ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምኽባር ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንፍሉይነት ሓውን ሓብትን ክብሪ ምሃብ ማለት እዩ!

መገዲ ሕውነት ንምረጽ፥ ምኽንያቱ ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ኣፍልጦ ዘይምሃብ ዘስዕቦ ክሳራ ንዅላትና እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ከም ዘቕርቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ 2022 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣብ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክትኰር ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ኣመላኺቶም፡ ሃይማኖታዊ ኣድልዎ ንምቅላስን ምእንቲ እቶም ብሃይማኖትን ብዝስዕብዎ እምነትን ዝሳደዱን መስጐጒቲ ዝወርዶምን ክንሓስብ ስሌኦም ክንጽሊ ተላብዮም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ምኽባር ንፍሉይነት ሓው ዝግብኦ ክብሪ ምሃብ ማለት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተመልከተ “መዓልቲ ኣምላኽ ኣኽብር” ካብ ዝብል ትኣዛዝ ዝነቕል ናይ እምንትን ሃይማኖትን ናጽነት እምነትካ ኣብ ማሕበራውን ውልቃውን ሕይወት ንኽትነብሮ ዘተሓሳስብ ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ ካልእ ሃይማኖት ከተኽብርን ነቲ ኣብ ሓውን ሓብትን ዘሎ ፍልዩነት ከተኽብር ዝዕድም ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ኣተሓሳሲቦም፥ “ኣብዚ ስልጡን እንብሎ እነብረሉ ዘሎና መዋዕል እዚ ብዙሓት እምነቶም ብግህዶ ስለ ዝነብሩን ብዛዕባ እምነት ስለ ዝዛረቡን ጥራይ ኣደዳ መስጐጒቲ ክዀኑ መከራ ክወርዶም እናረኣና ነዚ ሰብኣዊ ክብሪ ዘሕስር ተግባር እዚ ከመይ ጌርና ኢና ከም ፍቑድ ብሱቕታ እርእዮ?

ብዙሓት ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብዝስዕብዎ ሃይማኖትን እምነትን ምኽንያት ኣድልዎን መስጐጊትን ከጋጥሞም ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ?

ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን እዚ በቲ ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዝብል መጸውዕ ዕለት 3 ታሕሳስ 1844 ዓ.ም. ብኢየሱሳዊ ማሕበር ኣባል ኣባ ሳቨሪዮ ጓትረለት እተመስረተን፡ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ብዝብል ስም ክጽዋዕ ብቕዱስነቶም ዝተወሰነ እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዘመሓላልፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ ብዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ማሕበር ዝዝርጋሕ ክኸውን እንከሎ ኣብዚ እዋን’ዚ ብ23 ቋንቋታት ዝትርጐምን ብናይ 114 ሃገራት ጋዜጣታት እውን ሽፋን ዝረክብ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብዚ ን2022 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ምእንቲ እቶም ብእምነቶምን ብሃይማኖቶምን ስደትን መስጐጒትን ንዝወርዶምን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበርን ንኽንጽልይ ዝዕድም እዩ።

ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ዓለም

ኣብ ዓለም እቲ ናይ ኵሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሰረት ዝኾነ “ናይ ሃይማኖት ናጽነት” እዚዩ ንሓደጋ ዝተቓልዐ ከም ዝኾነን ኣብ ዓለም ልዕሊ 646 ሚሊዮን ማሕበረ ክርስቲያን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ዘይክበረለን ሃገራት ዝንብሩ ከምዝኾኑ ኤኤንሲ ኣገልግሎት ዜና ዝሃቦ ጸብጻብ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንኻልኦት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ምልላይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ናይ ሃይማኖት ናጽነት “ኣብ ናይ ኣምልዀ ናጽነት” ጥራሕ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ፡ “ንኻልኦት ኣብ ፍሉይነቶም ምኽባርን እዚ ኸኣ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣፍልጦ ክንህቦም” ይድርኸናን ይሓተናን እውን እዩ እንክብሉ ኣጒሊሖም ናይ ሃይማኖት ፍልልያት ነቲ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝብል ኵላዊ ሓድነት ክዓብጦ ከም ዘይግባእ ኣተሓሳሲቦም፥

መገዲ ሕውነት ንምረጽ፥ ምኽንያቱ ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ኣፍልጦ ዘይምሃብ ዘስዕቦ ክሳራ ንዅላትና እዩ!

ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብ 2022 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ፥ ምእንቲ “እቶም ሃይማኖታዊ ኣድልዎን መስጐጒቲ ዝወርዶም ኣሕዋትን ኣሓትን ክንጽልን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበርን፥ ምእንቲ እቶም ብሃይማኖት ምኽንያት ኣሳዶን ኣድልዎን መስጐጒትን ዘጋጥሞምን ክንጽሊ ጻውዒት የቕርቡ።

05 Jan 2022, 17:08