ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅዱስ ዮሴፍ ‘ንድምጺ ኣምላኽ ኬስተውዕል ዝኽእል ሓላሚ’

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 26 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብቲ ኣብ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ዮሴፍ ኣማኣኪሎም ዘበገስዎ ኣስተምህሮ ብምስዓብ ኣብ ዘቕረብዎ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ቅዱስ ዮሴፍ ሓላምን ንድምጺ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘለለዮን እቲ ዝተቐበሎ ድምጺ ኣምላኽ ኣብ ተግባር ከም ዘውዓሎን ኣብ ዝብል ሓሳብ ከም ዘስተንተኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብነት ናይቲ ንኢየሱስ ዘዕበዮ ኣቦ ንድምጺ ኣምላኽ ንኸነተውዕል ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ዝገልጽ ኣብ ዘቕረብዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብ ሕልምታት ቅዱስ ዮሴፍ ኣተኵይሮም፥

ሕልምታት “መንፈሳዊ ህይወት ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣምላኽ ገዛእ ርእሱ ዝግለጸሉ ብዙሕ ግዜ ዝዛረበና ከነማዕብሎን ክንሕልዎን እንጽውዓሉ ውሽጣዊ ስፍራ” ዘመልክት እዩ፡ ይዅን እምበር ካብቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ካልእ ድምጺ፥ ድምጺ ፍርህን ካብቲ ጽምጺ ኬታልልን ኬደናግርን ዝደሊ እኩይ” ንኽንጥንቀቕ ሓደራ ቢሎም፡ ኣብ መንጐ ብዙሓት ሰባት ድምጺ ኣምላክ ከነለሊ ዜኽእለና ምስትውዕ ምምዕባል ይግብኣና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣምላኽ ክንገብሮ ዘሎና ቕኑዕ ነገር የርእየና

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ወንጌል ዝዝንተው ኣርባዕተ ሕልምታት ቅዱስ ዮሴፍ፥ ዮሴፍ ደቂሱ እንከሎ መልኣኽ ተገልጸሉ፥ እዚ ኸኣ ማርያም ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ ክፍጠር ዝክእል ግጭት ንኽፈትሖ ሓገዞ፥ ዮሴፍ ብኡብኡ ንቓላት እቲ መልኣኽ ሰሚዑ ንማርያም ከም በዓልቲ - ቤቱ ገይሩ ወሰዳ፥

ህይወት መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ዘይንርድኦን ፍታሕ ኣብዘይብሉን ኵነታት እያ እተእትወና። ኣብታ ህሞት ኣቲኣ ምጽላይ ክበሃል እንከሎ ጐይታ ቅኑዕ ነገር ንኽንብገር ንኽፈቕደልና ምፍቃድ ማለት እዩ!

ኣምላኽ ትብዓት ይህበና

ኣብቲ ካልኣይ ሕልሚ ዮሴፍ ህይወት ሕጻን ኢየሱስ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ መጠንቀቕታ ይወሃቦ። ንገዛእ ርእስና ወይ ንእነፍቅሮም ሰባት ዜስግእ ሓሓደጋታት ኬጋጥም ከሎ ምጽላይ የድሊ፥ እዚ ክበሃል እንከሎ ነቲ ከም ናይ ዮሴፍ ዝኣመሰለ ትብዓት ኪህበና ዚኽእል ድምጺ ምስማዕ ማለት እዩ።”

ጸሎት ናብቲ ጸላም ብርሃን የምጽእ

ዮሴፍ ኣብ ምርኮ - ስደት እንከሎ ናብ ዓዱ ክምለስ ከም ዚኽእል ዚሕብር መልኽት ክሳዕ ዚረክብ ብትዕግስቲ ተጸበየ። ኣብታ ሳልሰይቲ ሕልሚ፥ እቶም ንህይወት ኢየሱስ ከሕልፉ ዝደልዩ ዝነበሩ ከም ዝሞቱን እቲ ራብዓይ ሕልሚ ከኣ ቅዱስ ዮሴፍ ነቲ ንሄሮድስ ዝተከኦ ኤርኮላዎስ ፈሪሁ ኣብ ናዝሬት ኪቕመጥ  ሓበሬታ ክህልዎ ዚገበረ ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፥

ፍርሂ ክፍሊ ህይወትና እዩ፡ ጸሎት እውን የድልየና እዩ . . . ዮሴፍ ፍርሃት እኳ ይስምዖ እንተነበረ ኣምላኽ ግና ይመርሖ እዩ። ሓይሊ ጸሎት፥ ብርሃን ናብቲ ጸልማት የምጽኣልና!

ኣስዒቦም ብዛዕባ እቶም ብኽብደት ህይወት እተደቝሱ እሞ ተስፋ ወይ ጸሎት ዘይገብሩ ብዙሓት ሰባት ቅዱስ ዮሴፍ “ናይ ብርሃን ብርታዐ ከምኡ እውን ሓገዝ ንምርካብ ምስ ኣምላክ ንኽዛረቡ ገዛእ ርእሶም ክኸፍቱ ክሕግዞም” ጸልዮም፥ ብዛዕባ እቶም ደቃቶም ኣብ ጸገም ዝርከብዎም ብዛዕባ እቶም ህሙማን ወይ ኣብ ደቃቶም ካብቲ ምዃኖም ፍልይ ዝበለ ጾታዊ ስምዒት ኪርእዩ ብዝተፈላለየ ሓደጋ ዝቘሰሉ ወይ ትምህርቲ ክከታተሉ ዘይክእሉ ናይ ምምሃር ጸገም ዘለዎ ቈልዑ ዘለውዎም ወለዲ እናሓሰቡ ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዘጋጥሞም ወለዲ ኪፈርሁ ወይ ክኹንኑ ዘይኰነስ ቅዱስ ዮሴፍ ነቲ ዘጋጠሞም ጸገማት ብኸመይ ከም ዝፈትሕዎ ኪሓስቡ መታን ሓገዙ ኪሓትቱ ዓዲሞም፥

ጸሎት ምስ ግብረ ሰናይ ምትሕንፋጽ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ንምእመናን ኵሎም “ጸሎት ምሉእ ብምሉእ ውሽጣዊ ጒዳይ ወይ ውን ረቒቕ ኣይኮነን የግዳስ ወትሩ ምስ ግብረ ሰናይ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ እዩ” እንክብሉ እንከዘኻኽሩ፥

ንጸሎት ምስቲ ንብጻይና ዘሎና ፍቕሪ ምስ እነጣምሮ ጥራሕ ኢና ንመልእኽቲ ጐይታ ክንርድኦ እንኽእል!

ምስ በሉ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ፥

            ቅዱስ ዮሴፍ በዓል ሕልሚ

            ነቲ ኣምላክ ገዛእ ርእሱ ዚገልጸሉን ዘድሕነናን ውሽጣዊ መንፈሳዊ ህይወት ዳግም ከነሀልዎ ምሃረና

            ጸሎት ዋጋ ዘይብሉ ኰይኑ ክስምዓና ዝገብር ኣመለኻኽታ ካባና እለዮ

            ነፍሲ ወከፍና ነቲ ጐይታ ዜርእየና ዝመዓራረዩ ክንከውን ሓግዘና

            ኣተሓሳስባና ብብርሃን መንፈስ ይብራህ

            ልባትና ብሓይሉ ይተባባዕ

            ፍርህና ድማ ብምሕረቱ ይፈወስ

            ኣሜን!

ዝብል ጸሎት ደጊሞም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 January 2022, 08:59