ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያናዊ ሓድነት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ሓባራዊ ጉዕዞ ክኸውን ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያናዊ ሓድነት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ሓባራዊ ጉዕዞ ክኸውን ኣለዎ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያናዊ ሓድነት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ሓባራዊ ጉዕዞ ክኸውን ኣለዎ!

“እቶም ብጸጋ ኣምላኽ ዚትንከፉ ንርእሶም ጥራይ ኪነብሩ ኣይከኣሎምን እዩ። ወትሩ ንቕድሚት ንኺስጒሙን ብሓባር ኪጓዓዙን እያቶም ዝድረኹ፡” ኣብዚ እዋን ዘሎና ክርስቲያን ልክዕ ከምቶም ንእተፈላለየ ባህልታትን ህዝብታትን ዝወከሉ ሰብኣ ሰገል “ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንጓዓዝ ከም ዘሎና ዘመላኽት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ዝካየድ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ምኽንያት ካብ ፊንላንድ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝእተወ ኣብ ፊንላንድ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓባራዊ ጉባኤ ጉጅለ ልኡካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ፊንላንድ ዝመጹ ወኪላት ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓባራዊ ጉባኤ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ነቲ ናይ ለብዘበን ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ዝስትንተነሉ ብዛዕባ እቶም ንሕጻን ኢየሱስ ረኺቦም ዘምለዅ ሰብ ጥበብ ዘማእከለ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም “እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ጥበብ ነቲ  ክበጽሕዎ ዝደልይዎ ሸቶ ብኵለንተናኦም ሃረር ዝበልዎን ዝደለይዎን እውን ብምዃኖም ከም ዝበጽሕዎን ክበጽሕዎ ዝኸኣሉ ድማ ጐይታ ብትእምርቲ ኰዀብ ኣቢሉ ኣቐዲሙ ክደልዮም ስለ ዝፈቐደ እዩ።” ንዓና እውን ኣምላኽ ይደልየና እዩ። “እቲ እንህቦ ምላሽ ድማ ከምቲ ሰብኣ ሰገል ብሓባር ዝገበርዎ ጒዕዞ እዩ ኪኸውን ዘለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓባራዊ ጒዕዞ

