ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኩርያ ሮማና ደያኑ፥ ብኖላዊ ልቢ ምስማዕ! ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኩርያ ሮማና ደያኑ፥ ብኖላዊ ልቢ ምስማዕ! 

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ኩርያ ሮማና ደያኑ፥ ብኖላዊ ልቢ ምስማዕ!

ንኣባላት ሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ ብተኣምንነትን ብሓድሽ ትግሃትን ፍትሕን ሓቅን ኣብ መወዳእታ ከኣ ንድሕነት ነፍሳት ኣብ ምግልጋል ንቕድሚት ከብሉ ኣተባቢዖም

ዕለት 27 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኵርያ ሮማና ቤት ፍርዲ ናይ 2022 ዓ.ም. ዕዮ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ምኽንያትን ንዅሎም ደያቱ ተቐቢሎም፥ እቲ ቤት ፍርዲ ነቶም ብሰንኪ ምብትታን ሓዳሮም ዝሳቐዩ ሰባት ዝርዳእን ብኖላዊ ልቢ ቀሪቡ ዝሰምዕን ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ዘተሓሳሰብሉ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናይ 2022 ዓ.ም. ናይ ኵርያ ሮማና ቤት ፍርዲ ደያኑ ናይ ስራሕ ዓመት መኽፈቲ ስነ ስርዓት ምኽንያት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቶም ናይ ምስጢረ ተኪሊል ጉዳይ ዝምልከቱ ደያኑ ተልእኾኦም ኣባይቲ ስድራ ምግልጋል ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ከምኡ እውን ሲኖዳውነት ዝብል ሓሳብ መሰረት ገይሮም፡ ቃል ኪዳን ፍቱሕ ይዅን ምስ ዝብል ውሳኔ ኣተሓሒዞምሰፊሕ ኣስተንትኖ ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሲኖዳዊ መስርሕ

ኣብ ፍርዳዊ ንጥፈታት ሲኖዳዊ መስርሕ ክህሉ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ እውን ነቶም “ሓዳር ዝፈትሑ ሰብ ሓዳር ምስ ኤቅለሲያዊ ማሕበረሰብ ስኑይ ርክብ ንክህልዎም ዝገብር ምዃኑ ብምዝኽካር፥ ሲኖዳውነት ብሓባር ምምልላስ እዩ ዘመላኽት፡ ኵሎም እቶም ኣብዚ መስርሕ እዚ ዝሳተፉ ሰባት ኣብ ሓደ ዕላማ ኣብርክቶ ንኽገብሩ ማለት ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ሰብ ሓዳር ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ሓቂ ጭቡጥ ሕብረት ነይሩ ዶ ኣይነበረን ምዝብል ሕቶ ብጥልቂ ምልላይ የድሊ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓቂ ምንዳይ

ኣብ ኣፈናዊ ደረጃ እውን ከይተረፈ እቶም ምእመናን ሓገዝ ጒስነት ክደልዩ ከለዉ “ብዛዕባ ሓዳሮም እቲ ሓኣቂ ንምርካብ ጽዕሪ ክግበር ከም ዘለዎ እዚ ድማ ቅስሊ ንምሕዋይ ኣድላዪ ኣገባብ እዩ፥ እቲ ሓዳሮም ንኸፍርሱ ዝደረኾም ምኽንያት ከቕርቡን ሓዳሮም ከም ዝፈረሰ ንኸፍልጡ ዝድርኾም ምኽንያት ከስተንትኑሉ ኣድላዪ እዩ፡ ምእንቲ እዚ ንሓቂ ብሓባር ንምርካ ዚግበር ጻዕሪ ንዅሉ ደረታት ፍርዳዊ መስርሕ መለለዪ ክኸውን ኣለዉ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ሲኖዳውነት ንኣስተውዕሎ ኣገዳሲ እዩ።እዚ ምስትውዓል እዚ ብሓባር ኣብ ምኻድን ኣብ ምስማዕን እተሞርኮሰ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ጭቡጥ ናይ መጻምድቲ ኵነታት ከኣ ብብርሃን ቃል ኣምላኽን ብስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ንኽንበብ የኽእሎ፥ ናይዚ ውጽኢት ድማ እቲ ዝመሓላለፍ ብይን ይኸውን ምስ በሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ንኣባላት ሓዋርያዊ ቤት ፍርዲ ብተኣምንነትን ብሓድሽ ትግሃትን ፍትሕን ሓቅን ኣብ መወዳእታ ከኣ ንድሕነት ነፍሳት ኣብ ምግልጋል ንቕድሚት ከብሉ ኣተባቢዖም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 Jan 2022, 08:59