥዕናውን ሓገዝ ከይስእኑ ስሌኦም ንጸሊ። ንዞም ብሕማም ለምጺ እተጠቕዑ እቲ ዘጋጥሞም ጒስያን ማሕበራዊ ኵነታት ዝትንክፍ ምንጻልን ንካልእ ምሉእ ዘጋጥሞም ኣድልዎ ኵሉ ንክውገድ ብምትሕብባር ንምሉእ ሰብኣዊ ውህደት ምዕያይ ኣድላዪ እዩ።”
ዓውደ ዓመት ቻይና
ዕለት 1 ለካቲት ኣብ ምሉእ ርሑቕ ምብራቕን ኣብ እተፈላለያ ክፍልታት ዓለምን ዚበዓል ዓውደ ዓመት ቻይናውና ዘኪሮም ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ቅዱስነቶም ልባዊ ሰላምታኦም ገሊጾም ኣብ ሓድሽ ዓመት ከኣ ኵሎም “ሰላምን ጥዕናን ቅሳነትን ዘለዎ ህይወት” ክረኽቡ ምንዮቶም ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ኣባይቲ ስድራ ብሓባር ተኣኪበን ፍቕርን ሓጐስን ዚነብርሉ ኣጋጣሚታት ክረኽባ ክንደይ ባይ የብል! እቲ ዘሕዝን ብዙሓት ኣብይቲ ስድራ ብሰንኪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ሓድሽ ዓመት ብሓባር ንምብኣል ክተኣኻኸቡ ዘይከኣል ከም ዝኾነነን፥ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነዚ ፈተና እዚ ኪንሰግሮ ተስፋ እገብር” ቢሎም፥ “ብጽቡቕ ፍቓድ ውልቀ ሰባትን ብምሕብባርን ምትሕልላይን ኣብ መንጐ ህዝብታት መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ሓድሽ ንዋታውን መንፈሳውን ምዕባለ ዝብል ሸቶ ክወቅዕ ከም ዝክእል” ገሊጾም፥
ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ
ኣብ መወዳእታ ዕለት 31 ጥሪ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ከም እተብዕል ዘኪሮም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ቤተ ክርስቲያን ኰይኖም ብዙሕ ሰናይ ዚገብሩ ኣባላት ማሕበር ሳሊዥያን ካህናትን ኣሃውን ደናግልን ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ እዚ ዓብይ ኣቦን መምንርን መንእሰያት ዝኾነ ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ንሓስብን ንዝክርን፥ ኣብ ቤተ ጸሎትን ኣብ ዝነበሮ ንብረትን ገዝእ ርእሱ ኣይዓጸወን። ቀንዲ መለለዪኡ ናይ ምምሃዝ ክእለቱ ከም ዝኾነን እዚ ኸኣ መንእሰያት ንኽራኸብን ክድግፎም መታን ናብ ጐደናታት ክወጽእ ዝገበሮ እዩ” ቢሎም ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።