“እቶም ብጸጋ ኣምላኽ ዚትንከፉ ንርእሶም ጥራይ ኪነብሩ ኣይከኣሎምን እዩ። ወትሩ ንቕድሚት ንኺስጒሙን ብሓባር ኪጓዓዙን እያቶም ዝድረኹ፡” ኣብዚ እዋን ዘሎና ክርስቲያን ልክዕ ከምቶም ንእተፈላለየ ባህልታትን ህዝብታትን ዝወከሉ ሰብኣ ሰገል “ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንጓዓዝ ከም ዘሎና ዘመላኽት እዩ፥ ብሓባር ድማ ንቕድሚት ንሰጉም። ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ እናቐርብና ክንጓዓዝ ንሓድሕድና ክንረዳዳእ አተባብዕ። ብሓባር ምጉዓዝ ነቲ ጉዕዞ ቀሊል እዩ ዝገብሮ፡ ምኽንያቱ ሕድሕዳዊ ምድግጋፍን ምትሕልላይን ስለ ዘህሉ” ቢሎም ኢየሱስ ናብ ድኻታትን ስኡናትን ጥራይ ዘይኮነ ንሓድሕድና ንኽንቀራረብ ዚገብር ኣብነት ፍቕሪ ሂቡና እዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ግን ናብ ምሉእ ሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ዝኸበደ እዩ። እዚ ኸኣ “ናብ ድኻምን ተስፋ ምቑራጽን ከብጽሕ ዝለ ዝኽእል፡ ነዚ ጒዕዞ እዚ ከምቶም ድሮ ንኣምላኽ ዝውንንዎ ዘይኰነስ ከምቶም ዚደልይዎ ኴይና ኢና ክንፍጽሞ ዘሎና፡ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ እውን ሕድሕዳዊ ምትብባዕን ምድግጋፍን መታን ክህሉ ትብዓትን ትዕግስቲ የድሊ” እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ክልተ ዓበይቲ ኵነታት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣብቲ ናብ ሓድነት ክርስቲያን ዝግበር ጒዕዞ ከነቃልበሉ ዝግብኣና “ኣገደስቲ ህሞት” እንክብሉ ክልተ ዝኽሪ ዓመት ብምዝኽኻር፡ እዚ ከኣ እቲ ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝኺሪ መበል 1700 ጉባኤ ኒቅያን መበል 500 ዓመት ኣብ ኣውግስበርግ ቅዋመ ሊተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ጉባኤ ንቅያ “ቅድስቲ ስላሴኣውን ክርስቶሳውን” ማእከል እምነትን ሕብረት ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉን ዚሕብር ከም ዝኾነ ገሊጾም፡ ኵሎም ክርስቲያን ንኽርስቶስ ንምስዓብ ዘለዎም ውዕዉዕ ስምዒት ክሕድሱ እንከተባብዑ፥ ናይ ኵሉ ሰብ ዘመን ኣንሕና እውን ደለይቲ ክርስቶስ ኢና!” ቢሎም ኣስዒቦም እውን ከም ዝገለጽዎ፥ ኑዛዜ ኣውስበርግ እቲ ብፕሮተስታንታዊ ሕዳሴ ዝፍለጥ “ክርስቲያን ብእተፈላለየ መገዲ ኪጐዓዝ ዚጀመረሉ እዋን ምዃኑ ገሊጾም ይዅን እምበር እቲ ዝመጽእ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ንፍቓድ ኣምላኽ ብዝያዳ ልኡማት ምእንቲ ክንከውንን ንሜላታት ደቅሰብ መታን ከይንእዛዝ ኣብ ጉዕዞ ሕብረትና ዘተባብዕን ዓለማዊ ሽቶታት ካብ ምስዓብ ንላዕሊ ብሰማያት ተሓቢሩ ዘሎ መገዲ ንኽንስዕብ ዝያዳ ዝድርኽ ኰይኑ ከገልግል ከም ዝኽእል ድማ እኣምን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕልምታት ደቀባት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ፊንላንዳዊ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ጁካ ከስኪታሎ፥ ሕልምታት ኣማዞናውያን ደቀባት ምስ ናይ ፊንላንድ ደቀባት ሕልምታት ብምትሕሓዝ ብዛዕባ ኣማዞን ክሓስቡን ክሓልሙን ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ስለ ዘቕረብዎ ሓገዝ ኣመስጊኖም፥ “ሓደ ጓሳ ጭቡጥ ምስ ናይ ህዝቢ ጭቡጥ ኵነት ክኸውን ኣለዎ ይዅን እምበር ምሕላም ኬቋርጽ ክፈቅድ የብሉን ስለ እትሓልሙን እንሓልምን አመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓድነት ክህልወና ዝኽእል

ኣብ መወዳእታ ሓድነት ክንረክብ እንኽእል መዓዝ እዩ? መዓዝ እዩ ኣብ ሓድነት ዝብጻሕ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ሓደ ዓቢይ ኦርቶዶክሳዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ጠቒሶም፥ “ንኣምላኽ ብትብዓትን ብጭቡጥን መገዲ ብምድላይ” ከምኡ እውን “ናብ ክርስቶስ ብምጥማት” እቲ ሓድነት ዝብጻሕ ቢሎም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ንቕድሚት ክንስጉም ጻውዒት ምስ ኣቕረቡ ብሓባር ኣቡነ ዘበ ሰማያት ጸሎት ደጊሞም ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያናዊ ሓድነት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ሓባራዊ ጉዕዞ ክኸውን ኣለዎ!
19 January 2022, 09:38